ምስ ሓደሽቲ ኣመራርሓ ህወሓት ተላለዩ

ደ/ር ደብረፅዮን Image copyright dawit Kebede

ማእከላይ ኮሚቴ ውድብ ህወሓት፡ ኣብ ዘካየዶ ዝተናዉሐ ገምጋም፡ ዝበዝሑ ኣባላቱ ብምንቃፍ፡ ካብቶም ዝተረፉ 8ተ ኣባላት ፖሊት ቢሮ ኣብቶም ሓሙሽተ ስጉምቲ ወሲዱ። ሓዲሽ አመራርሓን ሓደሽቲ ኣባላትን ድማ መሪፁ።

ካብቶም ዝተረፉ ነባራት ፡ ኣይተ ጌታቸዉ ኣሰፋ (ሓላፊ ብሄራዊ ደሕንነት)፣ ኣይተ ኣለም ገብረዋህድ (ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ህወሓት)፣ ዶክተር ኣዲስ ኣለም ባሌማ (ምኽትል ርእሰ ምምሕዳር) እዮም።

ድሕረ ባይታ ኣመራርሓን ሓደሽቲ ኣባላትን እቲ ፓሊት ቢሮ ስዒቡ ተዘርዚሩ ኣሎ።

ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል

ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ ሽረ ተወለዶም። ካብ ቁልዕነቶም ንፉዕ ተምሃሪ ከምዝነበሩን፡ ካብ መሰናድኦ ትምህርቲ ኣርባዕተ ነጥቢ ሒዞም ናብ ዩኒቨርሲቲ አዲስ ኣዲስ አበባ ኣትዮም'ኳ ነይሮም፡ እንተኾነ ትምህርቶም ኣሞናጒዮም ናብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ተጸንቢሮም።

ካብ ሜዳ ስልጠና መራኸቢ ቴክኖሎጂ ክወሰዱ ናብ ሃገረ ጥልያን ተላኢኾም። ምስተመልሱ፡ ብ1972 ዓ/ም ሬድዮ ጣብያ ናይቲ ዉድብ ንዝኾነ "ድምፂ ወያነ ትግራይ" ኣብ ምጥያሽ መሪሕ ተዋሳኢ ነይሮም።

ኣብቲ እዋን ሰንሰለት መረዳእታ መንግስቲ ሰይሮም ብምእታዉን ብምፍሻልን ይፍለጡ።

20 ግንቦት 1983 ዓ.ም ኢህአዴግ ስልጣን ኣብ ዝሓዘሉ እዋን፡ ናይ ደሕንነት ቤት ጽሕፈት ይመርሑ ዝነበሩ ኣይተ ከንፈ ገብረመድህን ምክትል ኮይኖም ኣገልጊሎም።

ብምኽንያት ቃለሲ ንዘቋረጽዎ ትምህርቲ ብምቕጻል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ቐዳማይን ካልኣይን ዲግሪ ወዲኦም።

ሳልሳይ ዲግሪኦም'ዉን ካብ ፍሉጥ ዩኒቨርሲቱ ሎንደን ዝረኸቡ እንትኾን፡ ኣብ ዓለምለኸ መጽሄታት ብርክት ዝበሉ ጽሑፋት'ዉን ኣሐቲሞም'ዮም።

በዓል ዋና፡ "Debretsion Gebremichael intelligence security software" ተባሂሉ ዝፍለጥ ሶፍትዌር ምህዞ ኮይኖም፡ ኣብ መረብ መሸጣ ኤሌክትሮኒክስ ኣማዞን ይርከብ።

ዶ/ር ደብረጽዮን ዘይለሳለስ ጽኑዕ ቅዋም ዘለዎም ሰብ ምዃኖም ብቐረባ ዝፈልጡዎም ሰባት ይዛረቡ።

ብ1993 ዓ/ም ኣብ ዉሽጢ እቲ ዉድብ ብዝተፈጠረ ምክፍፋል፡ ሐሳብ እቲ ዝተስዓረ ጉጅለ ተሰጉም ኢኻ ብዝብል ናብ ምምሕዳር ወረዳ ትሕት ኢሎም ሰሪሖም።

ይኹን'ምበር፡ ብ1998 ዓ.ም ዋና ዳይሬክተር ኤጀንሲ ልምዓት ሓበሬታን መራኸቢታትነ ኾይኖም እንትሽየሙ፡ ብመዓርግ ምኽትል ቐዳማይ ሚኒስትር ኣተሓባባሪ ክላስተር ኮይኖም ድማ ሰሪሖም።

ኣካቢ ቤት ምኽሪ ቤት ጽሕፈት ዓብዪ ግድብ ሕዳስ ኢትዮጵያ'ዉን 'ዮም።

ምክትል ኣቦ መንበር እቲ ዉድብ ኮይኖም ዝጸንሑ ዶክተር ደብረጽዮን፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ መበል 12 ጉባኤ ዝለዓለ ድምጺ እቲ ጉባኤተኛ ብምርካቦም ኣቦ መንበር ክኾኑ'ዮም ዝብል ግምት ነይሩ። ኣሽዑ ኣይኮነን።

Image copyright Dawit kebede

ኣይተ ጌታቸው ረዳ

ብ1965 ኣብ ከተማ አላማጣ ዝተወለዱ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ካሕሳይ ፥ "ታዳጊዋ ኢትዮጵያ" ኣብ ዝተብሃለ ቤት ትምህርቲ ተማሂሮም።

ካብቶም ንፉዓትን ተሸለምትን ተምሃሮ ነይሮም።

ብ1990 ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ፡ ክፍሊ ትምህርቲ ሕጊ ዝተመረቑ ኣይተ ጌታቸዉ፡ ምስ ሓደ ኣሜሪካዊ ብሓባር ፋካሊቲ ሕጊ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ኣጣይሾም፤ ሕጊ ኣምሂሮም።

ኣብ ኣሜሪካ ካብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ኣላባማ ካልኣይ ዲግሪ ብዝለዓለ ዉጽኢት እንትረኽቡ፡ እቲ ትካል ናይ ክብሪ ዶክትሬት ዲግሪ ሂቡዎም።

ኣብ 1997 ዓ/ም፡ ኢህወደግ ብተቓወምትን ዉልቀ ትካላት ሚዲያን ይበጽሖ ዝነበረ ነቐፌታ ስዒቡ ዓርሱ ክከላኸል ኣብ ዘይክእለሉ ብርኪ በጺሑ ተባሂሉ ኣብ ዝሕመየሉ እዋን፡

ኣይተ ጌታቸዉ ብፍላይ ድሕሪ መረጻ እቲ እዋን ተነባቢ ኣብ ዝነበረ ጋዜጣ ኣዲስ ነገር ብዘቕርቡዎም መከራኸሪ ሓሳባት ብዙሓት ይፈልጡዎም።

ካብዚ ሓሊፉ፡ ሚኒስቴር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ተጸምቢሮም። ጀነራል ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ፐብሊክ ዲፕሎማስን ኮምዩኒኬሽንን ኾይኖም ሰሪሖም'ዮም።

ብተወሳኺ፡ 'A Week in the Horn' ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ መርበብ ሓበሬታ እቲ ቤት ጽሕፈት ኣሰናዳእን ጸሓፍን ምንባሮም መረዳእታታት የመልክቱ።

ኣይተ ሃይለማርያም ደሳለኝ፡ ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወጻእን ኮይኖም ኣብ ዝተመረጽሉ እዋን፡ ሕልፈት ህይወት፡ ቐዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ዝነበሩ ኣይተ መለስ ዜናዊ ስዒቡ፥

ፍሉይ ኣማኻሪ ኾይኖም ይሰርሑ ዝነበሩ ኣይተ ጌታቸዉ ረዳ፡ ፍሉይ ኣማኻሪ ቐዳማይ ሚኒስትር ኾይኖም ተሸይሞም'ዮም።

ቐጺሉ፡ ብዶክተር ነገሪ ሌንጮ ክሳብ ዝትክኡ ሚኒስትር ጉዳያት ኮምዩኒኬሽን መንግስቲ ኾይኖም ሰሪሖም። ካብኡ ድማ ኣብ ትካል ምምሕያሻት ሕጊ ዳይሬክተር ኮይኖም።

ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ፡ ብነባር ኣባልን መስራትን እቲ ዉድብ ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ክኾኑ ተሓጽዮም፡ ኣባል ንምዃን በቒዖም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን፡ ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ካብ ዘይተሳተፉ ዉሑዳት ፈጸምቲ ስራሕ ሓደ እዮም።

Image copyright dawit Kebede

ንጀሪኖ

ወይዘሮ ፈትለወርቅ ገ/እግዚአብሄር፡ ኣብ ቃልስን ፖለቲካዊ ቅዋመንን ካብ ሞንጎ ዝፍለጣ ጥንኩራት ደቂ ኣንስትዮ ተጋደልቲ ሓንቲ እየን።

ወይዘሮ ፈትለወርቅ ብትምህርተን ንፍዕትን ተሸላሚትን ከምዝነበራ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሓወን ሓቢሮም።

ብ1967 ዓ/ም ኣብ ዓድዋ ቤት ትምህርቲ ንግስተ ሳባ ትምህርቲ 9ይ ክፍሊ ይመሃራ ኣብ ዝነበራሉ እዋን፡ ኣቋሪጸን ኣብ 1972 ናብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣምሪሐን።

ድሕሪ ምዝዛም ዕጥቃዊ ቃልሲ፡ ካብ ዩኒቨርሲቲ ሲቪል ሰርቪስ ብዝለዓለ ዉጽኢት ቀዳማይ ዲግሪ ረኺበን፡ ብዉልቀን ኣብ ሎንደን ናፃ ዕድል ትምህርቲ ረኺበን፡ ብክፍለ ትምህርቲ ኢኮኖሚክስ ካልኣይ ዲግሪ ረኺበን።

ይኹን'ምበር ካብቲ ዝተቓለሳሉ ውድብ፡ ጽቡቕ ምላሽ ኣይረኸባን።

ወይዘሮ ፈትለወርቅ ገጽ ንገጽ ምዝራብ ዝፈትዋን ብዘለወን ፖለቲካዊ ብስለት፡ ብጾተን ዝንእዱወን እንትኾና፡ ብፍላይ ኣይተ መለስ ዜናዊ ብህወይት እንዳሃለዉ ብትሪ ካብ ዝሞጎታ ሓንቲ እየን።

በዚ ምኽንያት፡ ምስ ኣመራርሓ እቲ ዉድብ ተቐራሒነን ፀኒሓን።

ሞንጀሪኖ ኣብ ቃልሲ ዝተዉሃበን ሽመን ኮይኑ፡ ተጋዳላይ ሰለሞን (ሓየት፡ ሓወን)፣ ከምኡ'ዉን ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ኣሕዋተን (ኣልማዝን ርግበን) ኣብቲ ዕጥቃዊ ቃልሲ ሞይቶምወን'ዮም።

ሞንጀሪኖ ኣብ 1999 አባል ማእከላይ ኮሚቴ፣ ኣብ 2007 ዓ/ም ድማ አባል ፖሊት ቢሮ ኾይነን ተመሪጸን።

ቅድም ክብል፡ ዳይሬክተር ማእኸል ኢንተሊጀንስ ፋይናንስ ፌደራል፡ ቐጺሉ ድማ ሓላፊት ርክብ ህዝቢ ህወሓት ኮይነን ነይረን።

ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ድማ፡ ሓላፊት ሴክተር ከተማ ሴክሬታርያት ኢህወዴግ ኮይነን የገልግላ ኣለዋ።

ወይዘሮ ፈትለወርቅ ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ምክትል ኣደ መንበር ኮይነን ተመሪጸን።

Image copyright DK

ኣይተ አስመላሽ ወልደስላሴ

ኣብቲ ዕጥቃዊ ቃልሲ ብርሃን ዓይኖም ካብ ዝሰኣኑ ተጋደልቲ ኣይተ ኣስመላሽ፡ ተጸዋዒ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ'ዮም።

ኣይተ አስመላሽ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ብዝህቡዎም ሕጊ ተንከፍ ጉዳያት መብርሂ ኣብ ፓርላማ ኢትዮጵያ ዝተፈለጡ እንትኾን፡ ቀዳማይን ካልኣይን ዲግሪ ትምህርቶም ብሕጊ'ዮም ሰሪሖም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ድማ ሕጹይ ተመራቒ ዶክትሬት ዲግሪ እዮም።

ዶክተር ኣብርሃም ተከስተ

ዶክትሬት ዲግሪ ብኢኮኖሚክስ ካብ ስዊዘርላንድ ዝረኸቡ እንትኾን፡ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ካብ ዘይተሳተፉ ኣባላት ፖሊት ቢሮ ህወሓት ካብ ሞንጎ ዝኾኑ ሰለስተ፡ ሓደ እዮም።

ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ፡ መሰልጠኒ ቴክኒክን ሙያን ኮይኖም ድማ ስሪሖም።

ኣብ ብሄራዊ ኮሚሽን ፕላኒንግ ንክልተ ዓመታት ሚኒሰትር ድኤታ ኮይኖም ዝሰርሑ ዶክተር ኣብርሃም፡ ሚኒሰትር ድኤታ ፋይናንስን ቁጠባዊ ምትሕብባር፣ ኣብቲ ዝሓለፈ ሚኒስትር እቲ ሚኒስቴር ኮይኖም ተሸይሞም።

ኣብ ሓደ እዋን ኣማኻሪ ሚኒስቴር ልምዓት ከተማ ዶ/ር አርከበ ዕቑባይ ኮይኖም ሰሪሖም።

Image copyright dawit Kebede

ንሶም ኣብ ዝህቡዎም ስልጠናታት ዝተሳተፉ ኣባል እቲ ዉድብ፡ ኣብ ልምዓት ትኹረት ዝገበሩ ኣተሓሳስባታት ዘተኣናግዱ'ዮም ይብሉዎም።

ወይዘሮ ኬርያ ኢብራሂም

ሓደሽቲ ኣባላት ፈጻሚት ስራሕ ኮይኖም ካብ ሞንጎ ዝተሓረዩ ሓንቲ እንትኾና፡ ቅድም ክብል ኣብቲ ክልል ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ብሓላፍነት ስራሕ ኣገልጊለን'የን።

ኣመሓዳሪት ዞባ ደቡብ ምብራቕ ኾይነን ብሓላፍነት ሰሪሐን። ኣብዚ ሓዚ እዋን ኣብ ቤት ፅሕፈት ህወሓት ሓላፊት ፕሮፖጋንዳን ውዳበን- ገጠር ኮይነን ይሰርሓ።

ቅድም ክብል ኣብ ከተማ መቐለን ብብርኪ ክልልን'ዉን ሓላፊት ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ነይረን።

ወይዘሮ ኬርያ ኣብ ሚድያ ብዙሕ ዘይፍለጣ እንትኾና፡ ንፖሊት ቢሮ ክምረጻ እየን ዝብል ትጽቢት ብዙሓት ኣይነበረን።

Image copyright DK

ተመሳሳሊ ዛዕባታት