ምድብ ሰ

ጋንታታት ምድብ ሰ

  1. ብራዚል
  2. ሲወዚራልንድ
  3. ኮስታሪካ
  4. ሰርብያ

ብራዚል

ድሕረ ባይታ፡ ኣብ 1958፣ 1962፣ 1970፣ 1994ን 2002 ተዓዊታ። ነዚ ዓብዪ መድረኽ ዝተቖፃፀረት ብራዚል፡ ቅድሚ 4ተ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ግጥም ኩዕሶ እግሪ ጽዋዕ ዓለም ኣብ ፍርቂ ፍጻመ ብሰፊሕ ኣፈላላይ 7ን ሓደ ብጀርመን ተረቲዓ'ያ።

ቁልፊ ተፃዋቲ፡ ኔይማር። ናብ ፓሪስ ሴንት ጀርመን ብኽባር ዋጋ ዝተጸምበረ ኔይማር፡ ኣብ ነብሲ ወከፍ ፀዋታ ብማእኸላይ ገምጋም ሓደ ሸቶ እንተቑፀር ሕንቲ ንሸቶ እትበቅዕ ኩዕሶ'ውን የቐብል። ነባር ተጻዋቲ ብራዚል ፔሌ፡ እዚ ወዲ 25 ዓመት መንእሰይ፡ ብሉጽ ተጻዋቲ እታ ሃገር ክኸውን'ዩ ክብል ገሊፁ። ሽልማት ባላንዶ ክዕወት'ዉን ሓጊዙዎ'ዩ።

ኣሰልጣኒ መን'ዩ? ኣዴኖር ሊዮናርዶ ባቺ ወይ ድማ 'ቲቴ'።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ነይማር

ስዊዘርላንድ

ድሕረባይታ፡ ንስዊዘርላንድ፡ እዚ ንበል 11 ግዚኣ እትሳተፎ ዋንጫ ዓለም ክኸውን'ዩ። ቅድሚኡ እታ ጋንታ ንሰለስተ ግዜ ናብ ርብዒ ፍጻሜ በጺሓ ነይራ፡ ሓደ ካብኡ ድማ ኣብቲ እታ ሃገር ዝኣንገደቶ ናይ 1954 ዋንጫ ዓለም'ዩ። ኣብቲ ናይ 2014 ድማ ኣብቲ ናይ 16 መደረኽ ምስ በጽሐት በታ ኣብቲ ውድድር ካልኣይቲ ዝወጸት ኣርጀንቲና ተሳዒራ ካብቲ ውድድር ተሳናቢታ።

ኣብዚ ናይዚ ዓመት'ዚ ናይ ምጸራይ መስርሕ ካኣ፡ ኣብቲ ወሳኒ-ግጥም ንሰሜን ኣየርላንድ ብምስዓር'ያ ንራሻ ምሕላፋ ኣረጋጊጻ።

Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብዚ ናይዚ ዓመት'ዚ ናይ ምጸራይ መስርሕ ካኣ፡ ኣብቲ ወሳኒ-ግጥም ንሰሜን ኣየርላንድ ብምስዓር'ያ ንራሻ ምሕላፋ ኣረጋጊጻ

ቀንዲ ተጻዋታይ፡ ዘርዳን ሻኪሪ። እዚ ንፉዕ ናይ ስቶክ ሲቲ ኣከፋፋላይ ንሃገሩ 20 ሸቶታት ኣመዝጊቡ ይርከብ። ካብተን ዘመዝገበን ሸቶታት እተን ኣንጻር ሆንዱራስ ዘእተወን ስሉሳዊ ሸቶታት (ሃት-ሪክ) ይረከባአን።

ኣሰልጣኒ፡ ቭላዲሚር ፐትኮቪች፡ ካብ 2014 ጀሚሩ'ዩ ነታ ጋንታ ኣብ ምስልጣን ዝጸንሐ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብቲ ናይ 2016 ናይ ኣወሮጳ ሃገራት ውድድር ናብ መደረኽ 16 ኣብጺሕዎም'ዩ። እቲ ኣብ ሳራየቮ ዝተወለደ ኣሰልጣኒ፡ ናይ ስዊዘርላንድ ፓስፖርት ዘለዎ ኾይኑ፡ ኣብ 2013 ኣሰልጣኒ ክለብ ላዝዮ ብምዃን ዋንጫ ጣልያን (ኮፓ ኢታልያ) ክዕወት ኪኢሉ ነይሩ።

ኮስታ ሪካ

ድሕረ ባይታ፡ እዛ ጋንታ ናብ ፅዋዕ ዓለም ክትሓልፍ ከላ እዚ ናይ ሩስያ ሓምሻይ ግዜኣ'ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ፅዋዕ (ብራዚል ኣብ ዘእንገደቶ) ኡራጓይ፣ ጣልያንን እንግሊዝን ኣብ ዝተመደባሉ ጉጅለ ዝነበረት እንትትኸውን ነቲ ምድብ መሪሓ ዛዚማ። እንግሊዝ ኣብ መወዳእታ ኮይና ዛዚማ።

ቁልፊ ተፃዋታይ፡ ተኸላኻላይ ቦሎኛ ጂያንካርሎ ጎንዛለዝ፡ ጋንትኡ ኣብ 2014 ብቢቢሲ ብልፅቲ ሃገራዊት ጋንታ ኮይና ክትሕረ ኣኽኢሉ ነይሩ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ንዘሎ ዕውት ጉዕዞ እታ ሃገራዊት ጋንታ ዝለዓለ እጃም ዝወስድ ግን ኬይለር ናቫስ እዩ። እዚ ወዲ 30 ዓመት ሓላዊ ማዕፆ፡ ኣብ ዝሓለፈ ፅዋዕ ዓለም ዝነበሮ ብቕዓት ብጋንታ ሪያል ማድሪድ ክጥለብ ገይርዎ። ካብቲ ሽዑ እዋን ንደሓር ብቕዓቱ እናመስከረ ይርከብ። ምስ ጋንትኡ ኮይኑ ሓደ ፅዋዕ ስፓኒሽ ሊግን ክልተ ፅዋዓት ቻምፒዮንስ ሊግን ረኺቡ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ኮስታሪካ

ኣሰልጣኒ መን'ዩ? ኦስካር ራሚረዝ፡ ኮስታሪካ ኣብ 1990 ዋንጫ እንትትረክብ ተፃዋታይ ነይሩ። ካብ ተፃዋታይነት ናብ ኣሰልጣንነት ኣብ ዝኣተወሉ እዋን ብቕዓቱ ብተግባር እናረጋገፀ ዝመፀ'ዩ።

ሰርቢያ

ድሕረባይታ፡ እዚ ናይ ራሻ ዋንጫ ዓለም፡ ሰርቢያ መበል 12 ግዚኣ እትሳተፎ ዘላ'ዩ። ኣብተን ናይ 2006ን 2010ን ኲኖ መደረኽ ጉጅለ ክትሓልፍ ኣይከኣትን።

ብራኒስላቭ ኢቫኖቪች ክሳብ ሕጂ 95 ጸወታታት ምስ ሃገሩ ተሳቲፉ'ሎ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ብራኒስላቭ ኢቫኖቪች ክሳብ ሕጂ 95 ጸወታታት ምስ ሃገሩ ተሳቲፉ'ሎ

ቀንዲ ተጻዋታይ፡ እቲ መበል100 ጸወታኡ ምስታ ጋንታ ንምመዝጋብ ቀሪቡ ዝርከብ ብራኒስላቭ ኢቫኖቪች ዓይኒ ናይታ ጋንታ'ዩ። ካፕቴንን መራሕን ናይታ ጋንታ'ውን እዩ። ኣብቲ ምሕላፎም ዘረጋገጽሉ ሜዳ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ "ኣብ ራሻ ንዓኹም ክንጻወት ንምነ" ክብል ንደገፍቲ እታ ጋንታ ተዛሪቡ።

ኣሰልጣኒ፡ እቲ ኣብ ግንቦት 2016 ዝተቖጸረ ስላቮለጁብ ሙስሊን፡ ብዙሕ ዝተጓዕዘ ኣሰልጣኒ'ዩ። ንመጀመርታ ግዚኡ ሃገራዊት ጋንታ ዘሰልጥን ዘሎን ኣብ ዓበይቲ ውድድራት ተሳቲፉ ዘይፈልጥ እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ቡልጋራያ ግን ናይ ሊግ ዓወታት ዝተጎናጸፈ'ዩ።