ኤመርሰን ምናንጋግዋ ሓድሽ ፕረዚደንት ዚምባብወ ብምዃን ቃለ-ማሕላ ፈጺሙ

ፕረዚደንት ዚምባብወ ኤመርሰን ምናንጋግዋ Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ዚምባብወ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ኤመርሰን ምናንጋግዋ እንታይ ዓይነት ለውጢ ተምጽእ ትኸውን?

ኤመርሰን ምናንጋግዋ ሓድሽ ፕረዚደንት ዚምባብወ ብምዃን ሎሚ 24 ሕዳር 2017 ኣብ ርእሰ-ከተማ'ታ ሃገር፡ ሃራረ ቃለ-ማሕላ ፈጺሙ።

ሚስተር ምናንጋግዋ፡ ኣቐዲሙ ምክትል ፕረዚደንት እታ ሃገር ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ኾይኑ፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ብፕረዚደንት ነበር ሙጋበ ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምብራሩ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ቀንዩ ነይሩ።

እዚ ንዚምባብወ ታሪኻዊ መዓልቲ እኳ እንተኾነ፡ ንነዊሕ እዋን ምስ ሚስተር ሙጋበ ክስርሕ ዝጸንሐ ስለዝኾነ፡ ብኸመይ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ መራሒ ክፍለ ከም ዝኽእል ፍሉጥ ኣይኮነን ይብሉ ብዙሓት ተንተንቲ።

ኣብቲ ጽንብል"ሽቕለት ኣልቦነት ብምውጋድ፡ ንመንእሰያትና ስራሕ ብምፍጣር፡ ቁጠባና ክንልውጦ ኢና" ብምባል ነቲ ንነዊሕ እዋን ኣብ ቁጠባዊ ቁልውላዉ ኣትዩ ዝርከብ ህዝቢ ዚመባብወ ተስፋ ሂቡ።

"ሰላምን ስኒትን ክንቅነት ኣሎና" ድሕሪ ምባል፡ ዲሚክራስያዊ ምርጫ ክካየድ ምዃኑን፡ "ትካላት ዲሞክራሲ ከም ዝሕይሉ ክንገብር ኢና" ብምባል መብጻዓ ኣትዩ።

"ፕረዚደንት ሮበርት ሙጋበ ኣብ እዋን ቃልሲ ንናጸነት መሪሑና እዩ፡ ድሕሪኡ'ወን ነታ ሓዳስ ሃገርና ብምምራሕ ኣበርክቶ ጌሩ'ዩ" ድሕሪ ምባል፡ "ሓደ ካብ መስረትቲ ሃገርና ዝኾኑ ዓበይቲ መራሕቲ ኮይኑ ብኽብሪ ክዝከር ክነበር እዩ"

"ብውልቂ ድማ ንዓይ፡ ኣቦ፡ ኣያን ናይ ቃልሲ ብጻየይ እዩ" ብምባል ሰናይ ትምኒቱ ገሊጽሉ።

Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ሰራዊት ዚምባብወ ንሮበር ሙጋበ ካብ ስልጣን ምወራድ ወሳኒ ግደ ተጻዊቱ

እቲ ንፕረዚደንት ነበር ሮበርት ሙጋበ ካብ ስልጣኑ ንኽወርድ ዓቢ ተራ ዝነበሮ ኣዛዚ ሰራዊት እታ ሃገር፡ ጀነራል ኮንስታንቲኖ ቺወንጋን ካልኦት ኣዘዝቲ ሰራዊትን፡ ኣብቲ ኣጋጣሚ ተማእዛዝነቶም ነቲ ሓድሽ ፕረዚደንት ብወግዒ ገሊጾም።

ኣብቲ ጽንብል ብዙሓት መራሕቲ ኣፍሪቃ ይሳተፉ ኣለዉ።

ዋላኳ ሚስተር ሮበርት ሙጋበ ኣብቲ ጽንብል ክርከብ'ዩ ዝብል ወረ ክንዛሕ እንተቐነ'የ፡ እንተኾነ ግና ናብቲ ጽንብል ከም ዘይተቐልቀለ ተረጋጊጹ።

ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ከም ዝገለጽኦ፡ ፕረዚደንት ምናንጋግዋ፡ ንሮበርት ሙጋበ ከም ዘዘራረቦን፡ ናይ ጸጥታ ወሕስነት ክህልዎ ምዃኑ ኣረጋጊጽሉ ኣሎ።

ኣብቲ ኣብ ስታድዮም ከተማ ሃራረ ዝተካየደ ስነ-ስርዓት ቃለ-ማሕላ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት እታ ሃገር ተሳቲፎም።

Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ህዝቢ ዚምባብወ ፕረዚደንት ነበር ሙጋብ ካብ ስልጣኑ ምውራዱ ብሓጎስ ተቐቢልዎ'ዩ

እዚ ናይዚ ሓድሽ ፕረዚደንት ኣብ ስልጣን ምምጻእ፡ ድሕሪ'ቲ ሰራዊት እታ ሃገር ንፕረዚደንት ሙጋበ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ምስጋዳዱን ክኸውን ዝኻኣለ ኩነታት'ዩ።

ፕረዚደንት ነበር ሮበርት ድሕሪ'ቲ ዝተገብረሉ ጸቕጥን፡ እቲ ዝመርሖ ዝነበረ ሰልፊ ዛኑፒኤፍ (Zanu-PF) ተሀተሀተሀሀ ካብ ናይ ሰልፊ ስልጣኑ ድሕሪ ምውራዱ፡ ንጊዚኡ ኣብ ስልጣኑ ክጸንሕ ድሌቱ እኳ እንተነበረ፡ ፓርላማ እታ ሃገር ካብ ስልጣኑ ንኸወርዶ እናተካተዐ እንከሎ'ዩ ኣብ 21 ሕዳር ብወለንትኡ ካብ ስልጣኑ ከም ዝወረደ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ነበር ሮበርት ሙጋበ ን37 ዓመታት ንዚምባብወ ከም ዝመርሓ ይዝከር።

ትጥቀምሉ ዘለኹም መሳርሒ ኣይተቐበሎን።
ንፕረዚደንት ሙጋቤ ዝተክኡ፡ ናይ ዚምባብዌ “ሓርገፅ” ኢመርሰን ምናንጋግዋ መን እዮም?

ተወሳኺ ዛንታ