ኣብ ግጥማት ዋንጫ ዓለም 2018 መን ምስ መን ከምእትገጥም ክነላልየኩም

ናይ ምስሊ መግለጺ ዕጫ ዋንጫ ዓለም ሎማዓንቲ ክውድቕ እዩ።

ግጥማት ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ዋንጫ ዓለም ካብ ሰነ 14 ክሳብ ሓምለ 15 2018 ዓ/ም/ፈ ኣብ ዘለ እዋን ኣብ ሩስያ ሞስኮ ክካየድ እዩ።

ናብዚ ጸወታ 5 ሃገራት ኣፍሪቃ ዝርከበአን 32 ሃገራት መጻረይ ጸወታ ሓሊፈን ኣለዋ። ካብ ኣፍሪቃ ግብጺ፣ ሞሮኮ፣ ቱኒዝያ፣ ሰኔጋልን ናጀርያን ምሕላፈን ዘረጋገጻ ሃገራት እየን። ሎም መዓልቲ ኣብ ዝካየድ ዕጫ ናይ ምውዳቕ ስነ ስርዓት ድማ፡ መን ምስ መን ከምእትገጥም ክፍለጥ እዩ።

ዕጫ ብኸመይ እዩ ክወድቕ?

ኣወዳድቓ ዕጫ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ብተጻዋታይ ነበር ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢንግሊዝ፡ ናይ ሎሚ ኣንበቢ ዜና ቢቢሲ ጋሪ ሊንከርን ሩስያዊ ጋዜጠኛ ስፖርት ማርያ ኮማንድናያን ኣቢሉ ክቐርብ እዩ።

ጋንታታት ብመሰረት ደረጃ ፊፋ ምድበን ፈሊጠን ኣለዋ። እቲ ጸወታ ከምቲ ልሙድ ኣብ 4 ምድባት ተኸፋፊሉ እዩ ክካየድ። ሕድሕድ ምድብ 8 ሃገራውያን ጋንታታት ዝሓዘ እዩ። ኣሰናዳኢት እዚ ጸወታ ሩስያ፡ ምስ 7 ሓያላት ሃገራት ተደላዲላ ትርከብ።

ሕድሕድ ጋንታታት ብዕጫ ሎተሪ መልክዕ መጋጥምተን ክፈልጣ እየን።

መጻረይ ግጥማት ሓሊፈን ናብ ሩስያ ከቕንዓ ኣብ ምሽብሻብ ዝርከባ ሃገራት መነመን እየን?

ናይ ምስሊ መግለጺ ዕጫ ዋንጫ ዓለም ሎማዓንቲ ክውድቕ እዩ።

ሳንዱቕ ዕጫ ሓደ

ሩስያ( ኣሰናዳኢት)፣ ጀርመን( ደረጃ 1)፣ ብራዚል (2)፣ ፖርቱጋል (3)፣ ኣርጀንቲና (4)፣ ቤልጂም (5)፣ ፖላንድ (6)፣ ፈረንሳይ (7)

ሳንዱቕ ዕጫ ክልተ

ስፐይን (8)፣ ፔሩ (10)፣ ሲዊዘርላንድ (11)፣ ኢንግሊዝ (12)፣ ኮሎምብያ (13)፣ መክሲኮ (16)፣ ኡራጋይ (17)፣ ክሮሽያ (18)

ሳንዱቕ ዕጫ ሰለስተ

ዴንማርክ (19)፥ ኣይስላንድ (21)፣ ኮስታሪካ (22)፣ ሲዊድን (25)፣ ቱኒዝያ (28)፣ ግብጺ (30)፣ ሰኔጋል (32)፣ ኢራን (34)

ሳንዱቕ ዕጫ ኣርባዕተ

ሰርብያ (38)፣ ናጀርያ (41)፣ ኣውስትራልያ (43)፣ ጃፓን (44)፣ ሞሮኮ (48)፣ ፓናማ (49)፣ ደቡብ ኮርያ (62)፣ ስዑድ ዓረብ (63)

ተወሳኺ መረዳእታ፡ መጻረይ ጸወታታት ናይ ዝሓለፋ ሃገራት ክትንብቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ዕጫ ምስወደቐ ክንሕብረኩም ኢና ተኸታተሉና።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት