ጎቦ ኣጉንግ፡ ስግኣታት እሳተ ጎመራ ባሊ ከይውስኽ ተሰጊኡ

ብናን እሳተ ጎመራ ባሊ Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ካብቲ እሳተ ጎመራ ዘረተፈጠረ ብናን ጠንቂ ጥዕና ከይኸውን ይስጋእ

ኣብ እምባ ባሊ ናይ ኢንዶነዥያ ዓቢ ነትጒ እሳተ ጎመራ ክህሉ ስለዝኽእል እቲ ክካየድ ዝጸንሐ ህይወት ናይ ምድሓን ስራሓት ደው ከምዝብል ተገይሩ'ሎ። ሰበ-ስልጣን ኢንዶነዥያ ድማ እቲ ናይ ህጹጽ እዋን መጠንቀቕታ ናብቲ ዝለዓለ ጠርዚ ኣደይቦሞ ኣለዉ።

ምዕጻው ናይቲ ኣብታ መስሕብ በጻሕቲ ሃገር (ቱሪስት) ዝኾነት ደሴት ዝረከብ መዕርፎ ነፈርቲ ድማ ንብዙሓት በጻሕቲ ሃገር (ቱሪስት) ሰንፈላል ገይሩዎም ኣሎ።

ጸሊም ትኪ 3,400 ሜትሮ ልዕሊ'ቲ ጫፍ ናይቲ እምባ ሓሊፉ ክተክኽ ይርአ። ነትጒታት ክሳብ 12 ኪሎሜተር ርሕቀት ኣብ ዘለዉ ቦታታት ይስምዑ ከምዘለዉ ድማ ሃገራዊ ቦርድ ድሕነት ሓደጋታት እታ ሃገር ሓቢሩ።

ቀንዲ መዘናግዒ ቦታታት ናይ ባሊ ኣብ ኣስታት 70 ኪሎሜተር ካብቲ እሳተ ጎመራ ርሒቐን ይርከባ። እቲ ናይ ሓደጋ መጠንቀቕታ ብምኽንያት "ከጋጥም ዝኽእል መዓት" እዩ ብሰንበት'ዩ ክብ ከምዝብል ተገይሩ።

እቲ እሳተ ጎመራ ብ"ነትጉታት" ዝተሰነየ "ቀጻሊ ሓሙኽሽቲ ይተፍእ" ከምዝነበረ እቲ ናይ ሓደጋ ቦርድ ብሰኑይ ሓቢሩ። "ብልጭታታት ብብዝሒ ብለይቲ ይረኣዩ'ለዉ፡ እዚ ድማ ካልእ ዝዓበየ ነትጒ ኣብ ቀረባ እዋን ዘይተርፍ ምዃኑ የመልክት" ኢሉ ኢቲ ቦርድ ኣብ ፈይስ ቡክ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ።

ሰበ-ስልጣን ድማ ንነበርቲ መሸፈኒ ኣፍንጫ (ማስክ) የዕድሉ ኣለዉ፡ ኣብ ውሽጢ 10 ኪሎሜተር ናይቲ እሳተ ጎመራ ንዘለዉ ነበርቲ ድማ የውጽእዎም ኣለዉ።ዋሃብ ቃል ናይቲ ቦርድ ሱቶፖ ፑርዎ ኑግሮሆ ብሰንኪ ከቢድ ዝናብ ዓቐን ዝሑል ላቫ ክውስኽ ስለዝኽእል ነበርቲ ካብ ሩባታት ክርሕቁ ምዒዱ።

Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ እሳተ ጎመራ ጎቦ ኣጉንግ - ኖቨምበር 26, 2017

እቲ እሳተ-ጎመራ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን'ዩ ንፈለማ ትኪ ክጎስዕ ጀሚሩ። እዚ'ኸኣ ድሕሪ ሓምሳ ዓመት ንፈለማ ጊዜ ማለት'ዩ። እንተኾነ ግን ወትሩ የጉረምርም ወይ ጎራዕራዕ ይብል ነይሩ።

