ኢትዮጵያ ሓድሽ ናይ ስደተኛታት ፖሊሲ ኣውፂኣ

Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝውሕዙ ጸብጻባት ይሕብረ

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ትማሊ 28 ሕዳር ሓፈሻዊ ናይ ስደተኛታት ናይ ምእላይ መቓን ኢሉ ዝሰመዮ ሓድሽ ፖሊሲ ከም ዘበገሰ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ።

ነዚ ሓድሽ ፓሊሲ ንምትግባር፡ ኢትዮጵያ፡ ካብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ኣውሮጳዊ ሕብረትን ዓለማዊ ባንክን ዝርከብዎም ለገስቲ ኣስታት 500 ሚልየን ዶላር ናይ ልምዓት ደገፍ ከም ዝረኸበት ምንጭታት ሓቢሮም።

እቲ ፓሊሲ፡ ውሕስነት ዘለዎ ኣተሓሕዛ ስደተኛታት ንምትእትታው ዝዓለመ ኾይኑ፡ ነቶም ስደተኛታት ኣብ ሃገራዊ ወጥን ልምዓት ኣብ ግምት ዘእቱን፡ እቶም ንስደተኛታት ተዓቚቦምሉ ዘለው ከባቢታት'ውን ዝድግፍ'ዩ ተባሂሉ ኣሎ።

እቲ ፓሊሲ ኣብ ግብሪ እንተድኣ ውዒሉ፡ ስደተኛታት ካብ መዓስከራት ወጺኦም ርእሶም ዝኽእልሉ ዕድላት ክፈጠረሎም ትጽቢት ይግበር።

ኣወሃሃዲ ጨንፈራት ወድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሚስ ኣሁና ኢዚያኮንዋ፡ እቲ መንግስቲ ዝኣተዎ መብጸዓ ኣብ ግብሪ ብምውዓሉ ንመንግስቲ ኢትዮጵያን ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ዮናኣ ከም ዝገለጸት እቲ ናይ ስደተኛታት ውድብ ገሊጹ።

Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ብሰንኪ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘሎ ቅልውላው ብዙሓት ደቡብ ሱዳናውያን ኣብ ኢትዮጵያ ተዓቚቦም ይርከቡ

እዚ ሓድሽ ፓሊሲ ብመሰረት እቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ መስከረም 2016 ኣብ ኒውዮርክ ንስደተኛታት ብዝሓሸ ኣገባብ ንምሓዝ ዝኣተዎም 9 መብጸዓታት ዝትግበር ዘሎ'ዩ።

ኣብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒሰተር ኢትጵያ፡ ሚኒስተር ዲኤታ ዝኾነ ኣቶ ሰሎሙን ተስፋየ፡ መንግስቱ ነቲ ነቲ ሓድሽ ፓሊሲ ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ቆሪጹ ተላዒሉ ከም ዘሎን፡ ማሕበረሰብ ዓለም ደገፉ ከዛይድ ከም ዝጸወዐ'ውን እቲ መግለጺ ወሲኹ የረድእ።

ብዘይካ'ዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብታ ሃገር ዝዕቆቡ ስደተኛታት ካብ መዓስከራት ወጻኢ ክነብሩ ወሕስነት ዝፈጥር ሕጊ ንባይቶ እታ ሃገር ኣብ ቀረባ እዋን ከቐርብ ትጽቢት ይግበረሉ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢት ኢትዮጵያ ኣብ መዓስከራት ተዓቚቦም ዝርከቡ፡ ኤርትራውያን፡ ሶማላውያንን ደቡብ ሱዳናውያንን ስደተኛታት ናይዚ ሓድሽ ፓሊሲ ተጠቀምቲ ከም ዝኾኑ ይዝረብ። እንተኾነ ግን፡ መዓስ እቲ ናይ መዓስከር ፓሊሲ ብወግዒ ከም ዘብቅዕ ብንጹር ኣይተገልጸን።

ኢትዮጵያ፡ ሓንቲ ካብተን ኣብ 2016 ንስደተኛታት ካብ መዓስከር ወጻኢ ክነብሩን፡ ብቑዕ ናይ መንነት ወረቓቕቲ ተዋሂብዎም ክነብሩ ዝብል ኣዋጅ ዝፈረማ ሃገራት'ያ።

እታ ሃገር ኣስታት 890 000 ስደተኛታት ኣዕቝባ ከም ዘላ ላዕለዋይ ተጻዋዒ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት