ተስፋን ጣዕሳን ግድብ ሕዳሰ ኣባይ

ወንድወሰን ሚቻጎ (ማእኸል)፥ እንግሊዛዊ ዶ/ር ኣለን ኒኮለ (ብየማን) ካሊእ ተመራማሪት ማይን መጽናዕቶም ኣቕሪቦም ምስ ተሳተፍቲ እንትዝትዩ። ኦክተበር 2017 ኪጋሊ Image copyright NBI
ናይ ምስሊ መግለጺ ወንድወሰን ሚቻጎ (ማእከል) ብዛዕባ ፍትሓዊ ኣጠቓቕማ ማይ ኣባይ መጽናዕቶም እንተቕርቡ - ኪጋሊ (ሩዋንዳ)፡ ጥቅምቲ 2010 ዓ/ም

ቅድም ክብል ኢትዮጵያ ከም በዓልቲ ቤት እቲ ምንጪ ዘይኮነትስ ከም መዕቖሪት ማይ (ሮቶ) ተገይራ ጥራሕ እያ ትረአ ዝነበረት። ህንፀት ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ካብ ዝጅመር ንደሓር ግን፥ እዚ ናይ ንስሓን ጣዕሳን ኣተሓሳስባ ከምዝተቐየረ ተመራማርቲ ይዛረቡ።

ሞሓመድ ዋዴ፥ጋዜጠኛ 'ሳዳ ኢል-ባላድ' ዝተብሃለ ተሌቪዥን ጣብያ ግብጺ እንትኸውን፥ ኣብቲ ተፋሰስ ጉዳይና ኢሎም ካብ ዝነጥፉ ጋዜጠኛታት ሓደ እዩ።

"ኣብ ሃገርና መነባብሮ ብጣዕሚ እዩ ከቢዱ። ኩሉ ነገር ዋጋ ወሲኹን ከቢሩን ። እቲ ህዝቢ ንማይ ከይተረፈ ክፈል ከይበሃል ፈሪሑ አሎ" ብማለት ንቢቢሲ ይዛረብ።

ሞሓመድ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ነሓሰ ናብ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ዑደት ካብ ዝገበሩ ጋዜጠኛታት ሓደ እዩ፥

"እቲ ግድብ ንህዝቢ ግብፂ ጉድኣት ከምዘይህልዎ ፅሒፈ እየ። የግዳስ ብዙሕ ረብሓ ከምዝህብ እየ ተገንዚበ" ይብል።

"ብኣንፃሩ እቲ ፕሮጀክት ንኢትዮጵያውያን ኣሕዋተይ ዓብይ ነገር እዩ። ፀግኦም ምጥቃምን ምምዕባልን ድማ 'ኮ መሰሎም እዩ።ድሌት ህዝቢ ግብፂ ዋሕዚ እቲ ማይ ንኸይንክን ከየቋርፅን ጥራሕ እዩ" ይብል ሞሓመድ::

ሚድያታት እታ ሃገር ኢትዮጵያ ዋሕዚ ማይ ኣባይ ክትኽትር ከምእትደሊ ንህዝቢ ግብፂ ኣእሚኖሞ እዮም ድማ ይብል::

ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ መጋቢት 5፥ 2004 ዓ/ም ዕላዊ ድሕሪ ምዃኑ ኢትዮጵያን ግብፅን ናይ ቃላት ምልልስ ጀሚረን ነይረን። ርክብ ክልቲአን ሃገራት ድማ ንግዚኡ ተዘሪጉ ነይሩ።

እቲ ሓፅቢ ብደረጃ ኣፍሪካ እቲ ዝዓበየን፥ ህንፀቱ ምስተዛዘመ ኣብ ዓመት ካብ 6 ሺሕ ሜጋዋት ንላዕሊ ኤሌትሪክ ዘመንጩን እንተኸውን፥ 80 ሺሕ ቢልዮን ብር ዝሓትት ሰፍ ዘይብል ፕሮጀክት እዩ።

እቲ ስራሕ ኣብ ሓሙሽተ ዓመት ክዛዘም እዩ ተባሂሉ ተተሊሙ'ኳ እንተነበረ፥ ኣብ ሻድሻይ ዓመቱ ኣብ ቀረባ እዋን ህንፀቱ 65 ሚእታዊ ጥራሕ ከምዝበፅሐ ይዝረብ።

ብሰንኪ ምቁራፅ ልቓሕን ረድኤትን ስራሕቲ እቲ ግድብ ምእንታን ከይተኣጓጎል፥መንግሰቲ ምስ ህዝቢ ተሓባቢሩ ባዕሉ ክሰርሖ እዩ ወሲኑ።

