ሰሜን ኮርያ 'ካብ ካልእ እዋን ዝለዓለ' ባላስቲክ ሚሳይል ተኲሳ

ሚኒስተር ምክልኻል ኣሜሪካ ጀምስ ማቲ Image copyright US Pool

ብመሰረት ሓበሬታ ሰራዊት ደቡብ ኮሪያ፡ እቲ ብሮቡዕ ንግሆ ዝተተኮሰ ሚሳይል 4,500 ኪሎሜተር ብራኸ ነይርዎ። 960 ኪሎሜተር ተወንጪፉ ድማ ኣብ ማያት (ባሕሪ) ጃፓን ዓሊቡ።

እዚ መቐጸልታ ናይቲ ሰሜን ኮርያ ብተደጋጋሚ ክትገብሮ ዝጸንሐት ፈተነታት ሚሳይል ነቲ ዝጸንሐ ወጥሪ ኣግዲድዎ'ሎ። ሰሜን ኮርያ፡ ናይ መወዳእታ ፈተነ ኣብ ዝሓለፈ መስከረም'ያ ኣካይዳ ነይራ።

ዓለም-ለኻዊ ኩነናን ማዕቀብን ብዘየገድስ፡ ሰሜን ኮሪያ ፈተነ ኑክሌርን ሚሳይልን ቀጺላ'ላ።

ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድማ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ንምዝታይ ህጹጽ ኣኼባ ጸዊዑ'ሎ።

"ብሓቂ፡ እቲ ተወንጫፊ ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝገበርዎ ፈተነታት ልዒሉ'ዩ ከይዱ" ኢሉ ሚስተር ማቲስ። "ንመላእ ዓለም ዘስግእ ባሊስቲክ ሚሳይል ድማ'ዩ" ኢሉ።

ዋይት ሃውስ (ቤተ-መንግስቲ ኣሜሪካ)፡ ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ እቲ ተወንጫፊ ገና ኣብ ኣየር እንከሎ'ዩ መግለጺ ተዋሂብዎ ኢሉ። ብድሕሪኡ ድማ ፕረሲደንት ትራምፕ "እቲ ጉዳይ ብዕቱ ክንሕዞ ኢና" ኢሉ።

እቲ ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ ሕብረት ግዱሳት ስነ-ፍልጠታውያን፡ እቲ ሚሳይል ብመዓቀኒ ልሙድ ጠዋይ መስመር ኪኖ 13,000 ኪሎሜተር ክጓዓዝ ይኽእል ነይሩ፡ እዚ ማለት ድማ "ዝኾነ ክፋል ናይ ኣሜሪካ ክሃርም ይኽእል ማለት'ዩ" ኢሉ። እንተኾነ ግን እቲ ሚሳይል ፎኪስ ዘይናይብሓቂ (መለማመዲ) ተተኳሲ ተሰኪሙ ዝነበር ይመስል። እዚ ማለት ድማ ነቲ ዝተጓዕዞ ርሕቀት ዝኣክል ኑክሌራዊ ተተኳሲ ክስከም ክእለት ኣይነበሮ ማለት'ዩ።

ማዕከን ዜና ናይ ደቡብ ኮሪያ ዮንሃብ ከምዝሓበሮ፡ እቲ ናይ ሮቡዕ ሚሳይል ኣብ ደቡባዊ ፒዮንጋን ካብ እትርከብ ፒዮንግሶንግ'ዩ ተተኩሱ።

ሰበ-ስልጣን ጃፓን ከምዝበልዎ፡ እቲ ሚሳይል ን 50 ደቓይቕ'ዩ ተጓዒዙ፡ እንተኾነ ግን ዘይከምቶም ቅድሚ ሕጂ ዝተወንጨፉ ብልዕሊ ግዝኣት ጃፓን ኣይሓለፈን፤ 250 ኪሎሜተር ካብ ባሕራ ርሒቑ ወዲቑ።

ጃፓን "ንቐጻሊ ናይ ሰሜን ኮሪያ ምትኹታኽ ፈጺማ ከምዘይትቕበሎ" ክትገልጽ እንከላ፡ ደቡባ ኮርያ ድማ ነቲ ፈተነ ድሕሪ ምኹናን፡ ናይ ባዕላ ናይ ሚሳይል ልምምዳት ብምክያድ መልሲ ሂባ።

Image copyright EPA

ሕብረት ኤውሮጳ ድማ እቲ ፈተነ "ዘይቅቡል ተወሳኺ ጥሕሰት ዓለማዊ ሓላፍነት" ክብሎ እንከሎ፡ ኣምባሳደር ብሪጣንያ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ድማ "ዘይሓላፍነታዊ ተግባር" ክብል ገሊጽዎ።

መፍትሒ ዘይተረኽቦ ሽግር

ልኡኽ ቢቢሲ ጆናታን ማርከስ እቲ ሓድሽ ፈተነ፡ ሰሜን ኮሪያ ንኽልተ ወርሒ ዝኣክል ከይተኮሰት ምጽናሓ በቲ ናይ ፕረሲደንት ትራምፕ ፈኸራ ተዳሂላ ወይ ብሰንኪ ጸቕጢ ናይ ቻይና ከምዘይኮነ የርእየካ ኢሉ። ብርግጽ፡ ፈላጣት'ውን እቲ ፈተነታት ናይ ዘይምክያድ ኩነታት ወቕታዊ ዝሕታለ ጥራይ ምዃኑ የመልክቱ።

ፕረሲደንት ትራምፕ፡ ምምሕዳሩ ነቲ ኩነታት ብዕቱብ ከምዝሕዞ'ዩ ገሊጹ። ኣንተኾነ ግን በየናይ መንገዲ'ዩ ክሕዞ?

ኣሜሪካ ህጹጽ ናይ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ኣኼባ ክግበር ጸዊዓ'ላ። ጸሓፊ (ሚኒስተር) ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ሬክስ ቲለርሰን ድማ ኣብ ሰሜን ኮሪያ ጸቕጢ ክዛይድ ምኻኑ ሓቢሩ። እንተኾነ ሰሜን ኮሪያ ሓንቲ ካብተን ኣዝየን ዝተነጸላን ኣብ ትሕቲ ከቢድ ማዕቀብ ዘለዋን ሃገራት ብምዃና ብዙሕ ካብኡ ንላዕሊ ክውሰድ ዝኽእል ስጉምቲ የለን።

ጉዳይ ሰሜን ኮርያ መፍትሒ ዘይርከቦ ሽግር'ዩ ዝመስል። ናይ ኑክሌር ፈተነታታ ድማ ዳግማይ ናይ ምምሕዳር ፕረሲደንት ትራምፕ ናይ ጸጥታ ዛዕባ ኮይኑ ይርከብ።

ኣሜሪካ ንሰሜን ኮርያ ብምኽንያት ናይ ኑክሌር ፕሮግራማ ኣብ መዝገብ ግብረ-ሽበራ ዝምውላ ሃገራት (ስተይት ስፖንሰር ኦፍ ተረሪዝም) ዳግማይ ከምዘስፈረታ ፕረሲደንት ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ገሊጹ።

ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ምንቅስቓስ መራኽብ ሰሜን ኮሪያ ዝዓለመን ምስ ሰሜን ኮርያ ንግዲ ዘካይዳ ናይ ቻይና ካምፓኒታት ተወሳኺ ማዕቀብ'ውን ኣንቢራ'ላ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት