ምድብ ቀ

ጋንታታት ምድብ ቀ

  1. ፖላንድ
  2. ኮሎምብያ
  3. ሰኔጋል
  4. ጃፓን

ፓላንድ

ድሕረባይታ፡ ሃገራዊት ጋንታ ፓላንድ መበል 6 ናይ ተርታ ዓለም ተሰሪዓ ትርከብ። ዋንጫ ዓለም ወሲዶም ኣይፈልጡን'ዮም፡ እንተኾነ ግና እዛ ዘላ ጋንታ እታ ዝሓየለት ምዃና ይንገረላ። እዚ ዝለዓለ ዝበጽሕዎ ደረጃ ኣብቲ ናይ 1972ን 1982ን ሳልሳይ ደረጃ ዝሓዝሉ እዩ።

ተጻዋታይ ክለብ ባየር ሙኒክ ዝኾነ ለዋንዶውስኪ፡ ንፈለማ እዋን ኣብዚ ናይ ራሻ ዋንጫ ዓለም ክሳተፍ'ዩ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ተጻዋታይ ክለብ ባየር ሙኒክ ዝኾነ ለዋንዶውስኪ፡ ንፈለማ እዋን ኣብዚ ናይ ራሻ ዋንጫ ዓለም ክሳተፍ'ዩ

ቀንዲ ተጻዋታይ፡ ኣጥቃዓይ ክለብ ባየር ሙኒክ ዝኾነ ሮበርት ለዋንዶውስኪ፡ ኣብ 9 ናይ ሃገሩ ናይ መጻረዪ ግጥማት 16 ሸቶታት ብምምዝጋብ ኣብ ታሪኽ እታ ጋንታ እቲ ዝለዓለ ኣመዝጋቢ ኮይኑ ይርከብ። እቲ ካፕቴን ናይታ ጋንታ ዝኾነ ኣጥቃዓይ፡ ኣብ 91 ዓለምለኻዊ ወድድራት 51 ሸቶታት ኣመዝጊቡ'ሎ።

ኣሰልጣኒ፡ ኣዳም ናዋልካ ካብ ሕዳር 2016 ጀሚሩ ሓላፍነት ናይታ ጋንታ ተሰኪሙ። ክሳብ ሕጂ ድማ ኣብ 39 ግጥማት ከም ኣሰልጣኒ ጋንታ ፓላንድ መሪሑ ኣሎ። ኮንትራቱ (ውዕሉ) ኣብ ታሕሳስ ከኽትም'ዩ፡ እንተኾነ ግና፡ ድሕሪ'ቲ ናይ ዋንጫ ዓለም 2014 ከይሓለፈት ምትራፋ፡ ኣብቲ ናይ 2016 ናይ ኣወሮጳ ሃገራት ወድድር ነታ ጋንታ ናብ ርብዒ ፍጻሜ ከብጽሓ ብምኽኣሉ ምስታ ጋንታ ብምቕጻል ኣብቲ ናይ ዝመጽእ ዓመት ከም ኣሰልጣኒ ኾይኑ ክቕጽል ትጽቢት ኣሎ።

ኮሎምቢያ

ድሕረ ባይታ፡ ኣብ ታሪኻ ዝሓሸ ውፅኢት ዝረኸበትሉ እዋን ብ2014 ኣብ ብራዚል ኣብ ዝተኻየደ ፅዋዕ ዓለም እንትኸውን፡ ናብ ርብዒ ፍጻመ በፂሓ ነይራ። ይኹን'ምበር ብራዚል ክልተ ንሓደ ስዒራ ሰንያታ።

ቁልፊ ተፃዋቲ፡ ተጻዋቲ ማእኸል ጀምስ ሮድሪጌዝ። ካብ ሪያል ማድሪድ ብልቓሕ ናብ ባየር ሙኒክ ዝተዛወረ እንትኾን፡ ኣብ ጽዋዕ ዓለም 2014 ብሉጽ መቑጸራይ ሽቶ ብዝብል ተሸላሚ ወርቂ ጫማ ኮይኑ'ዩ። ኣብ ጽዋዕ ዓለም 6ተ ሸቶታት ኣቑጺሩ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ጀምስ ሮድሪጌዝ

ኣሰልጣኒ

ኣሰልጣኒ መን'ዩ? ጆሴ ፔኬርማን፡ ካብ 2012 ጀሚሩ ንጋንታ ኮሎምቢያ እናሰልጠነ ይርከብ። ካብቲ ሽዑ እዋን ጀሚሩ ኣብ ብሉጽ ኣሰልጣኒ ደቡብ ኣሜሪካ ተባሂሉ ሰለስተ ግዘ ተዓዊቱ።

ሰኔጋል

ኣብ ታሪክ፡ ሰኔጋል ን2ይ ግዘ ኣብ ጽዋዕ ዓለም ክትሳተፍ ዕድል ዝረኸበት ድሕሪ 2002 ሐዚ ንፈለማ እዋን'ዩ። ኣብ 2002 ርብዒ ፍጻመ በጺሓ ብኣንጻራዊት ጋንታ ቱርኪ ሓደ ንባዶ ተረቲዓ ተፋኒያ እያ።

ተጻወቲ

ሳዲዮ ማኔ፤ ኣብ 48 ዓለምለኻዊ ውድድራት ብምስታፍ 14 ሸቶታት ብምቑጻር ኣብ ጋንታታት ምዕራብ ኣፍሪካ ጽቡቕ ተሞክሮ ዘኻዕበተ፥ ተጻዋታይ'ዩ። ኣብ 2015 ኣብ ፕሪሚየር ሊግ ሓዱሽ ክብረ ወሰን ኣመዝጊቡ'ዩ። "ፈጣን ምትላል" ብምጥቃም ኣብ ውሽጢ 176 ስኮንድ 3ተ ሸቶ ምምዝጋቡ ክብረ ወሰን ክረክብ ኣኽኢሉዎ'ዩ።

እዚ ሳወዝኣምብተን ንኣስቶንቪላ ኣአንጊዳ 6ተ ንሓደ ኣብ ዝተረትዐትሉ እዋን'ዩ። ኣብ 2016 ናበ ጋንታ ሊቨርፑል እንትዛወር ካብ ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪካ እቲ ዝኸበረ ብዝገብሮ ተኸፋሊ 34ሚሊዮን ፓውንድ'ዩ።

ተጻወቲ ፕሪምየር ሊግ

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ሳድዮ ማኔ

ችክሁ ኩያት ካብ (ውስትሃም)፥ ዲያፍራ ሳኮህ (ውስት ሃም)፥ ኢድሪሳ ጉዬ (ኤቨርተን) ከምኡ'ውን ሳዲዮ ማን (ሊቨርፑል)

ተጻወቲ ቻምፒየን ሺፕ

ኣልፍሬድ ኒዲዬ ካብ (ዎልቭስ)፥ ችኪህ ኒዶዬ (ቢርሚንግሃም ሲቲ)

ሓለቓ መን'ዩ?

ተጻዋቲ ጋንታታት ሰኔጋል፥ ፖምፐይን ቢርሚንግሃም ሲቲን ዝነበረ ኣሊዑ ሲሴ'ዩ።

ጃፓን

ድሕረ ባይታ፡ ጃፓን ካብ 1998 ዓ/ም/ፈ ጀሚራ ክልተ ግዜ ክሳብ ፍረቂ ፍጻመ በጺሓ እያ። ምስ ደቡብ ኮርያ ተሻሪኻ ኣብ ዘሰናዳኣቶ ግጥም ዋንጫ ዓለም እውን ክሳብ ፍረቂ ፍጻመ ሓሊፋ ምንባራ ዝዝከር እዩ።

Image copyright Clive Rose
ናይ ምስሊ መግለጺ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ጀፓን ምስ ብራዚል ኣብ ምሕዝነታዊ ጸወታ

ኮኸብ ተጻዋታይ፡ ጃፓን፡ ሩስያ ኣብ እተካይዶ ጸወታ ጽዋዕ ዓለም ብከዋኽብቲ ተጻወታ ከሱኬ ሆንዳ፣ ሺንጂ ካጋዋን ሺንጂ ኦካዛኪን ከምእትደምቕ ካብ ብገንኡ ተኣሚቱ ኣሎ።

ካሊእ ድምቀት ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ክኸውን ትጽቢት ዝተገብረሉ ንኣርሴናል ዝጻወት ወዲ 22 ዓመት ታኩማ ኣሳኖ እዩ። ''ንሱ ንመጻኢ ተስፋ ዘለዎ ብሉጽ ተሓላፋይ'ዩ'' ክብሉ ድማ ኣሰልጣኒ ጋንታ ኣርሴናል ኣርሴን ቨንጌር ኣሞጊሰምዎ።

ኣሰልጣኒ ጃፓን መን እዩ? ቦሲናዊ ዜግነት ዘለዎ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ጃፓን፡ ቫሂድ ሃይሊሆዲዚክ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ዝተኻየደ ጸወታ ጽዋዕ ዓለም ኣልጀርያ ክሳብ መወዳእታ ንሕንሕ ንኽትብጽሕ ልዑል ጻዕሪ ብምግባር ዓቕሙ ዘርኣየ ንፉዕ ኣሰልጣኒ እዩ።

ተሓላፋይ ነበር ዩጎዝላቪያ ከምዝነበረ ዝዝረበሉ ቫሂድ፡ ንጋንታታት ፓሪስ ሴንት ጀርመይን፣ ዳይናሞ ዛግሬብን ኮትዳቪርን ኣሰልቲኑ እዩ።