ምድብ ለ

ጋንታታት ምድብ ለ

  1. ፖርቹጋል
  2. ስፐይን
  3. ኢራን
  4. ሞሮኮ

ፓርቱጋል

ድሕረባይታ፡ ድሕሪ'ቲ ኣብ ናይ መወዳእታ ግጥም ዋንጫ ኣወሮጳ 2016 ንፈረንሳ 1-0 ምስዓራ፡ ጋንታ ፓርቱጋል ናይ ኣውሮጳ ውድድር ቻምፒዮን ዘላ'ያ። እቲ ዝሓሸ ደረጃ ኣብ ዋንጫ ዓለም ዝበጽሕዎ፡ ኣብቲ ናይ 1966 ሳልሳይ ምውጽኦም'ዩ። ኣብቲ ናይ 2006 ድማ ኣብ ፈርቂ ፍጻሜ ክበጽሑ እንተኻኣሉ፡ ኣብ 2014 ግና ክንዮ መድረኽ ጉጅለ ክሓልፉ ኣይከኣሉን።

ክርስቲያኖ ሮናልዶ ንሃገሩ 91 ሸቶታት ኣመዝጊቡ ይርከብ።

Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ክርስቲያኖ ሮናልዶ ንሃገሩ 91 ሸቶታት ኣመዝጊቡ ይርከብ

ቀንዲ ተጻዋታይ፡ መን ዳኣ ክኸውን? ክርስትያኖ ሮናልዶ። ንኣርባዕተ ጊዜ ብሉጽ ተጻዋታይ ብምዃን ተመሪጹ። ኣብታ ጋንታ እቲ ዝለዓለ ግጥማት ዝተጻወተ ኮይኑ፡ ናይታ ጋንታ ዝለዓለ ሸቶታት ዘመዝገበ'ወን እዩ። እቲ ናይ ሪያል ማድሪድ ኣጥቃዓይ፡ ኣርባዕተ ናይ ቻምፕዮንስ ሊግ ዓወት ዘተጎናጸፈን፡ 15 ሸቶታት ኣብ መጻረዪ ናይዚ ዝቕጽል ዋንጫ ዓለም ንሃገሩ ዘመዝገበን'ዩ።

ኣሰልጣኒ፡ ፈርናንዶ ሳንቶስ ኣብ መስከረም 2014'ዩ ሓላፍነት ናይታ ሃገራዊት ጋንታ ተረኪቡ። ድሕሪ ክልተ ዓመት ድማ ኣብቲ ናይ ኣውሮጳ 2016 ውድድር ዋንጫ ከም እትዓትር ጌርዋ'ዩ። ኣብቲ ናይ 2014 ዋንጫ ዓለም፡ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ግሪኽ ብምዃን ዝተሳተፈ ክኸውን እንከሎ፡ ነታ ጋንታ ናብ ጉጅለ 16 ምስ ኣብጻሓ፡ ብኮስታሪካ ብፍጹም ቅላዕ ተሳዒራ ወጺኣ።

ስጳኛ

ድሕረባይታ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ታርታ ዓለም መበል 11 ተሰሪዓ እትርከብ ጋንታ ስጳኛ፡ ካብ 2008 ክሳብ 2013 ኣብ ዝነበረ እዋን ቀዳማይ ደረጃ ሒዛ ነይራ። እታ ጋንታ ኣብ 2010 ዋንጫ ዓለም ዝጨበጠት ኮይና፡ ኣብ 2008ን 2012 እውን ናይ ኣውሮጳ ዋንጫ ዓቲራ'ያ።

ኢስኮ ኣብቲ ሃገሩ ንጣልያን 3 - 0 ዝሰዓረትሉ ጸወታ ክለተ ሸቶታት ኣመዝጊቡ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ኢስኮ፡ ኣብቲ ሃገሩ ንጣልያን 3 - 0 ዝሰዓረትሉ ጸወታ ክለተ ሸቶታት ኣመዝጊቡ

ቀንዲ ተጻዋታይ፡ እቲ ናይ ሪያል ማድሪድ ኣከፋፋላይ ዝኾነ ኢስኮ፡ ኣብቲ ናይ መጻረዪ መድረኽ ዝናኣድ ብቕዓት ዘርኣየ ኾይኑ፡ ኣብ 7 ግጥማት 6 ሸቶታት ከመዝግብ እንከሎ፡ ሓንቲ ድማ ንካልእ ብምምጋብ ዓቢ ተራ ተጻዊቱ። ኣብ ኣህጉራዊ ውድድራት ኣብ ዝተሳተፈን 23 ጸወታታት 7 ሸቶታት ኣመዝጊቡ።

ኣሰልጣኒ፡ ጁለን ሎፕተጒ ኣብ ሓምለ 2016 ከም ኣሰልጣኒ'ታ ጋንታ ካብ ዝኸውን ንደሓር፡ ን13 ግጥማት ከይተሳዕረ ቀጺሉ። ዋላኳ ንዓበይቲ ናይ ምስልጣን ተመክሮ ዘለዎ እንተዘይኮነ፡ ናይ ትሕቲ 21ን 19ን ናይ ኣውሮጳ ዋንጫታት ዝተዓወተ እዩ።

ኢራን

ድሕረ ባይታ፡ ኣብ መጻረይ ጸወታ ጽዋዕ ዓለም 5 ግዜ ዝተሳተፈት ኢራን፡ ብ1998 ዓ/ም/ፈ ኣብ ፈረነሳይ ተኻይዱ ኣብ ዝነበረ ጸወጣ ጽዋዕ ዓለም ንኣሜሪካ 2 ን ሓደ ብምርታዕ ተዓዊታ ነይራ።

ኢራን ናብ ዋንጫ ዓለም ክትጽምበር ዝገበረ ድማ ካርሎስ ኪሮዝ እዩ።

ኮኸብ ተጻዋታይ፡ ሳርዳር ኣዝሙን ድሕሪ ንፉዕ ሸቶ መቑጸራይ ዓሊ ዳይ ቀጺሉ ኣብ ምደረ ኤስያ ዝነገሰ ጎበዝ ኣጥቓዓይ እዩ። ንሩስያዊት ክለብ ሩቢን ካዛን ዝጻወት ወዲ 22 ዓመት ኣዝሙን፡ ኩዕሶ ኣብ መሬትን ኣየርን ክጻወት ንፉዕ ከምዝኾነ ይግለጸሉ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ሳርዳር ኣዝሙን

ኣሰልጣኒ ኢራን መን እዩ? ብመዳይ ዓለም ለኸ ተሞክሮ ኣሰልጣንነት ኩዕሶ እግሪ ንፉዕ ተወዳዳራይ ከመዝኾነ ዝዝረበሉ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢራን ካርሎስ ኪዩሮዝ ሓጋዚ ኣሰልጣኒ ማንችስተር ዩናይትድ ነበር ኣሌክስ ፎርግሰን፣ ኣሰልጣኒ ርያል ማድሪድን ደቡብ ኣፍሪቃዊት ክለብ ሊዝበን ኮይኑ ሰሪሑ እዩ። ምስ ኢራን ድማ ሽዱሽተ ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ።

ፖርችጋላዊ ኣሰልጣኒ ጋንታ ኢራን ካርሎስ ኪዩሮዝ፡ ''ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ኢራን ንታሪኾምን ክብሮምን ኢሎም ዝጻወቱ ውፉያት ተጻወትቲ እዮም'' ክብል ዓቕምን ክእልትን ዘሰልጥኖም ተጻወትቲ ኣሞጊሱ።

ኢራን ብጸወታ ኩዕሶ እግሪ ካብ ዓለም ኣብ መበል 24 ደረጃ ተሰሪዓ ትርከብ።

ሞሮኮ

ኣብቲ ዝመጽእ ክረምቲ፤ ሞሮኮ ኣብ ውሽጢ 20 ዓመታት ንፈለማ እዋን ንጸወታ ጽዋዕ ዓለም ክትሳተፍ ዕያ። ኣብ 1998 ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝተኻየደ ጸወታ፡ ካብ ጉጅለኻ ዘሕርየካ ዓወት ወይ ስዕረት ጥራሕ ኣይነበረን። ኣብ 1986 ኣብ ሜክሲኮ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ፍጻመ መስርዕ 16 ሕጹያት ደረጃ ሒዞም ሓደ ንባዶ ብምዕራብ ጀርመን ድማ ተረቲዖም።

ቁልፊ ተጻዋቲ

ቻምፒዮና ጥልያን ተኸላኻሊ ጋንታ ጁቬንቱስ መድሂ ብናቲያ፤ ኣብዚ ዓመት ብቀዋምነት ናብ ባር ሙኒክ ፈሪሙ ። እዚ ወዲ 30 ዓመት ካፒቴን ሞሮኮ 52 ቅጽላት ኣለዉዎ። እቶም 5ተ ኣብ መጻረዪ ጸወታ 2018 ኣብ ዝተኻየደ ጸወታ ዝተረኸባ እየን። ኣብዚ እዋን፡ መሲ ኣብ ኣይቬሪኮስት ብዝተኻየደ ጸወታ 2 ን1 ዝተዛዘመ ጸወታ ሓደ ሸቶ ኣቑጺሩ'ዩ።

Image copyright Rex Features
ናይ ምስሊ መግለጺ መድሂ ብናትያ

መድሂ ብናቲያ ካብ ባየር ሙኒክ ናብ ጁቬንቱስ ቀዋሚ ውዕል ፈሪሙ

ተጻወቲ ፕሪሚየር ሊግ ሶፋኒ ቦፋል (ሳውዝኣምፕተን)

ተጻወቲ ቻምፒየንሺፕ ሮማኒ ሳሲ (ዎልቭስ)

ሓለቓ መን'ዩ?

ኣብ 1998 ካብ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ዓርሱ ዘግለለ ፈረንሳዊ ህርቪ ሬናርድ'ዩ። ቅድም ክብል ሓለቃ ካምብሪጅ ዩናይትድ ዝነበረ እንትኾን ክልተ ግዜ ጽዋዕ ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ወሲዶም። እዚ ኣብ 2012 ምስ ዛምቢያ፤ ኣብ 2016 ድማ ምስ ሞሮኮ ኣብ ዝነበሩ ግጥማት'ዩ።