ሰሜን ኮርያ፡ ሓድሽ ሚሳይላ ንመላእ ኣሜሪካ ናይ ምጥቃዕ ብቕዓት ከምዘለዎ ኣፍለጣ።

ጋዜጣኛ ሰሜን ኮርያ ሪ ቹን ሂ ተነቢቡ Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ እቲ መግለፂ ብነባር ጋዜጣኛ ሰሜን ኮርያ ሪ ቹን ሂ ተነቢቡ

ሰሜን ኮርያ: ንኣሜሪካ ኣብ ክሊ መጥቃዕቲ ከእቱ ዝኽእል ሓዱሽ ሚሳይል ከምዘወንጨፈት ገሊጻ።

እታ ሃገር ነዊሕ ርሕቐት ዝጓዓዝ ሓዱሽ ባላስቲክ ሚሳይል ሎሚ ንጉሆ ኣወንጪፋ'ያ።

ሃገራዊ ሚዲያ ሰሜን ኮርያ ከምዘበሎ፡ ፒዮንጊያንግ ብመዳይ ኒኩለር ክትበጽሖ ኣብ ትደሊ ብርኪ በጺሓ ኣላ።

እዚ ሃዋሶንግ-15 ዝተብሃለ ሚሳይል ዓብዪ ዓቕምን ሓይልን ዘለዎ ምዃኑ ይግለጽ።

ኣብ ማያት ጃፓን ዝዓለበ ኮይኑ፡ ቅድም ክብል ክተወንጭፎም ካብ ዝጸንሐት ሚሳይላት ንላዕሊ ከምዝተጓዓዘ ተሓቢሩ።

ሰሜን ኮርያ እንታይ ትብል?

ማዕኸን ዜና እታ ሃገር ኬይ ሲ ኤን ከምዝበሎ፡ እቲ ሚሳይል 4475 ኪሎ ሜትሮ ርሕቐት ክጓዓዝ ይኽእል። ኣብ ውሽጢ 53 ደቓይቕ ድማ 950 ኪሎ ሜትሮ ተጓዒዙ።

Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ሰሜን ኮርያ ኣብዚ ዓመት'ዚ ተደጋገምቲ ፈተነታት ሚሳይል ኣካይዳ

ኣብ ማያት ጃፓን'ኳ እንተዓለበ፡ ብራኽኡ ግን ካብቶም ሕሉፋት ፈተነታት ዝወሰኸ ነይሩ።

ፕረዚደንት እታ ሃገር ኪም ጆንግ ኡን፡ ዓብዪ ሓይሊ ኒኩለር ምውናን ዝብል ሕልሚ ሰሜን ኮርያ ዘግህድ ታሪካዊ ዕዉት ሚሳይል ሃገሮም ከምዘወንጨፈት ብኹርዓት ተዛሪቦም።

ዓለም እንታይ ዓይነት ምላሽ ሂቡ?

እቲ ፈተነ ዓለምለኻዊ ተጻብኦ ገጢሙዎ'ዩ። ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ ጉዳይ ህጹጽ ዘተ ከካይዱ'ዩ።

ዋና ጸሓፊ እቲ ውድብ ኣንቶኒዮ ጉተሬስ፡ እዚ ፈተነ ኣንጻር እቶም ዝተቐመጡ ማዕቐባትን ማሕበረሰብ ዓለምን'ዩ ክብሉ ገሊጸሞ።

ሚኒስትር ምክልኻል ኣሜሪካ ጀምስ ማቲስ'ዉን፡ ቅድም ክብል ተካይዶም ካብ ዝነበሩ ፈተነታት ብዝዛየደ ገደብ ሓሊፉ ዝኸደ'ዩ ክብሉ ኾኒኖሞ።

ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ'ውን ኣድላዪ ጥንቃቐ ክንወስድ ኢና ብምባል ተዛሪቦም ኣለዉ።

ሃገራት ጃፓንን ደቡብ ኮርያን'ዉን እቲ ተግባር ኮኒነን።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት