ክልተ ህጻናት ቻይና ኣብ ትሕቲ መኪና ተሓቢኦም 80 ኪሎ ሜትሮ መገዲ ተጓዒዞም

ክልተ ህፃናት ቻይና ኣብ ትሕቲ መኪና ተሓቢኦም Image copyright Southern Morning Post
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብቲ ከባቢ ዝሕተሙ ጋዜጣታት ዘውፅእዎ ምስሊ እቶም ኣብ ትሕቲ መኪና ዝተጉዓዙ ህፃናት

ስእሊ እዞም ኣብ ትሕቲ መኪና፡ 80 ኪሎ ሜትሮ መገዲ ዝተጉዓዙ ክልተ ቻይናውያን ህፃናት ዝተረኸበ፡ ኣብ ኣብ ቀጥታዊ ኣገልግሎት ኢንተርነት ብዛዕባ ይጠፍኡ ዘለው ህጻናት እታ ሃገር ምውዕውዑ ስዒቡ'ዩ።

እዞም ክልተ ሽሞም ዘይተገለጸ ህጸናት፡ ኣብ ደቡባዊ ጉዋንግዢ ካብ ትርከብ ድኻ ገጠር ዝመጹ ኮይኖም፡ ኣብ ጎረቤት ዞባ ጉዋንዶግ ንዝሰርሑ ስድርኦም ንምእላሽ ከምዝወፁ ይግለፅ።

ምጥፍኦም ብመምህሮም ኣቢሉ 23 ኖቨምበር ዝተነገረ እዞም ህጻናት፡ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ፡ ኣብ ጣብያ ኣውቶብስ ኣብ ትሕቲ መኪና ክርከቡ ኽኢሎም'ዮም።

ስእሊ እዞም ህጻናት፡ ኣብታ መኪና ዝነበረ ዶሮና ከራግፉ፡ ጭቃ ጥራሕ ተለኽዮም የርእይ።

"ስድራ ንምእላሽ"

ሓበሬታ ሳውዘርን ሞርኒንግ ፖስት ከምዘመላኽቶ፡ እዞም ኣብ ክሊ ዕድመ ሸሞንተን ትሸዓተን ዝርከቡ ህጻናት፡ ብሓይልታት ጸጥታ ኣብ ትሕቲ መኪና ተረኺቦም'ዮም።

ዝኾነ ዓይነት ሓደጋ ከይበጽሖም እዮም ተረኺቦም።

እዚ ኣጋጣሚ፡ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝጥቀሙ ቻይናውያን ኣስግኢኡ'ዩ። ብዙሓት ተጠቀምቲ ድማ "ልቢ ዝሰብር" እናበሉ ገሊጸሞ።

Image copyright SINA WEIBO
ናይ ምስሊ መግለጺ ምስሊ ክልተ ህፃናት ቻይና ኣብ ትሕቲ መኪና ኣብ ማሕበራዊ ገፃት ኣዘራራቢ ኮይኑ'ሎ።

ሓደ ወሃቢ ርእይቶ፡ "ኣብ ቻይና ብዙሓት ኣብ ዕሸል ዕድሚኦም፡ ካብ ስድርኦም ተፈልዮም ዝነብሩ ኣለው። ናይዚኦም ጸገም መን'ዩ ክፈትሓሎም?" ክብል ጽሒፉ። ካልኦት'ውን "ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ዘሕዝን ታሪክ" ክብሉ ገሊጾምዎ።

ዝመረረ ሕልሚ ቻይና

እዚ ፍጻመ፡ ብዙሓት ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ "ሕልሚ ቻይና" ክቕይዑ ገይሩዎም። ፕረዝደንት እታ ሃገር ዢ ጂንፒንግ ኣብ 2013 ኣብ 2020 ድኽነት ካብ ቻይና ጠቕሊልኻ ምጥፋእ ኢሎም'ዮም።

ይኹን'ምበር ኢሉ ሓደ ተጠቃሚ "ትንሳኤ ቻይና ጉልበታዊ ስራሕ ንዝሰርሑ ህጻናት ኣብ ማሕበራዊ ገፃት ጠቂዕኻ 200 ተፈታውነት (ላይክ) ምርካብ ኾይኑ" ኢሉ።

ካልእ ድማ ሕልሚ ቻይና ነቶም ክልተ ህፃናት "ዝመረረ ሕልሚ" ኮይንዎም ክብል ፅሒፉ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት