ካብ ሞንጎ ብብልሽውና ተጠርጢሮም ዝተቐየዱ ሓደ ልኡል ሚጠብ ቢን ኣብዱላህ ተፈቲሖም

ልኡል ሚጠብ ቢን ኣብዱላህ፡ ወዶም ንንጉስ ስዑዲ ኣብዱላህ ቢን ኣብዱል ዓዚዝ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ልኡል ሚጠብ ቢን ኣብዱላህ፡ ልዑል ፖለቲካዊ ፅልዋ ዘሕድሩ ኣባል ንጉሳዊ ስድራ እዮም

ልኡል ስዑዲ ዓረቢያ፡ ሚጠብ ቢን ዓብዱላህ፡ ብገበን ግዕዝይና ተኸሲሶም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ካብ ዝውዕሉ፡ ልዕሊ ሰለስተ ሳምንታት ኣብ ማእሰርቲ ጸኒሖም ከምዝተፈትሐሑ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ሓቢሮም።

እቲ ልኡል ሓደ ካብ ሞንጎ እቶም ብ4 ሕዳር ብገበን ግዕዝይና ዝተኸሰሱ ልዕሊ 200 ፖለቲከኛታትን ሰብ ሃፍትን'ዮም።

ሰለስተ ካልኦት ሰባት'ውን ምስ መንግስቲ እታ ምርድዳእ ከምዝገበሩ ይግለፅ።

"ሎሚ ንጉሆ ንጉስ ሚተብ ተፈቲሖም" ክብል ድማ ንመንግስቲ ቀረባ ዝኾነን ስሙ ዘይተሓበረን ኣካል፡ ንወኪል ዜና ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ተዛሪቡ።

ልኡል ሚጠብ፡ ብገበን ግዕዝይና ቅድሚ ምክሳሶም፡ ኣብታ ሃገር ዓብዪ ፖለቲካዊ ጽልዋ ነይሩዎም።

ቅድሚ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምውዓሎም ድማ ካብ ዝነብሩሉ ስልጣን ተኣልዮም።

ኣብ መእተዊ እዚ ወርሒ፡ ብርክት ዝበሉ ሚኒስትራት፣ ሰብ ሃፍትን ንጉሳትን ብግዕዝይና ተጠርጢሮም ኣብ ሓደ ዓብዪ ሆቴል ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝወዓሉ ይዝከር።

ዝወነንዎም ናይ ዉልቀ ነፈርትን ሃፍቶምን'ዉን ተወሪሱ።

ኣብታ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዋ ሃፋትም መፍረይቲ ነዳዲ ሓንቲ ዝኾነት ሃገር፡ ሙስና ብኸም ብላዕ ብምሃብን ዝመሳሰሉን ተግባራት ተዓጂቡ ብስፍሓት እናተፈፀመ ይርከብ።

ብወላዲኦም ንጉስ ሳልማን ዝድገፉ ልኡል ሚጠብ፡ እታ ሃገር ለዉጢ ከምዘድልያ ብምእማን፡ ኣብ ዓረብ ኣብ ዘለዉ ሃፋትም ትኩረት ገይሩ ምስራሕ ጀሚሩ'ዩ።

ብርክት ዝበሉ ድኻ ዜጋታት እታ ሃገር፡ ነቲ ብልሽዋት ናይ ምፅራይ ምንቅስቃስ ዝተቐበሉ እንትኾኑ፡ ሃፍቲ ስዑዲ ዓረብ ናብ መላእ ሃገር ክባጻሕ'ዩ ዝብል ተስፋ ሰኒቖም ኣለዉ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