ምድብ ሀ

ጋንታታት ምድብ ሀ

  1. ሩስያ
  2. ስዑድ ዓረብ
  3. ግብጺ
  4. ኡራጋይ

ራሻ (ኣአንጋዲት)

ጠመተ ኣብታ ኣአንጋዲት ሃገር

ድሕረባይታ፡ እታ ስታኒስላቭ ቸርከሶቭ 'ዚኣሰልጣኒኣ ሃገራዊት ጋንታ ራሻ፡ ንራብዓይ ግዜኣ'ያ ኣብ ዋንጫ ዓለም ክትሳተፍ። ንመጀመርታ እዋን ኣብቲ ኣሜሪካ ዝኣንገደቶ ናይ 1994 ዋንጫ ዓለም'ያ ተቐልቂላ፡ ዋላኳ ናይ ቀደም ሕብረት ሶቬት (ራሻ ቀንዲ ኣካላ ዝነብረ ሃገር) ኣብቲ 1966 ራብዓይ ወጺኣ እንተነበረት።

ብምሉኦም እቶም ኣብቲ ዋንጫ ኮንፈደረሽን 2017 ዝተሳተፉ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ራሻ፡ ኣባላት ክለባት እታ ሃገር'ዮም።

ቀንዲ ተጻዋታይ፡ ገዲም ሓላው ልዳት (ፓሮቴለ) ኢጎር ኣኪንፊቭ ኮይኑ፡ ልዕሊ 100 ምስ ሃገራዊት ጋንቱኡ ዝተጻወተን፡ ተመክሮኡ ኣገዳሲ ክኸውን'ዩ ተባሂሉ ይንገረሉ። እቲ ንምሉእ ናይ ኩዕሶ እግሪ ዕድሚኡ ምስ ክለብ ሲ.ኤስ.ከይ.ኤ ሞስኮ ዘሕለፎ ወዲ 31 ዓመት፡ ካብቴን እታ ሃገራዊት ጋንታ ብምዃን ክመርሕ ትጽቢት ይግበረሉ።

ኣሰልጣኒ፡ ቸርከሶቭ ይበሃል፡ ድሕሪ'ቲ ናይ ዋንጫ ኮንፈደረሽን፡ እቲ ተመክሮ "ከብስሎም" እዩ ብምባል ንተጻወትቱ ኣተባቢዑ ነይሩ። እቲ ናይ ሶቬት ሕብረት ነበርን ራሻን ሓላው ልዳት ዝነበረ ኣሰልጣኒ፡ ኣበቲ ዝመጽእ ዓመት ዝካየድ ውድድር ፍርቂ ፍጸመ

ስዑድ ዓረብ፡

ድሕረ ባይታ፡ ስዑድ ዓረብ ኣብ ታሪኻ ንፈለማ እዋን ናብ ጸወታ ጽዋዕ ዓለም ዝተጸምበረት ኣብ 1994 ዓ/ም/ፈ እዩ ነይሩ። ንክልተ መጋጥምታ ሲዒራ ድማ ክሳብ ፍረቂ ፍጻመ ክትበጽሕ ኪኢላ ነይራ። ምስ በልጅየም ኣብ ዘካየደቶ ጸወታ ድማ ሓደ ን ባዶ ንኽትስዕር ብሕታዊትን ግዜ ዘይሰዓራን ሸቶ ዘመዝገበ ተጻዋታይ እታ ጋንታ ሳዓድ ኣል ኦዋርያን ነይሩ። ስዓድ ካብ ፍርቂ ሜዳ ተበጊሱ ንተኸላኻላይ በልጅም ኣስኪሩ ዘመዝገባ ሸቶ ስለዝነበረት ካብ ሕልና ብዙሓት ኣይትሃስስን።

Image copyright ROBERTO SCHMIDT
ናይ ምስሊ መግለጺ ተጻወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ስዑድ ዓረብ

ከኾብ ተጸዋታይ፡ ነባር ተሓላፋይ እታ ጋንታ ናስር ኣል ሻምራኒ ድምቀት ጸወታ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ስዑድ ዓረብ ክኽወን ብኣግኡ ትጽቢት ተገይርሉ ኣሎ። ኣብ ሓደ እዋን ብሉጽ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ኤስያ ኮይኑ ተመሪጹ ዝነበረ ናስር ቅድሚ 4 ዓማታት ብዝሰርሖ ጥፋኣት ሜዳ 8 ጸወታታት ንኸይጻወት ተኣጊዱ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

ዓላሚ ስዑድ ዓረብ መን እዩ? ጽቡቕ ሕቶ! ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ስዑድ ዓረብ መሪሑ ክሳብ እቲ ሕዚ በጺሓቶ ዘላ ደረጃ ዓሊሙ ዘምጽኣ ኣሰልጣኒ በርት ቫን ማርዊጂክ፡ ድሕሪ እዚ ኹላይ ዓወት ብሓዱሽ ኣርጀንቲናዊ ኣሰልጣኒ ኢድጋርዶ ባውዛ ተተኪኡ ኣሎ።

ግብጺ

ኣብዚ ሐዚ እዋን ብደረጃ ዓለም፡ ግብጺ ካብ ኔዘርላንድስ ቐጺላ፡ ኣብ ደረጃ ዓለም መበል 30 ተሰሪዓ ትርከብ። ድሕሪ ኣብ 2010ን 2014 ድሕሪ ዝበጽሓ ስዕረት 8 ጥቅምቲ 2017 ንኣንጻራዊት ጋንታ ኮንጎ ገጢማ ሩሲያ ኣብ ተሰናድኦ ግጥም ጽዋዕ ዓለም ትሳተፈሉ ዕድል ረኺባ።

ተጻዋቲ ጋንታ ሪቨልፑል መሓመድ ሳላሕ ዘቑጸራ ሸቶ ግብጺ ክትሓልፍ ክኢላ። ኣብ 2010 ግብጺ ን7ይ ግዜ ጽዋዕ ወሲዳ እያ።

ኣብ 56 ዓለምለኻዊ ግጥማት 32 ሸቶታት ዘቑጸረ መሓመድ ሳላሕ ውሩይ ክኢላ ኩዕሶ ግብጺ እዩ።

ተጻወቲ ፕሪምየር ሊግ

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ መሓመድ ሳላሕ

መሓመድ ሳላሕ (ጋንታ ሊቨርፑል)፥ መሓመድ ኢለነይ (ኣርሰናል)፥ ኣሕመድ ህጋዚ (ዌስት ብሮም)፥ ራማዳን ሶብሂ (ስቶክ)

ተጻወቲ ቻምፒየንሺፕ

ኣሕመድ ኢልሞሃማዲ (ኣስቶን ቪላ)

እቲ ሓለቃ መን'ዩ?

ኣብ 2015 ዝተሾመ ቅድም ክብል ጋንታታት ቫለንሺያን ኢንተር ሚላንን ዘሰልጠነ ኣርጀንቲናዊ ሄክቶር ኩፐር ሓለቃ እታ ጋንታ እዩ።

ካብ 2008 ክሳብ 2009'ውን ንጆርጂያ መሪሑ'ዩ። ናይ መወዳእታ ተሳትፎ ውድድር እዚ ሓለቃ ኣብ ጸወታ ፍጻመ ጽዋዕ ኣፍሪካ

ግብጺ ብካሜሮን ዝተስዓረትሉ ግጥም ኩዕሶ 2017 እዩ።

ኡራጓይ

ድሕረ ባይታ፡ ኡራጋይ ኣብ 1930 ፈላማይ ጽዋዕ ዓለም ወሲዳ። ዳግማይ ድማ 1950 ዝወሰደት እንትትኸውን፡ ብ2014 ኣብ ዝነበራ ተሳትፎ ኣብ ናይ መወዳእታ ሕሩያት 16 በጺሓ'ያ።

ቁልፊ ተፃዋቲ፡ ሉዊስ ስዋሬዝ። ኣጥቃዓይ ጋንታ ባርሴሎና ስዋሬዝ ክብረወሰን ኮኾብ ሸቶ መቑፀራይነት ሃገሩ ዝተቖፀፀረ'ዩ። ሃገሩ ንቦሊቪያ ኣብ ዝገጠመትሉ እዋን፡ ክልተ ግዜ ሸቶ ኣቑጺሩ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ሊዊስ ስዋሬዝ

ኣሰልጣኒ መን'ዩ? ኦስካር ታባሬዝ፡ ካብ 2006 ጀሚሩ ኣሰልጣኒ ኡራጋይ እዩ። 2011 ናብ ኮፓ ኣሜሪካ ክሳብ ክበፅሑ ገይሩ።