ኣከባብራ በዓል ሕዳር ፅዮን እንታይ ይመስል?

መሸጢ ባህላዊ ክዳውንቲ ኣብ ኣክሱም Image copyright Getachew Aregawi

ኣብ ኣፍሪካ ጥንታዊ ካብ ዝኾና ከተማታት ሓንቲ ከተማ ኣክሱም፡ "ሓጺናዊ ዘመን" ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ መበል 4ይ ክፍለ ዘመን፡ ዓባይ ማእኸል ንግዲ ኾይና ተገልግል ነይራ።

ኣብዚ ግዘ ብዝነበሩ ነገስታት ኣክሱም፡ ስልጣነ እቲ ዘመን ዓብዪ ምንባሩ ዘንጸባርቑ፡ ካብ ኣካዉሕ ተቐሪጾም ዝተሰርሑ ኾነ፡ ገና ብኳዕቲ ዘይተረኸቡ ጥንታዉያን ሓድግታትን ጸጋታትን ዝሓደጉዎም ምስክር ልዕልና እቲ ዘመን፡

ኣብ ዝተፈላለዩ ኸባብታት እታ ከተማ ተቐቢሮም ከምዝርከቡ ሰብ ሙያ ስነ ኳዕቲ ይዛረቡ።

ምኽትል ፕረዚደንት ኣካዳሚያዊ ጉዳያት ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም፡ ዶክተር ኪሮስ ጉዑሽ፡ ኣብታ ሃገር ኣለዉ ዝበሃሉ ዘበን ተሳገርቲ ጸጋታትን ምልክታት ስልጣነን፡ መሰረቶም ኣብ ኣኽሱም ዝተደረኸ ምዃኑ ይኣምኑ።

"ስልጣነ እቲ ዘበን ኣብ ዓለም ነይሮም ምስ ዝበሃሉ ዓበይቲ ስልጣነታት ዘስርዑ፡ ሃይማኖታዊ ሽኻል ዝተላበሱ ሃፍትታት ኣብታ ከተማ ኣለዉ" ብምባል የረድኡ።

በዓላትን ቑጠባዊ ምንቅስቐስን

ኣብታ ከተማ፡ ስራሕቲ ወርቂ፥ ቅርጻ ቅርጺን ስራሕቲ ኢደ ጥበብን ብስፍሓት ይፍለጡ። እዞም ጥበባት፡ ዘመናዊ ቅዲ ተላቢሶም ዝስርሑ ባህላዊ ኣልባሳትን ዓለባን፡ ፍልፍል እቶት ኣብዝሓ ነበርቲ እታ ከተማ እናኮኑ'ዮም።

ግርማይ ካሕሳይ፡ ኣብ ከተማ ኣክሱም ባህላዊ ክዳዉንቲ ብምስራሕ ዝመሓደር መንእሰይ'ዩ።

ዘመናዉን ባህላዉን ቅዲ ዝወነኑ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ክሊ ዕድመ ንዝርከቡ ክፋላት ማሕበረሰብ ድማ ተኣሊሞም ቅርጺ ዝሓዙ ኣልባሳትን ዓለባን የቕርብ። ብዉርሲ ዝረኸቦ ሙያ'ዩ።

"ሙሉእ ስድራና ኣብዚ ስራሕ ተዋፊሩ ኢና ንረከብ። ወላድየይ ዘዉረሰኒ ክእለት ተጠቒመ'የ ኣብ ምስራሕ ዝርከብ" ክብል ይዛረብ።

ግርማይ ናይ ዲፕሎማ ምሩቕ እንተኾነ'ኳ ነዚ ካብ ወላዲኡ ዘውረሱዎ ጥበብ ጠንጢኑ ናብ ስራሕ መንግስቲ አለሻ ኣይኣተወን።

ኣዋጻኣይነቱ እንትገልጽ፡ "እዚ ብጣዕሚ ዝፎትዮ ሙያ'ዩ፡ ብልቢ እንተሰሪሕኻን ክትንቀሳቕሰሉ ትኽእል ገንዘብ እንተረኺብኻን ዝሓሸ ተጠቃሚ ኢኻ" ይብል።

Image copyright Getachew Aregawi

ኣብ ሃገራት ኣፍሪካን ኣዉሮፓን ዓማዊል ዘለዉዎ ግርማይ፡ ኣብ ዉሽጢ ዓዲ'ዉን ብዙሓት ተጠቀምቲ ከምዘለዉዎ ይገልጽ።

"ከም ኩስሚ ጽዮን ማርያም ኣክሱም ዝበሉ ዓበይቲ ሃይማኖታዊ በዓላት እንትህልዉ፡ እቲ ዕዳጋ ብዝሓሸ መልእዑ ይዉስኽ።

ኣብታ ከተማ ዝነብር ማሕበረሰብ ኾነ፡ ንክብረ በዓል ዝመጸ ጋሻ፡ ካብቶም ነቕርቦም ባህላዊ ስርሒታት ዓለባ እናሓዘ'ዩ ዝምለስ። እዚ ንዓና ጽቡቕ'ዩ" ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።

"ጸጋታትና ብዝግባእ ኣየላለናን"

"በዓል ጽዮን ሃይማኖታዊ ትሕዝትኡ ሓልዩ፡ ናብ ቑጠባዊ ረብሓ ክሰጋገርን ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ማሕበረሰብ ናብ ገንዘብ ቀይሩ ዝርብሐሉ ክኸዉን ኣለዎ" ክብሉ ምኽትል ፕረዚደንት ኣካዳሚያዊ ጉዳያት ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም፡ ዶክተር ኪሮስ ጉዑሽ ይገልጹ።

ተመራመርቲ፡ እቲ ዘሎ ክፍተት ብምርምር ብምርኣይ መፍትሒ ምቕማጥ ዘኽእል መገዲ ከናድዩ ኣድላዪ ከምዝኾነ ብምግላጽ፡ ህዝቢ ዝዉንኖ "ማሕበረሰባዊ ቱሪዝም" ክፍጠር፡ ዘለዉ ጸጋታት መስሕባት በጻሕቲ ዓዲ ብኣግባቡ ክዉደቡ ምግባር፤ ዕዮ ዝምልከቶ ኣካል፣ ሙሁራትን ተመራመርተትን ክኸዉን ኣለዎ በሃሊ'ዮም።

ልዕሊ 3 ሽሕ ዕድመ ዘለዎ ከተማ ኣክሱም፡ ክንድቲ ዘቑጸረቶ ዕድመ ክህልዋ ትጽቢት ዝግበር ምዕባለ ኣየርኣየትን።

ጸጋታት ቱሪዝም እቲ ከባቢ ጸንቂቕኻ ካብ ዘይምጥቃም ዝብገስ ድኽመት ከምዘሎ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ባህልን ቱሪዝምን እታ ከተማ፡ ኣይተ ገብረመድህን ፍጹም ብርሃን ኣልዒሎም።

"ዝሓለፈ ዓመት ምስዘነበረ ኣንጻራዊ ሰላም፡ ፍሰት ቱሪዝም'ኳ እንተነከየ፡ ሐዚ ብዘሎ ሰላማዊ ኩነታት ብዝሓሸ መልክዑ ምንቅስቐስ ጀሚሩ ኣሎ፤ ዋላ'ኳ ጸጋ እታ ከተማ ኣብ ምልላይ ድኽመት እንተሃለወ" ኢሎም።

ሐዚ ከተማ ኣክሱም፡ ልዕሊ 11 ዝኾኑ ብበጻሕቲ ዓዲ ክረአዩ ዝኽእሉ ቦታታት ኣለዉዋ።

ብምኽንያት ኣብታ ከተማ ዘሎ ቑጠባዊ ሕጽረት ግና፡ እዞም ብዙሕ ሃፍቲ ሓቚፎም ዘለዉ ቦታታት፡ ክንድቲ ዝድለ ምልላይ ኣይተኽኣለን፡ ከም መብርሂ ኣይተ ገብረመድህን።

ምሕጻብ እግሪ

ኣብቲ ሎመዓንቲ ብዝለዓለ ድምቀት ዝተኸበረ ሃይማኖታዊ በዓል ሕዳር ጽዮን፡ በብዓመቱ ልዕሊ 400 ሽሕ ኣማንን ኣብቲ በዓል ንምስታፍ ዝመጽእን ሰብ፡ ይርከብ ዝብል ርእይቶ ቤት ጽሕፈት ቱሪዝም እታ ከተማ'ዩ።

ኣጋይሽ ብኽብሪ ተቐቢልኻ፡ ኣኽቢርኻ ምስናይ፡ ኢትዮጵያዉያን ዝፍለጥሉ ባህሊ'ዩ። ኣክሱም ንዘኽበረቶ በዓል ሕዳር ጽዮን ግና፡ ማሕበረሰባ ብፍሉይ ክዳሎ ገይራ'ያ።

ኹሉ ርካቡ ኣዋጺኡ፡ ንኣጋይሽ እታ ከተማ ምግቢ ከቕርብ።

Image copyright Getachew Aregawi
ናይ ምስሊ መግለጺ ምእመናን ኣብ ቤተ-ክርስትያን ማርያም ፅዮን ኣክሱም

"ምሕጻብ እግሪ" ካልእ ሃይማኖታዊ መሰረት ዘለዎ ክርስቲያናዊ ባህሊ። ኣብዚ ዓብዪ ሃይማኖታዊ በዓል እታ ከተማ ድማ፡ ካልእ መገዲ መሰነዪ ኣጋይሽ ክኸዉን ተገይሩ።

ንከተማታት ንሽረን ዓድዋን ብዘዉጽኡ ክልተ መገዲታት ኣቢሎም ናብታ ከተማ ዝመፁ ኣጋይሽ እግሮም ሓጺብካ ክኣትዩ ይግበር።

እዚ ዝግበረሉ ምኽንያት፥ ናብዚ ዝተቐደሰ ስፍራ ዝመፁ ኣጋይሽ ንምኽባርን ዕረፍቲ ክወስዱን ምእንታን ምዃኑ ይዛረቡ።

መዕረፊ ዝኾኑ ብርክት ዝበሉ ዳሳት ድማ ተሰሪሖም።

ኩስሚ ጽዮን ማርያም

ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ 900 ዓመተ ዓለም፡ ንጉስ ሚኒሊክ ቀደማይ፡ ካብ እስራኤል ናብ ኣኹሱም እንትምለስ ታቦተ ፅዮን (ፅላተ ሙሴ) ሒዙ ዝመጸ ኾይኑ፡ 21 ሕዳር ናብ ከተማ ኣክሱም ኣትዩ።

ኣብዚ ግዘ ህዝቢ ከተማ ኣኹሱም፡ ነቲ ንጉስን ነቲ ሒዙዎ ዝመጸ ታቦትን፡ ብዕልልታን ታሕጓስን ተቐቢሉዎ።

ስለዚ'ዩ ድማ በቢ ዓመቱ ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ዝኽርታትን ታሪካዊ ድባብን ዝበዓል።

ኣይተ ገብረመድህን፥ ካብ 600 ንላዕሊ ሰባት ዝሳተፉሉ ነዚ ታሪኽ ዘዘንትው ምርኢት ትማሊ ኣብ ድሮ እቲ ባዓል ከምዝተሳለጠን ነቲ ዕለት ፍሉይ ድምቀት ከምዝሃቦን ይዛሩቡ።

ቁፅሪ በፃሕቲ ሃፍ ንምባልን፥ እቲ ታሪኽ ብዝበለፀ ንኽፍለጥን በብኣመቱ ካብዚ ንላዕሊ ንምስራሕ ከምዝሃቀኑ ድማ ይዛረቡ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት