ማህደር ፎቶ ቅንያት ኣፍሪቃ

ናይዚ ቕነ ምሩጻት ስእልታት ኣፍሪቃ ተኣንገዱልና።

ታንዛንያዊት ሕርይቲ ጽባቐ ኣብ መድረኽ ውድድር ጽባቐ ላስቬጋስ ኣሜሪካ Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ታንዛኒያዊት ሕርይቲ ጽባቐ 'ሞዴል' ሊላን ማሩል፡ ካብ ፍረ ዓካዓካ ብዝተሰርሐ ክዳን ማዕሪጋ፡ ባህሊ ዓዳ ኣብ መድረኽ ውድድር ጽባቐ ላስቬጋስ ኣሜሪካ እናርኣየት።
ተወላዶ ዓሌት ማሳይ ክንያ ብባህሊ ክዳዉንቲ Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት፡ ኬንያውያን ተወላዶ ዓሌት ማሳይ፡ ባህላዊ ክዳውንቶም ተኸዲኖም፡ ኣብ ዞባ ሪፍትቫሊ ሰላምን ራህዋን ንኽዓስል ይጽዕሩ።
ሰገናት ተመሃሮ ኮትዲቫር ኣብ መምሃሪ ክፍለን Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ቀንዲ ቆላሕታ እዘን ዕሸላት ምሁሮ እዩ። ኣብ ርአሰ ከተማ ኮትዲቫር ኣቢጃን ኣብ መምሃሪ ክፍለን ትምህርተን እናተኸታተላ።
ኣላማይ ኣብ ዓለም ለኸ እግዚብሽን ሕርሻን ሃብቲ እንስሳን Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣላማይ ርእሰ ከተማ ኮትዲቫር ኣቢጃን፡ ኣብ መኽፈቲ ስነ ስርዓት ዓለም ለኸ ኢግዚብሽን ሕርሻን ሃፍቲ እንስሳን ስራሕቲ ጥልፉ እናርኣየ።
በፃሕቲ ፍርያት ጡጥ እናረኣዩ። Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ በፃሕቲ፡ ነዚ ኣብ ኢግዚብሽን ሕርሻን ሃብቲ እንስሳን ዝቐረበ ጡጥ እናተዓዘቡ። ኮትዲቫር ቁጽሪ ሓደ ኣፍራይት ምህርቲ ጡጥ እያ።
ተሳታፊ ዓለም ለኸ ኢግዚብሽን ሕርሻን ሃፍቲ እንስሳን ራም ምስ ምሩጻት ዓሌት ኣባጊዑ Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ምስ ኣባጊዑ ካብ ማሊ ብምምፃእ፡ ዓለም ለኸ ኢግዚብሽን ሕርሻን ሃፍቲ እንስሳን ኣቢጃን ዝተሳተፈ ራም። እቲ ኢግዚብሽን ማእቶት ሕርሻ ንምድንፋዕ ዘኽእሉ ሜላታት ሕርሻ ንምልላይ ዝዓለመ እዩ።
ብብሽክለታ ኣቢሉ ባኒ ዘከፋፍል ግብጻዊ Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ግብጻዊ መንእሰይ፡ ባኒ ዝመልአ ብዕንጨይቲ ዝተሰርሐ ቅርጫት ተሸኪሙ፡ ብሽከለታ እናዘወረ ናብ ከተማ ካይሮ እንትግስግስ።
ሰፈይቲ ክዳን ኢንዱስርትያል ፓርክ ሃዋሳ Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ከተማ ሃዋሳ፡ ኣብ ዝተሃነጸ ኢንዱስትርያል ፓርክ፡ ክዳን ዝሰፍያ ደቂ ኣንስትዮ ሰራሕተኛታት። ኣብዚ ፋብሪካ ዝፈርዩ ክዳዉንቲ ኣብ ዓለም ኣለዉ ምስ ዝበሃሉ ፋብሪካታት ዓለባ ዝወዳደሩ እዮም።
ጓል ዚምባብወ፡ ፕሬዚደንት ሮበርት ሙጋቤ ካብ ስልጣኖም ስለዝተኣለዩ ታሕጓሳ ንምግላጽ ምስ ወተሃደራት እታ ሃገር ስእሊ ትሰኣል። Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ዝሓለፈ ቀዳም፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ዚምባብወ ሃራሬ ሓንቲ ጓል ኣነስተይቲ፡ ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ፕሬዚደንት ሮበርት ሙጋቤ ዝወሰዶ ስጉምቲ ኣሐጕስዋ ምስ ወተሃደራት ርእሰ ስእሊ ('ሰልፌ') እናተሳኣለት።
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነብሩ ዜጋታት ዚምባብወ እውን ስእሊ ሮበርት ሙጋቤ ዝተሓተመሉ ክዳን ብምቕጻል ታሕጓሶም ገሊጾም። Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ፕሬዚደንት ሮበርት ሙጋቤ ካብ ስልጣኖም ምስ ተኣለዩ ኣብ ዝነበሩ ሒደት ደቓይቕ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝቕመጡ ዜጋታት ዚምባብወ ታሕጓሶም ገሊጾም። ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነብሩ ዜጋታት ዚምባብወ እውን ስእሊ ሮበርት ሙጋቤ ዝተሓተመሉ ክዳን ብምቕጻል ታሕጓሶም ገሊጾም።
ምስሊ ሓርገጽ ዝሓዙ ደገፍቲ ተከኣይ ፕሬዚደንት ኤመርሰን ምናንጋግዋ ኣብ ገደ ኣፍ ዋና ቤት ጽሕፈት ዛኑ Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ጽባሕ ስልጣን ምልቃቕ ፕሬዚደንት ሮበርት ሙጋቤ፡ ካብ ስልጣኑ ተኣሊዩ ዝነበረ ምክትል ፕሬዚደንት ኤመርሰን ምናንጋግዋ ኣብ ደገ ኣፍ ዋና ቤት ጽሕፈት ውድብ ፖለቲካ( ሰልፊ) ዛኑ ተረኺቡ ንደገፍቱ መደረ ኣስሚዑ። ብዝውንኖ ፖለቲካዊ ሽርሕታት ተበጊሶም ሰባት ''ሓርገጽ'' ዝብል ሳጓ ኣውጺኤሙሉ። ደገፍቱ ድማ መደረ የስመዕሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ቅርጺ ሓርገጽ ዘለዎ ባንቡላ ሒዞም መጺኦም።
ንህቢ ኣብ ጫካታት ላቫንደር ደቡብ ኣፍሪቃ መዓር ጽጌና እናቐሰመ Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኬፕታዉን፡ ንህቢ ኣብ ጫካ ላቫንደር መዓር ጽጌና እናቐሰመ። ብሰንኪ ኣብ ኣሜሪካ ዝተርኣየ ሕማም ኣናህብ፡ ዳርጋ 40 ሚኢታዊት ሃፍቲ ንህቢ ደቡብ ኣፍሪቃ በሪሶም እዮም።

መሰል ቅዳሕ ስእልታት ሕልው እዩ።

ኣብ ገደና ቢቢሲ