Image copyright MOFA
ናይ ምስሊ መግለጺ ህንፀቱ ኣብ ምስላጥ ዝርከብ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ፥ ምስተዛዘመ ኣብ ኣመት 6 ሺሕ ማጋዋት ሓየዕሊ ኤሌክትሪክ ከመንጩ እዩ።

ምስዚ ዓብይ ፕሮጀክት ስሞም ደጋጊሙ ዝለዓል ቀዳማይ ሚኒስቴር ነበር መለስ ዜናዊ፥ እምኒ ኩርናዕ እቲ ሓፅቢ ኣብ ዘንበርሉ እዋን ዘስምዑዎም ዘረባታት ሓዊሱ ብዙሓት መግለፂታት ሰበ ስልጣናት "ጣዕሳ" ሓዘል እዮም።

ጣዕሳ 'ታይ ኣምፀኦ?

አለም አለማዮሁ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ናይሮቢ (ኬንያ) ዝነብር መንእሰይ እዩ። ቅድሚ ሽድሽተ ዓመት ፕሮጀክት እዚ ግድብ ዕላዊ እንትኸውን፥ ልዑል ሓጎስ ተሰሚዑዎን መንፈሱ ተሓዲሱ ከምዝነበረ ይዛረብ።

"ዝኾነ ናይ ምልዋጥን ናይ ሓያልነትን ስምዒት ወሪሩኒ ነይሩ" ይብል ክዛዘም'ዩ ተባሂሉ ካብ ዝተተለሞ ንላዕሊ ብዙሕ ምጉታቱ ዝነበሮ ስምዒት ከምዝቐነሰ ብምግላፅ።

"ካብ ዝግባእ ንላዕሊ ግዜ ወሲዱ። ሐዚ ስለ እቲ ግድብ ውን ዝብለኒ ብዛዕብኡ ዝኾነ ዜና እንተወፂኡ ጥራሕ እዩ"ይብል። " ሩባ ኣባይ ግብጺ ጥራሕ እትጠቀመሉ ሃፍቲ ዝመስለኒ ዝነበረ ስምዒት ግን ንሓዋሩ ቅንጥጥ ኢሉ ዝኸደ ይመስለኒ" ብምባል ይውስኽ።

ወንድወሰን ሚቻጎ ሰይድ፡ ኣብ ዝፈላለዩ ትካላት ማይ ብፍላይ ከአ ምስ በይነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪቃ (ኢጋድ) ብዛዕባ ዶብ-ሰገር ወሓዝቲ ሩባታት መፅናዕቲ ከካይድ ፀኒሑ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ድማ ኣብ ሃገረ ስዊድን ዩኒቨርሲቲ ሉንድ ብፖሎሊቲካል ሳይንስ ሕፁይ ዶክትሬት ዲግሪ እዩ። ከምኡ ድማ ኣብ ልዕሊ ኣባይ ኣትኲሩ መፅናዕቲ የካይድ ኣሎ።

"ኢትዮጵያውያን ድኻታት ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ታሪኽ ባርነትን ባዕዳዊ መግዛእትን ስለዘየሕለፉ ግን ብርእሶም ዝተኣማመኑ እዮም። ፍሉይ ዝገብረካ ኢትዮጽጵያዊነት ኣሎ:: ኣብ ልዕሊ ኣባይ ድማ ሓድነት ተፈጢሩ እዩ" ክብል ንቢቢሲ ይዛረብ::

"ኣብ ኢትዮጵያዊያን ዘሎ ኣተሓሳስባ ( 'ሜንታሊቲ') መገዛ ናይ ባዕልኻ ንብረት ናይ ዘይምጥቃም ንስሓ እዩ:: ክሳዕ ሎሚ ክበሃሉ ዝፀንሑ ግጥምታትን ደርፍታትን እንተሪእኻ እዚ እዮም ዘረጋግፁልካ" ክብል ይውስኽ::

ህንፀት ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ካብ ዝጅመር ንደሓር ግን: እዚ ኩሉ ናይ ንስሓን ጣዕሳን ርድኢት ከምዝተቐየረ እቲ ተመራማሪ ይዛረብ::

ቅድም ክብል ኢትዮጵያ ከም በዓልቲ (ዋና) ዘይኮነስ ከም መዕቖሪት ማይ (ሮቶ) ተገይራ ጥራሕ ትረአ ከምዝነበረት ብምዝካር::

"ፍልፍል ማይ ቀንዲ ኣፍሪቃ እናተባህለት እያ ትፅዋዕ ነይራ:: እዚ ግድብ ግን እዚ ኣረኣእያ'ዚ ቀይሩዎ እዩ"::

ብዙሓት ኣብ መንጎ ተፋሰስ ታሕተዎትን ላዕለዎትን ዘሎ ርክብ ብኣንፃር ዓቕሚ ቁጠባን ወተሃደራዊ ቁመናን እዮም ዝምልከቱዎ::