ኣቐድም ኣቢሉ ኣብቲ ከባቢ ማግማ ወይ ከኣ ዝመኸኸ ከውሒ ተራእዩ ከምዝነበረ ሰበ-ስልጣንን ፈላጣት እሳተ-ጎመራን ብቐዳም ሓቢሮም።

ነቶም ነትጒታት ምትንባይ ኣሸጋሪ'ዩ" እቲ ኩነታት ናበይ ገጹ ከምዘምርሕ ምሕባር ድማ "ኣዝዩ ኣጸጋሚ'ዩ" ክብል ተመራማሪ ስነ-ምድሪ (ጂኦሎጂስት) ማርክ ቲንጋይ ናይ ዩኒቨርሲቲ ኣደላይድ ንቢቢሲ ሓቢሩ። "እቶም ነትጒታት ዓበይቲ፣ ሰፋሕትን ጎነጻውያንን ክኾኑ ይኽእሉ'ዮም"፡ እንተኾነ ድሕሪ ቁሩብ ጊዜ ድማ ብተዛማዲ ንኣሽቱ ክኾኑ ይኽእሉ'ዮም" ኢሉ ንሱ።

ንጉራህ ራኢ መዕርፎ ነፈርቲ ናይ ባሊ ክሳብ ሰሉስ ንግሆ ክዕጾ ይኽእል'ዩ፡ ኩሎም በረራታት ድማ ተሰሪዞም ኣለዉ ይብሉ ሰበ-ስልጣን። መዕርፎ ነፈርቲ ጎረቤት ናይ ዝኾነት ደሴት ሎምቦክ ድማ ንሓጺር እዋን ተዓጽዩ ድሕሪ ምጽናሕ ብሰኑይ ተኸፊቱ። ሓሙኽሽቲ እሳተ-ጎመራ ኣብታ ደሴት ክዘንብ ከምዝቐነየ ድማ ሓቢሮም።

Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ክስዕብ ንዝክእል ሓደጋ ብምስጋእ ብዙሓት መረበቶም እናለቐቑ'ዮም

ኣብ ዝሓለፋ ሒደት ኣዋርሕ ልዕሊ 140,000 ህዝቢ ካብ መንበሪ ቦታኦም ድሕሪ ምህዳሞም፡ ኣስታት 25,000 ህዝቢ ኣብ ጊዜያዊ መጽለሊታት ተዓቒቦም ኣለዉ።

ልሰበ-ስልጣን'ታ ሃገር ልዑል ምንቅስቓስ እሳተ-ጎመራ ምስ ተዓዘቡ'ዮም ኣብ ዝሓለፈ መስከረም'ዮም መጠንቀቕታ ሂቦም። ብድሕሪዚ'ኸኣ ልዑል ሰባት ናይ ምግዓዝ ስራሕ ተጀሚሩ። ገለ ነበርቲ ናይታ ደሴት ግን እቲ ኩነታት ምስ ሃደአ ኣብ ጥቅምቲ ናብ ቦትኦም ተመሊሶም ነይሮም።

ብመሰረት ወግዓዊ ሓበሬታ እታ ደሴት ብምኽንያት'ቲ እሳተ-ጎመራ ካብ ቱሪዝም ክትረኽቦ ዝግበኣ ዝነበረ ብውሑዱ 110 ሚሊዮን ዶላር ስኢና'ላ።

ኢንዶነዥያ ኣብቲ ቀጻሊ ነትጒን ምንቅስቓስ ኣሳተ-ጎመራን ዝረእየሉ "ዓንኬል ሓዊ (ሪንግ ኦፍ ፋየር)" ተባሂሉ ዝፍለጥ ቦታ ትርከብ፡ ኣብታ ሃገር 130 ንቑሓት ወይ ዘይደቀሱ እሳተ-ጎመራ ኣለዉ። መወዳእታ እምባ ኣጉንግ ዝነቶገሉ ብ1963 ክኸውን እንከሎ ልዕሊ ድማ 1,000 ሰማብ ሞይቶም።