ግምታት ፕሪምየር ሊግ፡ ተንታኒ ኩዕሶ እግሪ ማርክ ካብ ዓርቢ ክሳብ ሰንበት ንዝካየዱ ፀዋታታት ቅድመ ግምት ሂቡ።

ማርክ ላውረንሰን Image copyright BBC Sport

ሊቨርፑል ኣብ ቅድሚት ካብ ዝርከባ ሽድሽተ ጋንታታት ከይትወፅእ ኣብ ምንሕናሕ ትርከብ። ምስ ቸልሲ ኣብ ዝህሉ ፀዋታ'ኸ እንታይ ክፍጠር ይኸውን?

ተንታኒ ኩዕሶ እግሪ ቢቢሲ ማርክ ለውረንሰን፡ ሊቨርፑል ኣብ ሜድኣ ኣብ እተተኣናግዶም ፀዋታታት ክትዕወት ይግምት።

ቀዳም ኣብ ዝካየድ ፀዋታ ድማ ሊቨርፑል 2-1 ዓወት ከምዝቐንዓ ይግምት። ናታትኩም ግምትከ ንሱ'ዶ ይኸውን?

ዓርቢ

ዌስትሃም - ሌይስተር

Image copyright BBC Sport

ኣብ ዝሓለፈ ግጥም፡ ተፃወቲ ዌስትሃም ርእሰ ምትእምማን ይሓፅሮም ነይሩ።

ሕዚ ምስ ሌይስተር ኣብ ዝካየድ ፀዋታ፡ ብማዕረ ምፍልላይ'ውን፡ ከም ፅቡቕ ዕድል ይቑፀር።

ግምት ላውሮ: 1-1

ቀዳም

ክሪስታል ፓላስ - ስቶክ

Image copyright BBC Sport

ኣብ ክሪስታል ፓላስ ይርኣዩ ዘለው ምዕባለታት፡ ናብ ውፅኢት ክቕየሩ እዮም።

ኣብ ልዕሊ ስቶክ ግን ዝዕወቱ ኣይመስለንን።

ስቶክ'ውን ኣብ ምምሕያሽ ይርከቡ። ሸቶታት እናቑፀሩ እዮም።

ግምት ላውሮ: 1-2

ማንቸስተር ዩናይትድ - ብራይተን

Image copyright BBC Sport

ብራይተን ኣብ ፕሪምየርሊግ ክትፀንሕ ዝግብኣ ትመስል።

ነጥቢ ናብ ምእካብ ዝመፅኡሉ ኩነታት እናተዓዘብና ኢና።

ኣብ ሜዳ ማንቸስተር ነጥቢ ምርካብ ግን ክኸብዶም'ዩ።

ግምት ላውሮ: 2-0

ኒውካስል - ዋትፎርድ

Image copyright BBC Sport

ዋትፎርድ ንዌስትሃም እንትስዕሩ ብምርኣየይ ብጣዕሚ'የ ተገሪመ። ኩዕሶ ፅቡቕ እናተቖፃፀሩ እዮም።

ናብ ቅድሚት እንትሓልፉ ዝህልዎም ብቕዓት ዝነኣድ'ዩ።

ኒውካስትል ግን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዩናይትድ ተሳዒራ እያ። ኣሰልጣኒ ራፋ ቤንቴዝ ሕዚ'ውን ንራብዓይ ስዕረት ኢዱ ክህብ'ዩ ዝብል ግምት የብለይን። ቁሩብ ክርር ዝበለ ፀዋታ ክኸውን ትፅቢት እገብር፤ ነጥቢ'ውን ክማቐሉ እዮም።

