ኵናት የመን፡ ቐዳማይ ረድኤት መግቢ ኣብ ዶብ በጺሑ

ብጥምየት ዝተሃሰየ የመናዊ ህጻን Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ የመን ሚሊዮናት ዜጋታት ናብ ሓደጋ ጥምየት ይሰጋገሩ ምህላዎም ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት

ስዑዲ ዓረብ እትመርሖ ልፍንታዊ ኪዳን ንኣስታት ሰለስተ ሳምንታት ዓጺዩዎ ዝጸንሐ ኣፍደገ ባሕርን ኣየርን ድሕሪ ምኽፋቱ፡ ቀረብ መግቢ ዝጸዓነት መርከብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዶብ የመን ክትኣቱ ፍቓድ ረኺባ።

እቲ ምዕጻው ዶብ፡ ህይወት ብሚልዮን ዝቑጸሩ ሰባት ንሓደጋ ጥምየት ኣቃሊዑ'ዩ።

ዝሓለፈ ቀዳም ኣፋውስ ዝጸዓና ነፈርቲ'ውን ናብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ኣትየን ነይረን፣ መግቢ ክጉዓዓዝ ግና ንፈለማ እዋን'ዩ።

ናብ ስዑዲ ዓረብ ናይ ሚሳይል መጥቃዕቲ ድሕሪ ምክያዱ ካብ 6 ሕዳር ጀሚሩ እቲ ኣፍደገ ባሕርን ነፈርትን ደው ኢሉ ጸኒሑ እዩ።

ኣብ የመን ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ሖቲ፡ ናብ ዋና ከተማ ስዑዲ ዓረብ ሪያድ ሚሳይል ምስ ወንጨፉ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ፡ እቲ ጥምረት ምጉዕዓዝ ምድሪ፣ ባሕርን ኣየርን ደው ክብል ኣዚዙ።

ሕጂ ግን ኣሽሓት ቶን እኽሊ ዝጸዓነት መርከብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናብ መዕርፎ ወደብ ሳሌፍ ኣትያ ኣላ።

እቲ መግቢ ኣብ ሰሜናዊ የመን ንዝርከቡ 1.8 ሚሊዮን ሰባት፡ ንሓደ ወርሒ ክቕልብ ከምዝኽእል ዳይሬክተር ፕሮግራም መግቢ ዓለም እቲ ዞባ ስቴፈን ኣንደርሰን ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

እታ መርከብ ንዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ፍቓድ ክትረክብ ምጽባያ ከቢድ ዋጋ ከምዘኽፈላ 'ዉን ሓቢሮም።

ቅድም ክብል፡ 5500 ሽሕ ቶን ስርናይ ዝጸዓነት መርከብ ንግዲ፡ ተቓወምቲ ሖቲ ኣብ ዝተቖጻጸሩዋ ቀንዲ ወደብ ሑደይዳ ክትኣቱ ክኢላ'ያ።

"እዚ እወታዊ ምዕባለ'ዩ። ይኹን'ምበር ሙሉእ ድሌት እቶም ጠለባቶም ከማልኡ ዘይኽእሉ፣ ኣብ ዕዳጋ ጽግዕተኛ ዝኾኑ ሰባት ንምምላእ ሰብኣዊ ሓገዝ ጥራሕ ንብሕቱ እኹል ኣይኮነን" ይብሉ ሚስተር ኣንደርሰን።

Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ወኪላት ሰብኣዊ ሓገዝ ዶባት ብምዕጻዎም ስግኣት ይሓድሮም

ዝሓለፈ ቅነ ሳውዲ ትምርሖ ጥምረት ዓጽይዎ ንዝጸንሐ ኣፍደገ ወደብ ሑደይዳ መዓርፎ ነፈርቲ ሰንዓን ሰብኣዊ ሓገዝ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንምብጻሕ ከምዝኸፍቶ ኣፍሊጡ'ዩ።

ይኹን እምበር ዝሓለፈ ዓርቢ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ሰብኣዊ ሓገዝ እቲ ውድብ ንሑደይዳ ዝወስድ መንገዲ ክፉት ከምዘይኾነ ገሊጹ'ዩ።

1.9 ሚሊዮን ኣፋውስ ዝጸዓና ነፈርቲ ሰንዓ ዝኣተዋ'ኳ እንተኾና ኤጀንሲ ትካል መድሕን ህጻናት እቲ ውድብ ግና ካብቲ ዝድለ እቲ ዝነኣሰ'ዩ ይብል።

"ንኹሎም፡ ህጹጽ ሓገዝ ንምቕራብ ከይኽልኽሉና፡ ንህጻናት ክህሉ ብዝግብኦ ልቢ ይምሕጸን" ዳይሬክቴር ትካል መድሕን ህጻናት ማእኸላይ ምብራቅ ጀርት ካፔላሬ ንሮይተርስ ተዛሪቦም።

ልዕሊ 20ሚሊዮን ዜጋታት የመን፡ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ይደልዩ። 11ሚሊዮን ህጻናት ኾይኖም፡ 400ሽሕ ብኸቢድ ሕጽረት መግቢ ዝተጠቅዑ'ዮም።

ኣብ ሞንጎ እሙናት ፕረዝደንት ዓብዱልረቦ መንሱርሃዲን ሖቲን ብዝነበረ ውግእ እያ ስዑዲ ትመርሖ ጥምረት ኣብ 2015 ኢድ ኣእትዩ።

ካብኡ ንደሓር፡ ከም መረዳእታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት እቲ ብምድርን ነፈርትን ዝተገብረ ውግእ ልዕሊ 8670 ሰባት ቐቲሉ፡

ተወሳኺ ዛንታ