ናይ ምስሊ መግለጺ ዝተፈላለዩ ወሓዝቲ ሩባታት ናብ ሩባ ኣባይ ስለዝሕወሱ ጽሬቱ እናነከየ መጺኡ

"ኣነ ግን ነቲ ጉዳይ ብዝተፈለየ መገዲ'የ ዝሪኦ" ዝብል ኣይተ ወንድወሰን: ብዓብዩ እቲ ውሽጣዊ ርድኢት ናይ ፖለቲካዊ ስነ ኣእምሮ: ወይ ከኣ ንሱ 'ሃይድሮሜንታሊቲ' እናበለ ዝፅወዖ ኣብ ልዕሊ ኣጠቓቕማን ምሕደራን ዶብ-ሰገር ወሓዝቲ ሩባታት ዘሕድሮ ፅልዋ እናፅነዐ ይርከብ::

ንኣብነት ኣብ መንጎ ክልቲኦም ሃገራት ዘሎ ርክብ ተቓራኒ እዩ:: ኢትዮጵያ ከም ላዕለወይቲ ተፋሰስ ሩባ ኣባይ: ብሓፈሻ 85 ምኢታዊ ማይ ተበርክት: እትርበሖ ግን የለን:: ግብፂ ድማ እተበርክቶ መጠን ማይ ዳርጋ ባዶ ኮይኑ እናሃለወ: ምሉእ ንሙሉእ ተረባሒት እቲ ሩባ እያ::

ስለዚ እዚ ርክብ "ላዕለዎትን ታሕተዎትን ተፋሰስ ሃገራት" ንዘመናት ሕጋዊን ትካላዊን እናኾነ ከምዝመፀ ይዛረብ::

እዚ ሱር ዝሰደደ ኣተሓሳስባ: ፀረ ዝኾነ ይኹን ልዝብን ዲፕሎማስያዊ ርክብን ኮይኑ ድማ ይርከብ ይብል::

ምኽትል ዳይሬክተር ቤት ጽሕፈት ቴክኒክ ምብራቕ ናይል ኣይተ ፈቅ ኣሕመድ : ጉዳይ ኣባይ ሃይማኖታዊ፥ ፖለቲካዊ ከምኡ'ውን ስነ ልቦናዊ ዘካተተ ብምዃኑ ብቐሊሉ ናይ ኣረኣእያ ለውጢ ክመጽእ'ዩ ተባሂሉ ኣይሕሰብን ይብሉ ንቢቢሲ::

"መሰል"ነበረያ ነበረ

ብ1959 ዓ/ፈ ግብጽን ሱዳንን ዝገበረኦ ስምምዕ ኣብዝሓ ሃገራት ተፋሰስ ዘግለለ'ዩ ተባሂሉ ዝውሰድ ነይሩ። እቲ ስምምዕነት "ሙሉእ መጠን ማይ ኣብ ረብሓ ምውዓል" ዝብል ኾይኑ ሩባ ናይል ንረብሓ ግብጽን ሱዳንን ጥራሕ ክውዕል ይድንግግ።

ኣብ ቀረባ ፕሬዝደንት ግብጺ ዓብደል ፈታሕ ኣልሲሲ ነዚ ስምምዕ ጸሪሖም "ብጽሒት ማይ ግብጺ ኣይንካእን" ምባሎም ስዒቡ ኣይተ ወንድወሰን፡ "ኣየናይ ብጽሒት" ክብል ይሓትት። "እዚ ብጽሒት ኢትዮጵያ ትፈልጦ ስምምዕነት ኣይኮነን" ብምባል።

ኣብቲ ሽዑ ግዘ ቑጽሪ ሃገራት ተፋሰስ 9 ነይሩ። ሐዚ 11 ኣባል ሃገራት ተፋሰስ ኣለዋ።

"9 ሃገራት ኣብ ዝነበራሉ ክልተ ሃገራት እንትውስና፡ 'ሜንታሊቲ' ታሕተዋይ ተፋሰስ ማለት እዚ'ዩ። ኻልኦት ኣግሊልካ ዓርስኻ ናይ ምጥቃም'' ክብል ይትንትን።

ይኹን'ምበር ኣብ 2015 ዓ/ፈ ሽዱሽተ ሃገራት ዝፈረማሉ ማዕቀፍ ሕጊ ኣጠቓቕማ ማይ ኣባይ ብዝብል ከምዝተተክአ ይፍለጥ። እዚ ሓዱሽ ማዕቀፍ ነቲ ኣረጊት ስምምዕነት ኣፍልጦ ኣይህብን።