ግምት ላውሮ: 1-1

ስዋንዚ - በርንማውዝ

Image copyright BBC Sport

ስዋንዚ ኣብ ከቢድ ፈተና ይርከቡ። ፀገሞም ድማ ንዕድጊት ተፃወትቲ ገንዘብ ከውፅኡ ዘይምኽኣሎም'ዩ።

ወይ'ውን ናብ ቶተንሃም ንዝኸደ ተፃዋታይ ዘይምትክኦም ይኸውን።

ተፃወትቲ እቲ ጋንታ ኣብ ትሑት ርእሰ ምትእምማን ይርከቡ።

ብኣንፃሩ በርንማውዝ ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ይርከቡ።

ግምት ላውሮ: 0-2

ቶተንሃም - ዌስትብሮም

Image copyright BBC Sport

ግዝያዊ ኣሰልጣኒ ጋንታ ዌስትብሮም፡ ኣብ ኣሰላልፋ ለውጢ ከምፅእ'ዩ ዝብል ትፅቢት የብለይን።

ቶተንሃም፡ ብድሕሪ እቲ ብኣርሰናል ዘጋጠሞም ስዕረት፡ ንቦርስያ ዶርትሙንድ ብምስዓር ካብ ሕርቃኖም ዝተመለሱ ይመስለኒ። ነዚ ፀዋታ'ውን ብዓወት ዝዛዝምዎ ይመስለኒ።

ግምት ላውሮ: 2-0

ሊቨርፑል - ቸልሲ

Image copyright BBC Sport

ኤደን ሃዛርድ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ንጋንትኡ ቸልሲ ፅቡቕ እናሰርሕ መፂኡ'ሎ። ጋንትኡ'ውን ተኸታተልቲ ዓወታት ኣመዝጊባላ።

ኮይኑ ግን፡ ንማንቸስተር ሲቲ ከርክቡ እንተኾይኖም ብቐፃልነት ክዕወቱ ኣለዎም። እዚ ግን ዝከኣል ኣይኮነን።

ግምት ላውሮ: 2-1

ሰንበት

ሳውዝ ኣምፕተን - ኤቨርተን

Image copyright BBC Sport

ኣጥቃዓይ ኤቨርተን ኦማር ኒኣሴ ኣብዚ ፀዋታ ኣይክህሉን። እንተሃለወ'ውን ለውቱ ክህሉ ኣይምተፀበኹን።

ተዓዊትካ ንምውፃእ እናተፀገሙ እዮም። ክዕወቱ ዝብል ግምት የብለይን።

ግምት ላውሮ: 2-0

በርንለይ - ኣርሰናል

Image copyright BBC Sport

ኣርሰን ቬንገር፡ ጋንትኦም ምስ በርንለይ ኣብ ዝህልዋ ፀዋታ ከመይ ሒዞምዋ ከምዝቐርቡ ንምርኣይ ተሃንጥየ ኣለኹ።

ፈታናይ ፀዋታ ክፅበዮም እዩ።

ምስ ቶተንሃም ኣብ ዝነበሮም ሜሱት ኦዚል ፅቡቕ ነይሩ። ግን ድማ እቲ ጉዳይ ንብቕዓቱ ዝምልከት ዘይኮነስ፡ ኣብ ቀፃልነቱ እዩ። ነዚ ዝኸውን ውሕስና የለን።

ግምት ላውሮ: 1-1

ሃደርስፊልድ - ማንቸስተር ሲቲ

Image copyright BBC Sport

ማንቸስተር ሲቲ፡ ኣብ ቻምፒዮንስ ሊግ ፅቡቕ እንተዘይነበሩ'ኳ፡ ነቲ ሕዚ ዝገብርዎ ፀዋታ ግን ዝፀሉ ኣይኮነን።

ብፔፕ ጋርድዮላ እትስልጥን ጋንታ 17 ግጥማት ብዓወት ዛዚማላ። ሕዚ'ውን ብዓወት ከምዝቕፅሉ ብብቕዓት ዘረጋገፁ እዮም።

ሃደርስፊልድ ድማ ምስ ዓበይቲ ጋንታታት እንትራኸቡ ዝህልዎም ብቕዓት፡ ምስ ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ዝገበርዎ ፀዋታ ኣመስኪሮም ነይሮም።

እዚ ግን ኣብ ልዕሊ ሲቲ ዝድገም ኣይኮነን።

ግምት ላውሮ: 0-2