ኣብ ኢትዮጵያ 76 ሚኢታዊ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ መናእሰይ ብዛዕባ ኤች አይ ቪ ኣይፈልጣን

የጸረ ኤች አይ ቪ ኤድስ ሪቫን Image copyright FAROOQ NAEEM

ኣብ ኢትዮጵያ: ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከምዘመልክቶ፡ ካብ 15-24 ዝዕድሚኦም መናእሰይ ብዛዕባ ኤች አይ ቪ ዘለዎም ግንዛበ ትሑት'ዩ።

ኣብ ክሊ እዚ ዕድመ ካብ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ፡ እተን 76 ሚኢታዊት እቲ ቫይረስ ዝመሓላለፈሉን ኣገባብ ምክልኻሉን ኣይፈልጣን። ደቂ ተባዕትዮ እንተኾኑ'ዉን ኣፍልጦ የብሎምን።

ዳይሬክተር ርክባት ህዝቢ፡ ቤት ጽሕፈት ምክልኽልን ምቁጽጻርን ፌደራል፡ ኣይተ ዳኒኤል በትረ፡ እቲ ምኽንያት ዝተፈላለየ ኣካላት ዝተዋህቦም ሓላፍነት ዘይምፍጻሞም'ዩ እዚ ክፍተት ተፈጢሩ ይብሉ።

እቶም ዝተዋህቦም ሓላፍነት ኣይፈጸሙን ዝተባህሉ፡ ኣብያተ ምኽሪ፣ ትካላት ሃይማኖት፣ ተሰከምቲ እቲ ቫይረስ ዉልቀሰባት፣ ማሕበራት፣ መራኸብቲ ሓፋሽ፣ ዓበይቲ ዓድን ካልኦት መሻርኽቲ ትካላትን እዮም።

መንግስታዉን መንግስታውን ትካላትን፡ ብዛዕባ ኤች አይቪ ኤይድስ ብንቕሓት ኣብ ዘምህርሉ ዝነበሩ እዋን፡ እዞም ናይ ሕዚ መናእሰይ ህጻናት እዮም ነይሮም።

ሐዚ ግና፡ ብዛዕባ ኤች አይቪ ኣብ ዘይዉግዐሉ ግዜ ስለዝበጽሑ ነቲ ቫይረስ ቅሉዓት ኮይኖም ኣለዉ ይብሉ አይተ ዳኒኤል።

ኢትዮጲያ፡ ዝርግሐ ኤች ኣይቪ ሓድሽ ስግኣት ፈጢሩ

"እዞም መናእሰይ መብዛሕትኦም፡ ኣብ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ፣ ፋብሪካታትን ፕሮጀክታት ህንጸት ሓይሊ ኤሌክትሪክን ይርከቡ"።

ስለዝኾነ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ምስ ምዉሓድ ግንዛበ ተዛሚዱ ዝርግሐ እቲ ሕማም ኣብ መናእሰይ ብዝለዓለ መጠን ይርአ።

Image copyright Getty Images

ኣይተ ዳንኤል ወሲኾም ከምዝገለጹዎ፡ ኣብታ ሃገር ቁጽሪ ብኤች አይ ቪ ኤይድስ ዝመውት ሰብ ብዝለዓለ መጠን እኳ እንተነከየ፡ እቲ ዝተራእየ ለዉጢ፡ ኣብዝሓለፈ እዋን፡ ስቕታን ምዝንጋዕን ፈጢሩ'ዩ።

ብኣንጻሩ፡ መናእሰይ ንኤች አ ይቪ ዘቃልዑ ነገራት ወሲኾም'ዮም።

"እቲ ምድህላል ዓብዪ ዋጋ ከኽፍለና ይኽእል'ዩ" ብምባል ኽብደት እቲ ጉዳይ የብርሁ።

ካብዞም መናእሰይ ንላዕሊ ግና፡ እቲ ዝተርግሐ እቲ ሕማም፡ ኣብ ፋይቶት፣ ነዊሕ ርሕቐት ዝጉዓዙ መራሕቲ መኪናን ኣብ ቤት ህንጸት ዝርከቡ ውልቀ ሰባትን ብስፍሓት ይርከብ።

እዚ ጥራሕ ኣይኮነን፡ ቑጽሪ በብግዝኡ ምርመራን ክትትልን ዘካይዱ ሰባት ዉሑድ'ዩ ብምባል ኣይተ ዳኒኤል ይገልጹ።

መዓልቲ ምክልኻል ኤች ኣይ ቪ በብዓመቱ ሕዳር 22 ዝኽበር እንትኾን፡ "ሐዚ'ዉን ትኹረት ንምክልኻል ኤች ኣይቪ" ብዝብል መሪሕ ቃል'ዩ ዝኽበር።