ኣብ መስጊድ ግብጺ ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ 235 ሰባት ሞይቶም

Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ዕጡቓት ኣብ ጥቓ ኣል ኣሪሽ ንእትርከብ መስጊድ ኣጥቂዖም

ተጠርጠርቲ ዕጡቓት፡ ኣብ ሰሜን ግብጺ ዞባ ሲናይ ኣብ ዝርከብ መስጊድ ብቦምባን ብረትን ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ 235 ሰባት ከምዝሞቱ ሃገራዊ ሚዲያ ግብጺ ጸብጺቡ።

ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ከምዝብሉዎ ኣብ ጥቓ ኣል-ዓሪሽ ትርከብ ከተማ ቢር ኣል- ኣቤድ ዝርከብ መስጊድ ኣመንቲ ኣብ ጸሎት ዓርቢ እንከለዉ እዩ እቲ ሓደጋ ኣጋጢሙዎም።

ፖሊስ እታ ከተማ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ሓደ ሰብ ኣርባዕተ ዝእግራ ተሽከርካሪ ሒዙ ጸሎት ኣብ ዘብጽሑ ዝነበሩ ሰባት መጥቃዕቲ ኸፊቱ ይብል ኣሶሽየትድ ፕረስ።

ካብ 2013 ጀሚሩ ግብጺ ኣብቲ ዞባ ንዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ክትቃለስ ጸኒሓ እያ።

ኣብ ዞባ ሲናይ ዕጡቓት ሓላፍነት ዝወሰዱሎም ተኸታተልቲ መጥቃዕታት ይፍጸሙ'ኳ እንተነበሩ እዚ ሎሚ ዝተፈጸመ ግና ኸቢድ'ዩ።

በቲ መጥቃዕቲ፡ ኣብቲ መስጊድ ዝነበሩ ብዙሓት ጉድኣት ክበጽሖም እንከሎ፡ 130 ዝኾኑ ሰባት ቖሲሎም ይብሉ ጸብጻባት። ግዳያት እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ጸሎት ዝነበሩ ደገፍቲ ሓይልታት ጸጥታ ከምዝኾኑ'ውን ይግለጽ።

ፕረዝደንት ዓብደል ፈታሕ ኣልሲሲ፡ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ዝምልከት ምስ ሓለፍቲ ደሕንነት እታ ሃገር ክዝቲ'ዩ ክብል ማዕከን ዜና ውልቀ ኤክስትራ ኒውስ ሓቢሩ።

ክሳብ ሕዚ እቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝምልከት ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል የለን።

ኣብ 2013 ፕሬዝደንት መሓመድ ሞርሲ ካብ ስልጣን ካብ ዝእለ ንደሓር፡ ዕጡቓት ጂሃድ፡ ኣብ ግብጺ መጥቃዕታት ከካይዱ ጸኒሖም'ዮም።

ዕጡቕ ጉጅለ ዳዕሽ ሓላፍነት ወሲዱሎም ዝበሃሉ መጥቃዕታት ድማ ምኽንያት ሞት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ፖሊስ፥ ወተሃደራትን ንጹሃት ዜጋታትን ኾይኖም እዮም።

ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ኣብ ጥቓ ኣል-ዓሪሽ ዝበጽሐ መጥቃዕቲ ጉጅለ ዳዕሽ 18 ፖሊስ ቐቲሉ።

ዕጡቅ ጉጅለ ጅሃድ'ውን እንተኾነ ኣብ ካልእ ከባቢታት እታ ሃገር ኣብ ዝርከብ ቤተክርስቲያን ኮፕቲክ ግብጺ ዘነጻጸሩ መጥቃዕታት ኣብጺሑ እዩ። ብተወሳኺ ኣብ 2015 ኣስታት 224 ቱሪስት ኣብ ዝጸዓነት ናይ ሩስያ ነፋሪት ቦምባ ከምዘጻወደ እውን ይገልጽ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት