ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት እስራኤል፡ ሩዋንዳ፡ ካብ እስራኤል ስደተኛታት ከይትቕበል ኣታሓሳሲበን

ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ እስራኤል Image copyright GALI TIBBON
ናይ ምስሊ መግለጺ ሓደ ካብቲ ቅድሚ ሐዚ ኣብ እስራኤል ዝተኻየዱ ውዕዉዕ ሰላማዊ ሰልፍታት

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራእል ቤንጃሚን ነታንያሁን ፕረዚደንት ሩዋንዳ ፖል ካጋሜን፡ ብዛዕባ ምስግጋር ኣሻሓት ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ካብ እስራኤል ናብ ሩዋንዳ ብዝምልከት ዝጸንሐ ዝርርብ ንምውዳእ ጽባሕ ክራኸቡ እዮም።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራእል ቤንጃሚን ነታንያሁ ኣብ እስራኤል ንህዝቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዕላምኡ ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ምስጓግ ምዃኑ እዩ ሓቢሩ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩዋንዳ ሉዊስ ሙሺኪዋቦ ንኒው ታይምስ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ግን፡ ሃገራ ብገዛእ ፍቓዶም ናብ ሩዋንዳ ክመጽኡ ንዝደልዩ ጥራሕ ከምእትቕበል ገሊጻ። እዚ ክልተ ዝተፈላለየ ኣበሃህላ ኣብ እስራኤል ህዝባዊ ማዕበል ኣስዒቡ ኣሎ። እተን ቀንድን ዓበይትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት እስራኤል ካብ ፕረዚደንት ሩዋንዳ ፖል ካጋሜ መብርሂ ሓቲተን ኣለዋ።

" ዝኸበርካ ፖል ካጋሜ ፕረዝደንት ሪፓበሊክ ሩዋንዳ፡ ናባኻን ናብ ህዝቢ ርዋንዳን ህጹጽ ለበዋን ሕቶን ነቕርብ ኣሎና።

እስራኤልን ርዋንዳን ጽቡቅ ምሕዝነት'ኳ እንተለወን፡ ርክበን ግና ንኣፍሪቃዊ ህይወት ምሻጥ ዘካተተ ኣይኮነን። " ብምባል እቲ ደብዳበ ይቕፅል።

"ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ፡ ንህዝቢ እስራኤል፡ ሩዋንዳ ኣፍሪካውያን ስደተኛታት ካብ እስራኤል ንኽትቅበል ተሰማሚዓ እዩ ዝብሎ ዘሎ። ነታኒያሁ፡ እቶም ስደተኛታት ተገዲዶም ኽወጽኡ እዮም፡ እንተደኣ ናብ ሩዋንዳ ክኸዱ እንተዘይተሰማሚዖም ንሓዋሩ ክእሰሩ እዮም እዩ ኢሉ።

ንሕና፡ ኣባኻን ኣብ ህዝቢ ርዋንዳን ነዚ ናጽነት ዝግሃስ ውዕል ከምዘይትኣትዉ እምነት ኣሎና። ኣፍሪካውያን በዚ መልክዕ'ዚ ክሽየጡ ከምዘይትሰማማዕ ንኣምንን ንተስፎን። ንቀዳማይ ሚኒስተር ነታንያሁ ርዋንዳ፡ ብዘይ ፍቓዶም ካብ እስራኤል ንዝስጎጉ ስደተኛታት ከምዘይትቕበል ሓብሮ።

ንቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ፡ንዘለካ ሰናይ ምሕዝነት ተጠቒምካ እስራኤል ናይ ስደተኛታት ሃገር ምዃናን ነቶም ካብ ኤርትራን ሱዳንን ሃዲሞም ዝመጽኡ ዜጋታት ብኽፉት ልቢ ተቐቢላ ከተዕቁቦም ከምዝግባእን ንገሮ"።

•ትካል ሓገዝ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቑባን ኣብ እስራኤል፡ (ኤ.ኤስ.ኤስ.ኤፍ)

•ሓካይም ንሰብኣዊ መሰል፡ እስራኤል

•መስመር መረዳእታን ሓበሬታን ስደተኛታት

•አምነስቲ ኢንተርናሽናል እስራኤል

•ማሕበር መሰል ዜጋታት እስራኤል

•ካቭ ላኦ ኦቭ - መስመር ሰራሕተኛታት

•ኤ.ች.ኣይ.ኤስ፡ እስራኤል

ክብላ ሓባራዊ ደብዳበ ጽሒፈን መልሲ ይጽበያ ኣለዋ።