ምድብ ሸ

ጋንታታት ምድብ ሸውዓተ

  1. በልጅየም
  2. ኢንግሊዝ
  3. ቱኒዝያ
  4. ፓናማ

በልጁም

ድሕረባይታ፡ ኣብተን ኣቐዲመን ዝነበራ ክልተ ውድድራት ዋንጫ ዓለም ክትሓልፍ ዘይከኣለት ሃገራዊት ጋንታ በልጁም፡ ኣብቲ ኣብ ብራዚል ዝተኻየደ ናይ 2014 ውድድር ግና ናብ ርብዒ ፍጻመ ድሕሪ ምብጽሓ፥ በታ ካልአይቲ ዝወጸት ኣርጀንቲና ተሳዒራ ካብቲ ውድድር ተገሊፋ። እቲ እቶም 'ቀያሕቲ ሰይጣውንቲ' ተባሂሎም ዝጽውዑ ጋንታ ዘመዝገብዎ ዝበለጸ ውጺኢት፡ ኣብቲ ናይ 1986 ዋንጫ ዓለም ራበዓይቲ ዝወጽእሉ'ዩ።

ኤደን ሃዛርድ ወዲ 17 ዓመት እንከሎ ኣብቲ ናይ 2008 ውድድር ተሳቲፉ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ኤደን ሃዛርድ ወዲ 17 ዓመት እንከሎ ኣብቲ ናይ 2008 ውድድር ዋንጫ ዓለም ተሳቲፉ

ቀንዲ ተጻዋታይ፡ ኤደን ሃዛርድ። እቲ ፈጣናት ኣእጋር ዝውንን ናይ ቸልሲ ኣጥቃዓይ፡ ንምክልኻል ዓቕሚ ተቐናቐንቲ ክብጥስ ዝኽእልን፡ ፍጥነቱ ብቕልጡፍ ዝቐያይር፡ ኩዕሶ ናይ ምቁጽጻር ምሕላፍን ክእለት ኣለዎ። ሃዛርድ፡ ናይታ ጋንታ ናይ ካፕቴን ኣርማ ዝኣስር ድማ'ዩ።

ኣሰልጣኒ፡ እቲ ዝዓበየ ናይ ሮቤርቶ ማርቲነዝ ኣብ ፕሪሜርሊግ ዓዲ እንግሊዝ ዝጨበጦ ዓወት፡ ንክለብ ዊጋን ናይ ኤፍ.ኤ. (FA) ዋንጫ ክትዓትር ምግባራ'ዩ።

ናይ ምጥቃዕ ኣወዳድባ እቲ ናይ ስዋንዚን ኤቨርተንን ኣሰልጣኒ ነበር ኣብ ሕቶ ዝኣቱ እኳ እንተዘይኮነ፡ ናይ ምክልኻልል ብቕዓቱ ብክለብ ደረጃ ግን ኣዘራራቢ ጉዳይ'ዩ ነይሩ። እዚ ግና ኣብዚ ናይ በልጁም ጋንታ ጸገም ኣይክኽውንን'ዩ፡ ምኽንያቱ እታ ጋንታ ከም ያን ቨርቶገንን ቶቢ ኣልደርወይረልድን ዝበሉ ናይ ቶተንሃም ተኸላኸልቲን፡ ሓለቓ ክለብ ማንቸስተር ሲቲ ዝኾነ ቪንሰት ኮምፓኒን ዘሰለፈት ስለዝኾነት።

ኢንግላንድ

ድሕረባይታ፡ ኢንግላንድ፡ ድሕሪ'ቲ ኣብ 1966 ዝጨብጥዎ እንኮ ዋንጫ ዓለም፡ ኣብ ሓደ እዋን ጥራዮም ናብ ፍርቂ ፍጻሜ ክብጽሑ ኪኢሎም፡ ንሱ ድማ እቲ ራባዓይ ዝወጽሉ ናይ 1990 ውድድር'ዩ ነይሩ። ኣብቲ ናይ 2014፡ እቶም ብ'ሰለስተ ኣናብስ' ዝፍለጡ፡ ኣብ ናይ ጉጅለ ደረጃ'ዮም ካብቲ ውድድር ተሰናቢቶም። እዚ ድማ ድሕሪቲ ናይ 1958 ንመጀመርታ ካብ ናይ ጉጅለ ደረጃ ዝውጽሉን፡ ድሕሪ ክልተ ጸወታታት ዘጋጠሞም ስዕረት'ዩ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ኢንግላንድ ኣብቲ ናይ 2014 ዋንጫ ዓለም ክንዮ ናይ ጉጅለ ደረጃ ክትሓለፍ ኣይከኣለትን

ኢንግላንድ ኣብቲ ናይ 2014 ዋንጫ ዓለም ክንዮ ጉጅለ ደረጃ ክትሓለፍ ኣይከኣለትን።

ቀንዲ ተጻዋታይ፡ ሃሪ ኬን ኣብዚ ዝሓለፈ መስከረም፡ ምስ ክለቡን ሃገረን 13 ሸቶታት ብምምዝጋብ፡ ካብቶም ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ብቕዓት ዝርከቡ ናይ ዓለም ኣጥቃዕቲ እዮ። ኣብ 2017 27 ሸቶታት ብምምዝጋብ ብናይ ትሸዓተ ሸቶታት ፍልልይ ደድሕሪ ሊዮነል መሲ ክስራዕ ኪሊሉ ኣሎ።

