ርዋንዳ 30 ሽሕ ካብቶም ኣብ ሊብያ ዝሳቐዩ ዘለዉ ስደተኛታት ክትቅበል ወሲና

ኣብ ሊብያ፡ ከተማ ጋርያን ኣብ ቀይዲ ዝርከቡ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ወድብ ዓለምለኻዊ ፍለሰት (IOM) ባርነት ኣብ ሊብያ ከም ዝካየድ ዘርኢ ጭብጥታት ከም ዝኣከበ ይዛረብ

ርዋንዳ ኣብ ሊብያ ኣብ ደረጃ ባርነትን ግልያነትን ዝርከቡ ኣስታት 30 ሽሕ ስደተኛታት ክትቅበል ቅርብቲ ምዃና ገሊጻ።

"እቲ ኣብ ሊብያ ዝረአ ዘሎ ዘስካሕክሕ ኩነታት [ስደተኛታት] ኣዝዩ ኣሕዚኑና ኣሎ" ክብል መንግስቲ ርዋንዳ ትማሊ ምሸት ብመገዲ ትዊተር ዘወጽኦ መግለጺ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት እታ ሃገር ይገልጽ።

ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ርዋንዳ፡ ሉዊስ ሙሺኪዋቦ፡ ንኣገልግሎት ዜና ኤፍፒ ከም ዝበለቶ፡ ነቶም ኣብ ሊብያ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ተታሒዞም ዝርከቡ ስደተኛታት ብኸመይ ከም እትወስዶም ዘተኮረ ልዝባት ይግበር ከም ዘሎ ሓቢራ።

"ሕጂ ስለዝተወሰነ፡ ቁጽርን ኣገባብን ዝምልከት ጌና ዝዝረበሉ ዘሎ'ዩ፡ እንተኾነ ግና ብግምት ናይ ርዋንዳ ኣስታት 30, 000 ክትቅበል'ያ" ብምባል ኣብሪሃ።

እዚ ናይ ሕጂ ናይ ርዋንዳ ወሳነ "ፓለቲካዊ ፍልስፍናናን ካብ ናይ ባዕልና ታሪኽን ዝነቐለ እዩ፡ ደቂ-ሰባት ብሕማቕ እናተታሕዙን፡ ከም ከብቲ እናተሸጡን ከነፅቅጥ ኣይንኽእልን ኢና" ድማ ትብል።

ዝሓለፈ ሰሙን ፡ ድሕሪ'ቲ ካብ ትሕተ-ሳሃራ ዝመጹ ስደተኛታት፡ ኣብ ናይ ባረዩ ዕዳጋ ሊብያ ክሽየጡ ኣብ ቴለቭዠን ምርኣዮም፡ሕብረት ኣፍሪቃ ቁጠዓኡ ገሊጹ ነይሩ።

ኣብቲ ብሲኤንኤን (CNN) ዝወጸ ብቪድዮ ዝተሰነየ ጸብጻብ፡ ኣፍሪቃውያን መንእሰያት ናብ ጨረታ ወሪዶም ናብ ሕርሻታት እታ ሃገር ከም ባረዪ ከገልግሉ ክሽየጡ ይረኣዩ።

እቶም ንኣወሮጳ ንምስጋር ናብ ሊብያ ዝኣትዉ ስደተኛታት፡ ብኣሰጋገርቲ ከም ተታሒዞም ብኣዝዩ ትሑት ገንዘብ ወይ ድማ በዘይ ዝኾነ ክፍሊት ክሰርሑ ይግደዱ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ወድብ ዓለምለኻዊ ፍለሰት (IOM) ባርነት ኣብ ሊብያ ከም ዝካየድ ዘርኢ ጭብጥታት ከም ዝኣከበ ይዛረብ

ኣብቲ ሲኤንኤን (CNN) ዘውጽኦ ናይ ቪድዮ ስእልታት፡ ካብ ሃገረ ኒጀርን ካልኦት ኣብ ትሕተ-ሳሃራ ዝርከባ ሃገራት ዝመጹ መንእሰያት ኣብ ሓደ ዘይተገልጸ ቦታ ኣብ ዕዳጋ ብምውራድ ብ$400 (£300) ክሽየጡ የርኢ።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ርዋንዳ ምስ መንግስቲ እስራኤል ብምስምማዕ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስተኛታት ክትቅበል ኣብ ምዝርራብ ከም ትርከብ ምንጭታት ይሕብሩ ኣለዉ።

ቅድሚ ሕጂ፡ ርዋንዳ ካብ እስራኤል ዝተሰናበቱ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ዝተቐበለት ይዝከር።

እንተኾን ግና እቶም ስደተኛታት ኣብታ ሃገር ምስ ኣተዉ ብዙሕ ጸገማት ከም ዘጋጥሞምን እቲ ዝተኣተወሎም ውሑስ መንበሪ ወረቐትን ናይ ስራሕ ዕድልን ከም ዝተጠለሙ'ዮም ዝዛረቡ።

ጠንቂ ፓሊሲ ኣውሮጳ

ድሕሪ'ቲ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብዚ ቀረባ እዋናት ክወስዶ ዝጀመረ ስደተኛታት ናይ ዘይምቕባል ፓሊሲታትን ካብ ሊብያ ከም ዘይሓልፉ ናይ ምግባር ስጉምታት ዓሰርተታት ኣሽሓት ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ኣብ ሓዲግ ተሪፎም ይረከቡ።

እዞም ብዙሓት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝርከብዎም ስደተኛታት፡ መብዛሕትኦም ኣብ ትሕቲ ክፉእ ኣተሓሕዛ፡ ኣብ መዳጎኒታት ሊብያ ይሳቐዩ ምህላዎም ጸብጻባት ይገልጹ።

ካብኡ ሓሊፉ'ውን ግዳያት ጾታዊ ዓመጽን፡ መግረፍቲ፡ ባርነትን ግልያነትን ይኾኑ ምህላዎም ይፍለጥ።

እቲ ኩነታት ኣብ ሊብያ ርጉእ ማእከላይ መንግስቲ ዘይምህላዉ ነቲ ኩነታት ከም ዘጋደዶ ይንገር'ዩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት