ውቁባት ምስልታት ኣፍሪቃ እዚ ሰሙን፡ 24-30 ሕዳር 2017

ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዓይኒ ካሜራ ካብ ዝኣተዉ ብሉፃት ምስልታት ኣፍሪቃን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣፍሪቃውያንን እነሆ።

ኣመንቲ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ሕዳር ፅዮን Image copyright Yirga Gebremedhn

በዓል ሕዳር ፅዮን ንምኽባር፡ ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያን ዓለምን ብርክት ዝበሉ ምእመናንን በፃሕቲ ዓድን ዳግማዊት ኢየሩሳሌም ተባሂላ ናብ ትፅዋዕ ከተማ ኣክሱም ይውሕዙ። ሎሚ ዓመት ነዚ ክብረ-በዓል ንምኽባር፡ ኣስታት ፍርቒ ሚልየን ህዝቢ ከም ዝተረኸበ ተሓቢሩ።

በአምስተኛው የአፍሪካ እና የአውሮጳ ህብረት ጉባኤ ላይ ሰዎች የጎዳና ላይ ትርኢት ሲያቀርቡ በአቢጃን፥ አይቮሪ ኮስት Image copyright Reuters

ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ዋና ከተማ ኣይቬሪኮስት ኣቡጃ ጉባኤ፡ ኣፍሪቃን ኣውሮፓን እንትትኽፈት፡ ኣብ ጎደናታት ስዕስዒት እተርኢ ጓል ኣንስተይቲ። እቲ ጉባኤ "ኣብ መናእሰይ ሃፍቲ ምፍሳስ " ብዝብል መሪሕ ዝካየድ እኳ እንተነበረ፡ ብዛዕባ ቅልውላው ስደተኛታት ተዓብሊሉ እዩ።

መሸጢ ባህላዊ ክዳውንቲ ኣብ ኣክሱም Image copyright Getachew Aregawi

ኣብ ኣፍሪካ ጥንታዊ ካብ ዝኾና ከተማታት ሓንቲ ከተማ ኣክሱም፡ "ሓጺናዊ ዘመን" ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ መበል 4ይ ክፍለ ዘመን፡ ዓባይ ማእኸል ንግዲ ኾይና ተገልግል ነይራ። ኣብ ከተማ ኣክሱም ካብ ታሪኻውን ሃይማኖታውን ቅርስታታ ብዝዘለ፡ ጥበብ ኣክሱማውያን ዝዓረፎም ባህላዊ ክዳውንቲ፣ ቅርፃ ቅርፂን ይሽየጡ።

የስድስት አመቷ ሐቢባ ከስኳር በአሻንጉሊት ቅርፅ የተሰራ ባህላዊ ከረሜላ ታቅፋለች። በሰሜናዊ ካይሮ ታንታ መውሊድን ለማክበር እየተዘጋጁ ነው። ግብፅ ህዳር 24፣ 2017 Image copyright Reuters

ጓል 6 ዓመት ህፃን ሓቢባ ብምኽንያት በዓል መውሊድ ካብ ሽኮር ዝስራሕ 'ኣሮሴት ኤል ሞሊድ (መርዓት መውሊድ ) ዝበሃል ቧንቡላ ሒዛ። ኣብ ዋና ከተማ ግብፂ ከተማ ካይሮ ከምዚ ዓይነት ምስሊ ኣብ በዓል መውሊድ ምርኣይ በብዓመቱ ዝተለመዱ እዮም። ንልደት ነብይ መሓመድ ዝውክል እዩ ተባሂሉ ድማ ይእመነሉ።

ወይዘሪት ደቡብ አፍሪካ 2017 ዴሚ ሌይ ኔል ፒተርስ የ 2017 ወይዘሪት ዩኒቨርስ ተብላ ዘውድ ስትደፋ። ዴሚ ሌይ ኔል ፒተርስ 22 ዓመቷ ሲሆን የቁንጅና ዘውድን የደፋችው የኮሎምቢያ እና የጃማይካ ተፎካካሪዎቿን አሸንፋ ነው። ኔል ፒተርስ በቢዝነስ አስተዳደር የተመረቀች ሲሆን የአካል ጉዳተኛ እህቷ አርአያዋ እንደሆነች ተናግራለች። Image copyright AFP

ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ላስቬጋስ ዝተኻየደ ውድድር ፅባቐ ተዓዋቲት 'ሚስ ዩኒቨርስ'፡ ወይዘሪት ፅባቐ ደቡብ ኣፍሪቃ ደሚ- ሊ ነል-ፒተርስ ዘውዲ ፅባቐ ተጎናፂፋ። ይኹን እምበር ኣብቲ ውድድር ተፈጥርኣዊ ፀጉራ ጥራሕ ተጠቒማ ዝተወዳደረት ጀማይካዊት፡ ኣብ ማሕበራዊ ድሕረ ገፃት ልዑል ተፈታውነት ረኺባ። "እታ ወይዘሪት ብምልኩዕ ተፈጥርኣዊ ኣፍሮ ፀጉራ ምውድዳራ ንጀማይካ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከባ ፀለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ዓለም እያ ትውክል" ብምባል ንኢድዋ።

ስቶርምዚ ኣብ መድክ ሽልማት ሞቦ ተረኺቡ ደሪፉ Image copyright Getty Images

ናይ ጋና ዘርኢ ዘለዎ ኢንግሊዛዊ ስቶርሚዚ፡ ኣብ መድረኽ ሽልማት ሞቦ ናይዚ ዓመት ብሉፅ ተዓዋቲ ነይሩ። ኣብቲ መድረኽ ሰለስተ ሽልማት ኣኻኪቡ ቅድሚ ምውሳዱ ደርፍታቱ ንዕዱማት ደሪፉሎም።

ጉጅለ ሳዕስዒት ደቡብ ሱዳን Image copyright AFP

እዞም ናይ ፅባሕ ከዋኽብቲ፡ ኣብ ሰሜናዊ ኡጋንዳ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ምርኢቶም ኣቕሪቦም። እዞም ሳዕሳዕቲ 'ዘ ዋይት ፋሚሊ' ብዝብል ስያመ ዝፍለጡ እንትኾኑ፡ ውድድር ተውህቦ ቢዲ ቢዲ ንምዕዋትን ብሰብ ሞያ ኪነጥበብ ኡጋንዳ ስልጠና ንክረኽቡን የተስፍዉ።

ኣብ ምረቓ መፈልፈሊ ፀዓት ፀሓይ ፎቶ ዘልዕል ውልቀ ሰብ Image copyright AFP

ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ፡ ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ መፈልፈሊ ፀዓት ፀሓይ እንትምረቕ፡ ፎቶ ዘልዕል ውልቀ ሰብ። ሓይሊ መብራህቲ ቡርኪናፋሶ ከምዝገለፆ፡ ኣብ ጥቓ ዋጋዱጉ ኣብ 55 ሽሕ ሄክታር መሬት ዝተሃንፀ እዚ መፈልፈሊ ፀዓት ፀሓይ ን10 ሽሕ ሰባት ግልጋሎት ዝህብ እዩ።

ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዚምባብዌ Image copyright AFP

ክብረ በዓል ሓድሽ ፕረዚደንት ዚምባብወ ቅድሚ ምኽባሩ፡ ልምምድ ካብ ዝገብሩ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር፡ መስሐቒ ገፅ ናይ ዘርኣየት ወተሃደር ኣብ ዓይኒ ካሜራ ኣትዩ ኣሎ።

ሞሮካውያን ህፃናት ናብ መስጊድ እንትኸዱ Image copyright AFP

ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ሞሮካውያን ህፃናት፡ ዝናብ ንክዘንበሎም ንምፅላይ ኣብ ዋና ከተማ እታ ሃገር ከተማ ራባት ናብ ዝርከብ መስጊድ እናኸዱ። ንጉስ እታ ሃገር፡ ዜጋታት እታ ሃገር ብድርቂ ንከይጥቅዑ፡ ዝናብ ንክዘንብ ንክፅልዩ ኣዊጆም ኔሮም።

ኣብ ባሕሪ ሜድትራንያን ምስ ማዕበል ዝቃለስ ዝጠሓለ ስደተኛ Image copyright AFP

ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ስደተኛታት ዝሓዘት ጀልባ ኣብ ባሕሪ ሜድትራንያን ድሕሪ ምጥሓላ፡ ጀልባ መድሕን ህይወት ኣብቲ ከባቢ እንትትበፅሕ፡ ንክተድሕኖ ምስ ማዕበል ዝቃለስ ስደተኛ።

ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሊቢያ Image copyright AFP

ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ካብ ዋና ከተማ ሊቢያ ውፅእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ዝተስኣልዎ ፎቶግራፍ። ኣብዚ ቀረባ ሰሙናት እዞም ስደተኛታት ብንግዲ ባሮት (ገላዩ) ይሽየጡ ከምዘለዉ ምስ ተገልፀ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ተግባር ኮኒንዎ።

ኣልጀርያዊ ሓረስታይ መንደሪን እንትኣርይ Image copyright EPA

ኣልጀርያዊ ሓረስታይ ፍረ መንደሪን እንትኣርይ። ኣልጀርያዊት ከተማ ቦውፍሪክ ናይ ኣራንሺ ከተማ ተባሂላ ትፍለጥ።

ህፃናት ኣብ ገማግም ባሕሪ ጃዜራ እንትፃወታ Image copyright AFP

ሶማሊያውያን ህፃናት ካብ ከተማ ⶁቃድሾ ውፅእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ተፈታዊ ገማግም ባህሪ ጃዜራ እንትፃወታ

እቶም ፎቶታት ካብ ኤኤፍፒ፣ ኢፒኤ፣ ጌቲ ኢሜጅስ፣ ሮይተርስ፣ ጌታቸው ኣረጋውን ይርጋ ገብረመድህንን ተወሲዶም።