ሰለስቲአን ሃገራት እቲ ግድብ ኸባብያዊ ጽዕንቶ ዝምልከት ብሓባር ከካይድኦ ዝጸንሓ ልዝብ ከምዝተኣጓጎለ ይዝረብ። ሐዚ እቲ ዓብዪ ሕቶ እቲ ግድብ ከመይ'ዩ ዝመልእ ዝብል'ዩ።

Image copyright MOFA
ናይ ምስሊ መግለጺ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ህንጸቱ ካብ ዝጅመር 6ይ ዓመት ሓሊፉዎ

ምኽትል ዳይሬክተር ኣይተ ፈቅ ኣሕመድ: "ኣብ ሞንጎ እተን ሃገራት ዝለዓለ ምትሕብባር ኣብ ዝግበረሉ ኣብዚ እዋን ከምዚ ዓይነት መግለጽታትን ጎስጓሳት ሚዲያን ምክያድ ንዝኾነ ኣካል ኣይጠቅምን" ብምባል እቲ ምንቅስቃስ ካብ ረብሕኡ ጉድኣቱ ከምዘመዝን ተዛሪቦም።

ክሳብ ሐዚ ስምምዕነት ዝተገበረሎም ጉዳያት "ፍትሓውን ምኽንያታውን ኣጠቓቕማ ማይ"ን "ኣብ ታሕተዎት ሃገራት ዓብይ ጉድኣት ዘይምብጻሕን" ዝብሉ መትከላት ከምዝኾኑ ይዛረቡ፤ "ታሪኻዊ መሰል" ዝብል ነበረያ ነበረ ዳግም ዝለዓለሉ ጉዳይ ከምዘየሎ ብምግላጽ።

"እቲ ማይ ብስምምዕ እንተድኣ ተጠቒምናሉ እኹል'ዩ። ምስ ሃገራዊ ደሕንነት ምዝማድ ግና ንልዝብ'ውን ኣይጥዕምን: ዓጋቲ እዩ" ይብሉ።

"ዝጠምበወ ኣረኣእያ"

ጉዳይ ኣባይ ኣካል ቅልውላው ማእኸላይ ምብራቕ ተገይሩ ይርአ ነይሩ።

ሐዚ ድማ " ገልፈናይዜሽን ኦፍ ዘናይል" ኣሎ ይብል ኣይተ ወንድወሰን፡ ሐዚ ዘጋጠመ ዘይምርድዳእ ነጸብራቕ ኣብ ኸባቢ ሽንጥሮ ገልፍ ዘሎ ቅልውላው ከምዝኾነ ይዛረቡ። ቐዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጽያ ናብ ቐጠር ምኻዶም ብግብጻውያን ኻልእ ትርጓመ ዝተውሃቦ ምዃኑ'ውን ይዛረብ።

"ኻልእ ኣብ ታሕተዋይ ተፋሰስ ዘሎ ጸገም ኣረኣእያ፤ ኢትዮጵያ እኹል ግዘ ዝናብ ከምዘለዋ ገይሮም'ዮም ዝስእሉዋ። ኣብ ኢትዮጵያ ድርቂ ከምዘሎ ኣይፈልጡን፤ ዝናብን ድርቅን ዝበረዩላ ሃገር ። ድርቂ ድማ ኻልእ ትርጉም የብሉን፤ ብሰንኪ ሕጽረት ማይ ዝመፅእ ሳዕቤን'ዩ"::

ዛዕባ ናይል ጉዳይ ፖለቲከኛታትን መራሕትን ምዃኑ እቲ ጸገም ዝተሓላለኸ ይገብሮ ይብል ኣይተ ወንድወሰን። "ጸገም ኣባይ ዘጉልሖ ኣረኣእያ ፖለቲከኛታት'ዩ። ህዝቢ ካብኡ ንላዕሊ ዝሰማማዕ ይመስለኒ" ኢሉ።

ብ500 ዓመተ ዓለም "ግብጺ ጸጋ ኣባይ" እያ ዝብል ሄሮድስ ዝተዛረቦ ክሳብ ሐዚ ይውቀጥ። "እዚ ዘይልወጥ ተሸኺሉ ዝተረፈ ኣረኣእያ ምህላው'ዩ ዘርኢ፡ ሄሮድስ እዚ እንትዛረብ ብዛዕባ ምንጪ ኣባይ ዝፈልጦ ነገር ኣይነበረን" በሃሊ'ዩ ወንድወሰን።

"ማይ ኩሉ ግዜ ይንቀሳቐስ፥ይወርድ። ኣእምሮና ግና ጠጠው ከምዝበለ'ዩ። ንዝንቀሳቀስ ሩባ ዝጠምበወ ኣረኣእያ'ዩ ዘለና። እዚ ክንግንዘቦ ዘለና ይመስለኒ።" ብምባል ሓሳቡ ይዛዝም::

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