ኣብ ማዓስከር ካለይ (ፈረንሳ) ብዝተወለዐ ህውከት ሓሙሽተ ስደተኛታት ብጥይት ቆሲሎም

ኣብ ካለይ ኣብ ጸርግያ ዝደቀሱ ስደተኛታት Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ መዓስከር ካለይ ድሕሪ ምፍራሱ ኣስታት 700 ዝኾኑ ስደተኛታት ተመሊሶማ ኣለዉ

ኣበዚ ዝሓለፈ ቀዳም 25 ሕዳር፡ ኣብቲ ስደተኛታት ቅድሚ ዓዲን እንግሊዝ ምስጋሮም ዝእከብሉ ኣብ ፈረንሳ ዝርከብ ግዝያዊ መዓስከር ካለይ ብዝተወለዐ ኣምባጓሮ 5 ካብኣቶም በጥይት ከም ዝቖሰሉ ሰብ መዚ እቲ ከባቢ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።

ቀዳም፡ ናይ ምሸት ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ኣፍጋኒስታውያን ስደተኛታት ኣብቲ ቦታ ተዅሲ ከም ዝተለዋወጡ እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ምንጭታት ፓሊስ እቲ ከባቢ ከም ዝበልዎ፡ እቲ ግጭት ብሰንኪ ኣብ መንጎ እቶም ኣሰጋገርቲ ዝተወለዐ ዘይምርድዳእ ከይኮን ኣይተርፍን።

እቲ ምልውዋጥ ተዅሲ ኣብ ጥቓ ቤት ጽሕፈት ሓደ ሰክዋርስ ካቶሊክ ዝተባህለ ናይ ግብረ-ሰናይ ማሕበር ከም ዝተገብረ'ውን ክፈለጥ ተኻኢሉ'ሎ።

በቲ ዝተተኮሰሎም ጥይት ዝቖሰሉ 3 ስደተኛታት ኣብ ሆስፒታል ካለይ ክእለዩ ከለዉ፡ እቲ ራባዓይ ግን ኣዝዩ ስለ ዝተሃስየ ናብቲ ኣብ ከተማ ሊል ዝርከብ ሆስፒታል ከም ዝተመሓላለፈ ተረጋጊጹ።

Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ንዓዲ እንግሊዝ ክሰግሩ ዝደልዩ ስደተኛታትን ናይቲ ዞባ ፓሊስን ንነዊሕ ዓመታት ክቆራቖሱ ጸኒሖም'ዮም

እቲ ቅልል ዝበለ መቖሰልቲ ዝወረዶ ሓሙሻይ ድማ ኣበቲ ቦታ ክንክን ከም ዝተገብረሉ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ የረድእ።

ካለይ፡ ነቶም ንዓዲ እንግሊዝ ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ክኣትዉ ዝፍትኑ ስደተኛታት ከም ማግኔት ኮይና እተገልግል፡ ኣብ ገምገም ኢንግሊሽ ቻነል እትርከብ ቦታ'ያ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ሰብ መዚ ፈረንሳ፡ ነቲ ብ"ጫካ"ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ ካለይ ዘሎ ግዝያዊ መዓስከር ስደተኛታት፡ ነቶም ስደተኛታት ብምግዓዝ ኣፍሪሶሞ ነይሮም።

Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ መወዳእታ 2016 እቲ ብ'ጫካ" ዝፍለጥ ዝነበረ መዓስከር ስደተኛታት ካለይ ብመንግስቲ ፈረንሳ ከም ዝፈርስ ተጌሩ ነይሩ

እንተኾነ ግን፡ እቶም ኣብ ባቡራት፡ ጀልባታትን፡ ዓበይቲ መካይን ተሰቒሎም ንዓዲ እንግሊዝ ክሰግሩ ተስፋ ዝገብሩ ስደተኛታት፡ ብብቑሩብ ነቲ ቦታ ይምለስዎ ኣለዉ።

ኣብዚ እዋን'ዚ ብግምት ሰብ መዚ ኣስታት 500፡ ብገምጋም ናይ ግብረ-ሰናይ ማሕበራት ድማ ኣስታት 700 ስደተኛታት ኣብቲ ቦታ ተዓቑቦም ይርከቡ።

እቲ መዓስከር ቅድሚ ምፍራሱ ኣብ ዝነበረ እዋን እውን እንተኾነ ብሰንኪ ውድድር ናይ መገዲ ዕድላት ይኹን፡ ናይ መነባብሮ ጸገማት ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ባእሲ የጋጥም ነይሩ እዩ።