መጥቃዕቲ ሓይሊ ኣየር ሩስያ ህይወት ብዙሓት ሰባት ቀዚፉ

ደብዳብ ነፈርቲ ሩስያ ኣብ ሶርያ Image copyright handout via reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ሩስያ ቀንዲ ደጋፊት ፕሬዚደንት በሽር ኣል ዓሳድ እያ

ሓይሊ ኣየር ሩስያ ኣብ ምብራቓዊ ሶርያ፡ ኣልሻፋሕ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ብዘካየዶ ደብዳብ ነፈርቲ ብውሑዱ 53 ሰባት ከምዝሞቱ ጸብጻባት የመላኽቱ።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ተዓዛቢ ጉጅለ ሰብኣዊ መሰላት ሶርያ፡ በቲ ትማሊ ሰንበት ንጉሆ ዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ ሩስያ ካብቶም ዝሞቱ 53 ዜጋታት እታ ሃገር እቶም 21 ህጻናት ከምዝኾኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።

እቲ ደብዳብ ነፈርቲ ዝተፈጸመሉ ዲየር ኣል ዞር ዝተባህለ ከባቢ፡ ኣይኤስ ክሳብ ቀረባ እዋናት ዓሪዱሉ ዝነበረን ክሳብ ሎሚ ከም ግዝኣቱ ገይሩ ዝዎስዶን ክፋል ሶርያ እዩ።

እቲ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደብሩ ተዓዛቢ ሰብኣዊ መሰላት ሶርያ ኣብ ፈለማ፡ ዋላ እኳ ቁጽሪ መወትቲ 34 ጥራሕ ከምዝኾኑ እንተሓበረ ደሓር ግን ቁጽሮም እናዛየደ ከምዝመጽአ ሓላፊ እቲ ተቐጻጻሪ ጉጅለ ን ኣጃንስ ፍራንስ ፕሬስ ካብ ዝሃቦ ሓበሬታ ምርዳእ ተኻኢሉ።

ቁጽሪ መወትቲ ክዛይድ ዝኸኣለ ምሉእ መዓልቲ ብዝተገበረ ኣለሻ ግዳያት ከምዝኾነ ሓላፊ እቲ ተቐጻጻሪ ጉጅለ ራሚ ዓብደል ራሓማን ገሊጹ።

ሩስያ ብወገና፡ ብ6 ነዊሕ ርሕቐት ዝውንጨፉ ተተኮስቲ ነፈርቲ ኣቢላ ደብዳብ ነፈርቲ ከምዘካየደትን፡ ይኹን እምበር ኣብ ልዕሊ ዕርድታት እቶም ዕጡቓት እምበር ንጹሃት ዜጋታት ዕላማ ከምዘይገበረን ኣፍሊጣ ነይራ።

ሩስያ፡ መወዳእታ ኣብ ዘይብሉ ኵናት ሓድሕደ ሶርያ፡ ቀንዲ ደጋፊት ፕሬዚደንት ሶርያ በሽር ኣልኣሳድ ኮይና ምዝላቓ ዝፍለጥ እዩ።

ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝሰላሰል መደብ ልዝብ ሰላም ቀጻሊ ሰሙን ኣብ ጀኔቭ ክቕጽል ትጽቢት ተገይሩ ኣሎ። ቅድሚ ሕዚ ተኻይዶም ዝነበሩ ናይ ሰላም ዘተታት ግን ከምዘየፍርዩ ይዝከር።

Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ምብራቓዊ ክፍል ጎቲያ ኣብ ዝሓለፉ 2 ሰሙን ጥራይ 120 ሰባት ሞይቶም

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ከባቢ ደማስቆ ብዝተኻየደ ህዝባዊ ዓመጽ 23 ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ተፈሊጡ ኣሎ። ከም ጸብጻብ እቲ ተዓዛቢ ጉጅለ ሰብኣዊ መሰላት እንተኾይኑ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ጎቲያ ኣብ ልዕሊ ዝርከባ ገለ ከተማታት ደብዳብ ነፈርቲ ተፈጺሙ እዩ።

ይኹን ድኣ'ምበር እቶም ጸብጻባት ብዘይሻራዊ ኣካል ክረጋገጹ ኣይከኣሉን።

ሰራዊት ሶርያ ኣብቲ ከባቢ መጥቃዕቲ ካብ ዝጀመረሉ ቅድሚ 2 ሰሙን ኣትሒዙ ዛጊድ ህይወት 120 ሰባት ከምዝጠፍአ እቲ ተቐጻጻሪ ጉጅለ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ብሰንኪ ዓመታት ዘቑጸረ ወተሃደራዊ ከበባ፡ ኣስታት 4 ሚኢቲ ሽሕ ነበርቲ ምብራቓዊ ክፋል ጎቲያ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዝርከቡን በብግዚኡ ብዘጋጥም ጥምየት ምኽንያት ብዙሓት ሰባት ከምዝሞቱን ጸብጻባት የረድኡ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝሓለፈ ሰሙን ዕላዊ ኣብ ዝገበሮ ጸብጻብ፡ ብሰንኪ ኣብቲ ከባቢ ዘጋጠመ ዋሕዲ ቀለብ፡ ሰባት ክሳብ ናይ እንዳ ጓሓፍ ምግቢ ክምገቡ ጀሚሮም ይብል።

ምብራቓዊ ክፋል ጎቲያ ካብቶም ብ ሩስያ፣ ኢራን ቱርክን 'ካብ ዕጥቂ ናጻ' ክግበሩ ኣለዎም ተባሂሎም ዝተነጸሩ ዞባታት ሓደ ከምዝኾነ ዝዝከር እዩ። Great publish it

ተመሳሳሊ ዛዕባታት