ናይጄሪያ ኣብ ሊቢያ ዘለዉ ስደተኛታታ ዜጋታታ ናብ ሃገሮም ክትመልስ ተሊማ

ቁፅሪ ስደተኛታት ኣብ ሊቢያ እናወሰኸ እዩ Image copyright NCFRMI

ፕረሲደንት ናይጄሪያ ሙሓማዱ ቡሃሪ ነቶም ኣብ ሊብያን ካልኦት ሃገራትን ቀንፈዞው ዝብሉ ዘለዉ ናይጀሪያውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ምዃኖም ሓቢሩ።

እዚ ውሳነ'ዚ ስደተኛታት ኣብ ሊቢያ ከም ልክዕ ከም ገላዩ (ባሮት) ኮይኖም ክሽየጡ እንከለዉ ዘርኢ ቪዲዮ ድሕሪ ምዝርግሑ'ዩ።

እቶም ስደተኛታት ልክዕ ከም ጤለ-በጊዕ'ዮም ዝረኣዩ ዘለዉ ድሕሪ ምባል፡ ፕረሲደንት ቡሃሪ ነቲ ሓደገኛ ጉዕዞ ስደት ናይጀሪያውያን ደው ንምባል፡ ኩሉ ዝከኣሎ ዘበለ ክገብር ምዃኑ ቃል ኣትዩ።

መግለጺ ናይቲ ፕረሲደንት፡ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ሰበ-ስልጣን'ቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ መንግስቲ ሊብያ ስደተኛታት ናይ ምምላስ ስራሓት ከዛይድዎ ምዃኖም ድሕሪ ምግላጾም'ዩ ስዒቡ።

ኣስታት 240 ናይጀርያውያን ድማ ብሓገዝ ሊብያን እቲ ንጉዳይ ስደተኛታት ዝከታተል ኣካል ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ብወለንታ ብሰሉስ ለይቲ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም።

መከራታት ናይቶም ኣብ ሊብያ ተቐርቂሮም ዝርከቡ ስደተኛታት ብማዕከን ዜና ሲ ኤን ኤን ናይ ኣሜሪካ እዩ ተጋዊሑ።

እቲ ምስሊ ቪዲዮ፡ እቶም መንእሰያት ስደተኛታት ንሕርሻዊ ስራሕ ብሓራጅ ክሽየጡ እንከለዉ'ዩ ዘርኢ።

ጉዳይ ናይቶም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ዝፍትኑ ስደተኛታት ሓደ ካብ ዛዕባታት ናይቲ ኣብ ከተማ ኣቢጃን ናይ ኣይቮሪኮስት ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃን ሕብረት ኤውሮጳን ከምዝኸውን ትጽቢት ይግበር።

Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣስታት ሓደ ሚልየን ስደተኛታት ኣብ ሊቢያ ከም ዝርከቡ ይግመት

ፕረሲደንት ቡሃሪ ካብቲ ኣኼባ ወጻኢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ በቲ ዝረኣዮ ምስሊ ከምዘስካሕከሐ ገሊጹ።

"(ኣብቲ ምስሊ ቪድዮ) ገለ ናይጀሪያውያን ልክዕ ከም ጤለ-በጊዕ'ዮም ብሒደት ዶላራት ተሸይጦም" ኢሉ ፕረሲደንት ቦሃሪ ምስ ናይጀርያውያን ዳያስፖራ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ። ኣስዒቡ ድማ ንመንግስቲ ሊብያ ወቒሱ።

"ድሕሪ'ቲ ናይ 43 ዓመታት (መግእቲ) ናይ ቃዛፊ፡ ንምንታይ'ዮም (ሊቢያውያን) ናይጀርያውያን ዝርከብዎም ብዙሓት ዜጋታት ዞባ ስሕል ዝምልምሉ (ዝገዝኡ) ዘለዉ?" ክብል ፕረሲደንት ቡሃሪ ተገሪሙ።

"በቃ ምትኳስን ምቕታልን ጥራይ'ዮም ተማሂሮም። ጽገና ኤለክትሪክ (ኤለክትሪሻን)፣ ጽገና ፖምፓ (ድራውሎኮ) ወይ ካልእ ሞያ ኣይተማሃሩን" ኢሉ።

ፕረሲደንት ቡሃሪ እቶም ናብ ዓዶም ዝተመልሱ "ክጣየሹ" ምዃኖም ቃል ኣትዩ፤ ሃገሮም ገዲፎም ንዝኸዱ ናይጀርያውያን ደው ንምባል፡ ግዕዝይና ንምቅላስን ከም ቦኮ ሓራም (ናይጀርያዊ ዕጡቕ እስላማዊ ጉጅለ) ዝኣመሰሉ እስላማውያን ዕጡቓት ንምስዓርን ከም ትምህርቲ ዝኣመሰሉ ነገራት ከመሓይሽ ምኻኑ ገሊጹ።

"ነቶም በረኻ ሰሃራን ብሕማቕ ብዝተሰርሓ ጀላቡ ባሕሪ ሜዲተራንያን ዝሰግሩን ደው ንምባልን ክንጽዕር ኢና" ኢሉ።

እንተኾነ ግን መንግስቲ ናይጀርያ ብኸመይ ነቲ ስደተኛታት ናይ ምምላስ ውጥን ይትግብሮ ንጹር ኣይኮነን።

ተወሳኺ ዛንታ