ኣሰልጣኒ፡ ጋረት ሳውዝጌት ነታ ጋንታ ንመጀመርታ ግዜ ናብ ሓደ ዓቢ ውድድር ክመርሓ'ዩብ። ኣብ ትሕቲኡ፡ ኢንግላንድ ክልተ ሳዕ ጥራይ ተሳዒራ ኣላ፡ ንሱ ድማ ብጀርመንን ፈረንሳን እዩ። ኣብቲ ናይ ምጽራይ ውድድራት ግና ከይተሳዕረት'ያ ሓሊፋቶ።

ቱኒዚያ

ቱኒዚያ ኣብቲ ዝመጽእ ክረምቲ ንፈለማ እዋን ኣብ ፍጻመ ጸወታ ጽዋዕ ዓለም ክትሳተፍ እያ። ንዝሓለፉ ዓመታት ኣብ 2006 ኣብ ጀርመን ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ ድሕሪ ዝበጽሓ ስዕረት ካብቲ ተሳትፎ ተገሊላ ጸኒሓ እያ። ኣብ 1978፥ 1998ን 2002ን ኣብ ዝነበሩ ግጥማት ፍጻመ'ውን እንተኾነ ቱኒዚያ መፍትሕ ጸወታ ጽዋዕ ዓለም ንምርካብ ዘካየደቶ ፈተነ ፈሺሉዋ'ዩ።

ቁልፊ ተጻዋቲ

ኣይመን ኣብደኑር ውሩይ ተኸላኻሊ ቱኒዚያ'ዩ። ኣብዚ ሐዚ እዋን ካብ ቫሌንሺያ ብልቓሕ ኸይዱ ኣብ ፈረንሳዊት ክለብ ማርሲሌ ይርከብ። ወዲ 28 ዓመት ኣይመን ኣብደኑር ኣብ 57 ዓለምለኻዊ ውድድራት ተሳቲፉ።

ቅድም ክብል ምስ ጋንታታት ኤቨርተንን ቸልስን ዝተጻወተ ኣብደኑር ኣብዚ ሐዚ እዋን ቀልቢ ዋትፎርድ ስሒቡ ይርከብ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣይመን ዓብደኑር

ተጻወቲ ቻምፒየንሺፕ

ዋህቢ ክዝሃሪ (ብልቓሕ ኣብ ሬነስ ዝርከብ ተጻዋቲ ሰንደርላንድ)

ሓለቓ መን'ዩ?

ናቢል ማሎል ን2ይ ግዘ ኣሰልጣኒ ጋንታ ቱኒዚያ ኾይኑ ኣሎ። ኣብ 2014 ንዝዳሎ ጸወታ ጽዋዕ ዓለም ብ2013 ዝተኻየደ መጸረዪ ጸወታ ከይሓለፈ ሃገሩ ከሳትፍ ዘይምኽኣሉ ንነበሱ ካብ መሪሕነት ኣግሊሉ ጸኒሑ'ዩ። ዳግም ሚያዝያ 2017 ተመሊሱ። ቅድሚኡ ግና ቱኒዚያ ጽዋዕ ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪካ ኣብ 20014 እንተተልዕል ሓጋዚ ኣሰልጣኒ ሮገር ለመሬ ኾይኑ ሰሪሑ ፤ ኣብ 2011 ድማ ንጋንታ ቱኒስ ናብ ታሪካዊ ዓወት ኣብቂዕ'ዩ።

ኣብ 1980ታትን 1990ታትን ናይ ማእኸል ተጻዋቲ ኾይኑ ኣብ ዝተጻወተሉ ንቱኒዚያ ኣብ 74 ጸወታታት ከምእትዕወት ገይሩ'ዩ።

ፓናማ

ድሕረ ባይታ፡ ፓናማ ናብ ፅዋዕ ዓለም ንፈለማ እዋን ሓሊፋ።

ቁልፊ ተፃዋታይ፡ ሉዊስ ተጃዳ፤ ዕድሚኡ 35 እንተመልኦ'ውን ኣብ ሩስያ ኣብ ዝዳለው ግጥማት ዋንጫ ዓለም ግን ተስፋ ገይሮምሉ ኣለው። ንሃገራዊት ጋንትኡ 42 ሸቶታት ብምቑፃር ክብረወሰን ሒዙ ይርከብ።

ኣሰልጣኒ መን'ዩ? ኮሎምቢያዊ ሄርናን ዳርዮ ጎሜዝ ንዝተፈላለያ ጋንታታት ብምስልጣን ዓለም-ለኻዊ ተሞክሮ ኣለዎ። ኣብ ሃገሩ'ውን ክልተ ግዜ ኣሰልጢኑ። እዚ ድማ ሳልሳይ ግዚኡ'ዩ።

Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ፓናማ