ሰሜን ኮርያ፡ ኩለን ሃገራት ዓለም ምስታ ሃገር ዘለወን ርክብ ክበትኻ ኣሜሪካ ጸዊዓ

ዝትኮስ ሚሳይል Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ሰሜን ኮርያ ዘወንጨፈቶ ሓዱሽ ባላስቲክ ሚሳይል፡ ናብ ኩለን ግዝኣታት ኣሜሪካ ናይ ምብፃሕ ዓቕሚ ኣለዎ

ኣሜሪካ ብምኽንያት ዘወንጨፈቶ ሓዱሽ ባላስቲክ ሚሳይል፡ "ኩለን ሃገራት"፡ ምስ ሰሜን ኮርያ ዘለወን ዲፕሎማሲያዊ ኾነ ንግዳዊ ርክብ ክበትካ ኣለወን ኢላ።

ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኒኪ ሃለይ፡ ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ቻይና፡ ናብታ ሃገር ሰደድ ትገብሮ ነዳዲ ጠጠዉ ክተብል ምሕታቶም ንባይቶ ጸጥታ እቲ ውድብ ኣረዲኤን።

ኣሜሪካ ኲናት ኣይትደልን ዝበላ ሃለይ፡ ግን ድማ ኲናት እንተተላዒሉ ንስርዓት ሰሜን ኮርያ ክተጥፍኦ ምዃና ተዛሪበን።

እቲ መጠንቀቕታ፡ ሰሜን ኮርያ ድሕሪ ክልተ ኣዋርሕ ንዘወንጨፈቶ ሚሳይል ስዒቡ ዝመጸ'ዩ።

ሰሜን ኮርያ፡ ትማሊ ረቡዕ ዘወንጨፈቶ ሚሳይል፡ 4475 ሽሕ ኪሎ ሜትሮ ክውንጨፍ ዝኽእል'ዩ። እዚ ድማ ኣብ ህዋ ካብ ዘሎ ማእኸል ምርምር ብ10 ዕፅፊ ይርሕቕ።

እዚ'ዉን ኮይኑ ግና፡ ሰብ ሙያ፡ ከምዚ ዓይነት ቴክኖሎጂ ክትዉንን ትኽእል'ያ ዝብል እምነት ክሓድሮም ኣይከኣለን።

ፕረዚደንት ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን፡ እቲ ዘወንጨፎ ሚሳይል፡ ጎዶሎ ዘይብሉ ክብል ገሊጹዎ'ዩ።

እቲ ፈተነ ምትኳስ ባላስቲክ ሚሳይል ብማሕበረሰብ ዓለም እንትኹነን፡ ባይቶ ጸጥታ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ህጹጽ ኣኼባ ጸዊዑ'ሎ።

Image copyright AFP

ወይዘሮ ሃሌይ፡ እቲ ብሰሜን ኮርያ ብተደጋጋሚ ይዉሰድ ዘሎ ስጉምቲ፡ ነቲ ቐጠና ብቐጻሊ ዝሕምስ'ዩ ምባለን ተሓቢሩ።

ኣምባሳደር ሩሲያ ኣብ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ቫስሊ ነቤንዛ፡ "ሰሜን ኮርያ እተካይዶ ፈተነ ሚሳይል ኮነ ኒኩለር ጠጠዉ ክተብል ኣለዋ" ብምባል፡ ኣሜሪካ'ዉን ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ምስ ደቡብ ኮርያ ብሓባር ክተካይዶ ዝተለመቶ ወተሃደራዊ ልምምድ ክትስርዞ ሓቲቱ።

ቻይና ብወገና፡ ኣሜሪካ ንእተካይዶ ወተሃደራዊ ልምምድ ኣመኽንያ እተካይዶ ፈተነ ምትኳስ ሚሳይል ጠጠዉ ክተብል ኣታሓሳሲባ።

"ቻይና ብዙሕ ክትሰርሕ ንደሊ" ዝበላ ኒኪ ሃሌይ፡ "ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ሎሚ ንጉሆ ናብ ፕረዚደንት ዢ ደዊሉ፡ ቻይና ንሰሜን ኮርያ ተቕርቦ ነዳዲ ጠጠዉ ክተብል ከምዘለዋ ናብ ዘረዳድእ ነጥቢ ምብፃሕና ሓቢሩሉ" ክብላ ተዛሪበን።

ቻይና እታ ዝዓበየት መሓዛ ንግዲ ሰሜን ኮርያ እንትትኾን፡ ፒዮንጊያንግ ኣብ ቀረብ ነዳዲ ቻይና ጽግዕተኛ'ያ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ረቡዕ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ምስ ዢ ጂንፒንግ ብስልኪ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ "ሰሜን ኮርያ ተካይዶም ፈተነታት ከብቅዕን ካብ ኒኩለር ናጻ ክትኸዉንን፡ ቻይና ኩሎም መማረጽታት ክትጥቀም ኣለዋ" ኢሎም ይብል መግለጺ፡ ቤተ መንግስቲ ኣሜሪካ።

ሓዱሽ ዝተወንጨፈ ሚሳይል ሰሜን ኮርያ ሃዋሶንግ-15፡ "እቲ ዝዓበየ ሓይሊ ዘለዎ" ተባሂሉ ኣሎ።

ኣብ ማያት ጃፓን ድማ ዓሊቡ።

ተወሳኺ ዛንታ