ኣርጀንቲና ኣለሻ ዝጠፍአት ወተሃደራዊ መርከባ ኣቋሪፃ

ወተሃደራዊት መርከብ ኣርጀንቲና Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ተስፋ ምርካብ ደሃያ ዘጥፍአት መርከብ እናመንመነ መፂኡ

እታ ኤ ኣር ኤ ሳን ሁዋን ተባሂላ እተሰምየት ሳብማሪን ብ15 ጥቅምቲ'ያ ንመወዳእታ እዋን ርክብ ገይራ። ኣብቲ መወዳእታ ዝተራእየትሉ ቦታ ነትጒ ተሰሚዑ ነይሩ ምስ ተባህለ ድማ ነቶም ሰባት ብሂወት ናይ ምርካብ ተስፋ ቅሂሙ።

ንምታይ'ዩ እቲ ሓይሊ ባሕሪ ነዚ ውሳነ'ዚ ወሲዱ?

"እቲ ናይ ምድላይ ጊዜ ካብቲ ሰባት ክድሕኑሉ ይኽእሉ እዮም ዝበሃል ጊዜ ብዕጽፊ'ዩ ተመጢጡ" ኢሉ ካፕቴን ባልቢ። እዚ ኣባሃህላ'ዚ ኣብቲ ብሂወት ንዝተረፉ ኣባላት ንምድሓን ተባሂሉ ዝግመት ጊዜ ዝተመርኮሰ'ዩ።

ዋላኳ ሃለዋት ናይቶም ዝጠፍኡ ኣባላት ንምርግጋጽ እንተዘይተኻእለ፡ "ኣብቲ ዳህሳስ ዝተኻየደሉ ቦታታት ንምስክር ዝኸውን ስብርባር ናይታ ሳብማሪን ኣይተረኸበን" ኢሉ ንሱ። እቲ ብዙሓት ጀላቡን ሳብማሪንን ዘሳተፈ ናይ ምድላይ መስርሕ መልክዑ ቀይሩ'ዩ፡ ሕጂ እቲ መስርሕ ስብርባር ናይታ ሳብማሪን ንምርካብ ኣብቲ ንሳ ጠፊኣትሉ ዝበሃል ኣከባቢ ኣብ መዓሙቕ ባሕሪ'ዩ ዝካየድ ዘሎ ኢሉ ካፕቴን ባልቢ።

ብመሰረት መግለጺ ኮማንደር ሓይሊ ባሕሪ ገብርኤል ጋሊያዚ፡ እታ ሳብማሪን ካብ ውሽጢ ባሕሪ ወጺኣ ናይ ባትሪ ምቅጻል ኣጋጢሙዋ ከምዝነበረ ሓቢራ ነይራ። በዚ ድማ ተልእኾኣ ኣቋሪጻ ብቕልጡፍ ኣብ ማር ደል ፕላታ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ክትምለስ ተሓቢርዋ ነይሩ።

ናይቲ ሓይሊ ባሕሪ ናይ መወዳእታ ርክብ ምስታ ሳብማሪን ብ15 ጥቅምቲ ሰዓት 10ን ፈረቓን ናይ ንግሆ'ዩ ነይሩ። ሽዑ እቲ ካፕቴን ኩሎም ኣባላታ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዘዉ ሓቢሩ ነይሩ።

ሸሞንተ መዓልቲ እታ ሳብማሪን ደሃይ ድሕሪ ምጥፋኣ ድማ እቲ ኣብ ቪየና ዝመደበሩ ውድብ ምእጋድ ሓፈሻዊ ኑክሌራዊ ፈተነ፡ ሒደት ሰዓታት ድሕሪ ናይታ ሳብማሪን ናይ መወዳእታ ርክብ ድምጺ (ጫቑጫቑታ) ሰሚዑ ከምዝነበረ ሓቢሩ። እቲ ነትጒታት ኑክሌራ ዝጸናጸን ውድብ፡ 60 ኪሎሜተር ካብቲ ናይ መወዳእታ ናይታ ሳብማሪን ዝነበረቶ ቦታ ርሒቑ "ዘይልሙድ ድምጺ" ከምዝነበረ ሓቢሩ።

Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ዋሃቢ ቃል ሓይሊ ባሕሪ ኣርጀንቲና ኤንሪክ ባልቢ፡ ተስፋታት ምርካብ ከምዘየለ ገሊፁ

ሓይሊ ባሕሪ ኣርጀንቲና ድማ እቲ ዝተሰምዐ ድምጺ ምብራዕ ናይታ ሳብማሪን ክኸውን ይኽእል'ዩ ኢሉ።

እቲ እታ ሳብማሪን ክትጠልቕ እንከላ፡ ካብ ደገ ባሕሪ ኣየር እትቕበለሉ ሽምብቆ ማይ ዘሪቑ ኣትይዎ ነይሩ ክብል ካፕቴን ባልቢ ብሰሉስ ንጋዜጠኛታት ሓቢሩ። እታ ጨዋም ማይ ድማ ናብቲ ባትሪ ብምእታው ረመጽን ባርዕን ፈጢሩ ኢሉ ንሱ።

ቤተ-ሰብ ናይቶም ዝጠፍኡ ኣባላት'ከ ኣንታይ ይብሉ?

እቲ ነታ ሳብማሪን ዘጋጠመ ሓደጋ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ'ዩ ነቶም ኣብ መዓስከር ማር ደል ፕላታ ተኣኪቡም ዝነበሩ ቤተሰብ ናይቶም ዝጠፍኡ ኣባላት ተነጊሩ። ንሳቶም ሕርቃንን ብኽያትን ጥራይ ኮይኖም።

ገለ ስድራቤታት ድማ ነቲ ሓይሊ ባሕሪ ብምሕሳውን ዘየሎ ተስፋ ብምሃብን ወቒሶምዎ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ እትርከቦም ደሃዮም ዝጠፍአ መርከበኛታት

ካልኦት ድማ ንመንግስቲ ወቒሶም፡ ሕጽረት ምወላ ምስቲ ኣብቲ ሓይሊ ባሕሪ ዘሎ ግዕዝያና ተደሚሩ ነታ ሳብማሪን ኣብ ሓደጋ ኣውዲቕዋ ድማ ይብሉ።

እታ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ እትርከቦም 44 ኣባላት ዝሓዘት ሳብማሪን ብፐድሮ ማርቲን ፈርናንደዝ ዝተባህለ ካፕቴን እያ ትምራሕ ነይራ።

ኣብቲ ዓለም-ለኻዊ ናይ ምድላይ ስርሒት ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ 4,000 ሰባት ተሳቲፎም።

ፕረዚደንት ኣርጀንቲና ሞውሪሽዮ ማሽሪ ድማ ምጥፋእ ናይታ ሳብማሪን ዝምርምር ኣካል ክቐውም ኣዚዙ'ሎ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት