ዘይተዛዘመ ጉዳይ ኦሮሚያን ሶማሌን

ቢዱ ዳደቻ

ኣብ ሆስፒታል ያበሎ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ እናሃበ ዝረኸብናዮ ተምሃሪ ፈዲዳ ጋዮ "ስድራና ሓረስቶት'ዮም። ብሓደ ሸነኽ በቲ ዘጋጠመ ድርቂ፤ በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ብጎንጺ ይጉድኡ'ዮም ዘለው" ይብል።

ኣብ ሞንጎ ክልላት ኦሮሚያን ሶማሌ ኢትዮጵያን ዘጓነፈ ጎንጺ ሕዚ ኣንፈቱ እናቐየረ ይመጽእ ኣሎ። ኣብዚ እዋን ኣብ ዞባታት ኦሮሚያ ጉጂን ባሌን ሓዱሽ ጎንጺ ተኸሲቱ ኣሎ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ኣብ ወረዳ ኦረሮ ጣብያታት ኦሮቶን ኣቡቲን ብዘጋጠመ ጎንጺ፡ 13 ሰባት ሞይቶም፡ ካልኦት 23 ሰባት ድማ ከምዝቖሰሉ ሓላፊ ጉዳያት ርክባት (ኮሚዩኒኬሽን) መንግስቲ ኦሮሚያ ኣይተ ኣዲሱ ኣረጋ ተዛሪቦም።

ሞያሌ ግዳይ እዚ ጊንጺ'ያ፣ ኣብቲ ወረዳ ካብ መጀመርያ ዓመት 2010 ጀሚሩ ዘጋጠመ ጎንጺ ክሳብ ሕዚ ኾይኑ ይቕጽል ብምህላዉ ካብ ትሽዓተ ኖቑጣታት ልዕሊ 54ሽሕ ሰባት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም'ዮም።

ወይዘሮ ሩፋ ዲዶ፡ ብምኽንያት እቲ ጎንጺ፡ ንሰላሳ ዓመታት ካብ ዝነበራሉ ኸባቢ ዝተመዛበላ እንትኾን፤ "ሰላም የብልናን፡ ሕዚ ድማ ጸሓይን ድርቅን ናብራና ኣብ ሓደጋ ኣውዲቑዎ ኣሎ" ይብላ።

ዓሚ ብደርቂ 50 ሽሕ ዝኾኑ ሰባት ንህጹጽ ሓገዝ መግቢ ተቓሊዖም።

ቐዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ሓይልታት ፖሊስ ካብ ካባቢ ዶባት ክርሕቁን፡ ጎንጺ ዝርኣየሎም ከባቢታት ኣብ ትሕቲ ምክልኻል ሃገርን ፖሊስ ፌደራልን ክጸንሑን፡ ሰላም እዞም ኸባብታት ክሕሎን ኣተሓሳሲቦም። ይኹን'ምበር ኣብ መብዛሕትኦም ኣዋሰንቲ ወረዳታት ጎንጺ ክረእ ጸኒሑ ኣሎ።

ሓላፊ ሆስፒታል ያየ-በሎ ኣይተ ሞሉ ዲማ፡ ቁጽሪ እቶም ብዘጋጥሞ ዘሎ ጎንጺ ቖሲሎም ዝመጹ ሰባት ይውስኽ ኣሎ ይብሉ።

ኣመሓዳሪ ወረዳ ሞያሌ፡ ኣይተ ሓሰን ማቢቻ፡ ኣብቲ ወረዳ ብዘጋጠመ ጎንጺ መሰረታዊ ጠለባት ክማላእ ከምዘይተኻእለ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ብምኽንያት እቲ ጎንጺ፡ ኣብ ክልቲኤን ክልላት ሃለኽቲ ኣቚሑ ከምዝኸበረ ሚኒስትር ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ርክባት መንግስቲ፡ ዶክተር ነገሪ ሌንጮ ትማሊ ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም'ዮም።

ብተወሳኺ ዶክተር ነገሬ ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብቲ ኸባቢ ብዝደገሰ ግጭት 27 ሰባት ምማቶምን ብዙሓት ምቑሳሎምን ሓበሬታ ከምዘለዎም ገሊጾም። ፈደራላዊ መንግስቲ ነቲ ሽግር ዘላቒ ፍታሕ ንምሃብ ጻዕሪ የካይድ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ብዝምልክተ ንሰበስልጣን ክልል ሶማል ንምምዝርራብ ዝገበርናዮ ጻዕሪ ኣይተዓወተን ይኹን እምበር ንዝምልከቶም ሰባት ንምዝርራብ እንገብሮ ጻዕሪ ክቕጽል እዩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