ስርዓተ ቐብሪ ነልሰን ማንዴላ: ብዘይኣገባብ ሚሊዮናት ወጺኡዎ

ድሕሪ ስርዓተ ቐብሪ ኔልሰን ማንዴላ ባንዴራ ሒዙ ኣብ ቅድሚ ስእሊ ማንዴላ ዝተጻወተ ህጻን Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ኔልሰን ማንዴላ ካብ ዝሞቱ 4ተ ዓመት ሓሊፉ

ተኸላኻሊ ገበን ብልሽዉና ደቡብ ኣፍሪካ፤ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ንስርዓተ ቀብሪ ነልሰን ማንዴላ ብሚሊዮን ዶላራት ዝቁጸር ገንዘብ ወጻኢ ምግባሮም ዕላዊ ገይሩ።

ብመሰረት ዘዉጸኦ ጸብጻብ፡ ንስርዓተ ቀብሪ ዝወጹ ወጻእታት ንምሽፋን፡ ካብ ፈንድ ልምዓት 300 ሚሊዮን ራንድ (22 ሚሊዮን ዶላር) ገንዘብ ወጻኢ ተገይሩ'ዩ።

እዚ ገንዘብ፡ ኣብያተ ትምህርትን ሆስፒታላትን ንምዕራይ ዓሊሙ ዝተበጀተ'ኳ እንተነበረ፡ እቶም ሰበ ስልጣን ስርዓተ ቀብሪ ፕረዚደንት ነበር እታ ሃገር ኔልሰን ማንዴላ ንምፍፃም ንዝተዳለወ ካናቴራ ክዉዕል ገይሮም።

መራሕቲ ሃገራት ዓለም ኣብ ዝተረኸብሉ ወርሒ ታሕሳስ 2013 ስርዓተ ቀብሪ ኔልሰን ማንዴላ ኣብ ምብራቓዊ ኬፕ ዝተፈጸመ እንትኾን፡ እቲ ምጽራይ ገበን ገንዘብ ብዘይ ኣግባብ ምጥቃም ድሕሪ ዝተወሰኑ ኣዋርሕ፡ ኣብ 2014 ተጀሚሩ ነይሩ።

እዚ ድሕሪ 4ተ ዓመት ሞት ኔልሰን ማንዴላ 300 ገጻት ሒዙ ወጺኡ ዘሎ ጸብጻብ ድማ መሰረታዊ ሕግታት ብምንጻግ ሰበ ስልጣን ምብራቓዊ ኬፕ ገንዘብ ወጻኢ ከምዝገበሩ ይዝርዘር።

ጠበቓ ቡሲ ክህዌባኔ ተወሳኺ ጉጅለ ምጽራይ ሒዝካ እቲ ተፈጺሙ ይበሃል ዘሎ ጉዳይ ክጻረ ንፕረዚደንት ጃኮብ ዙማ ሓቲተን።

Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ስርዓት ኣፓርታይድ ንምውዳቕ ዝተቓለሱ ኔልሰን ማንዴላ 27 ዓመታት ተኣሲሮም'ዮም

ጋዜጣ ሜይልን ጋርዲያንን ደቡብ ኣፍሪካ ከምዝጸብጸቦ፡ ወይዘሮ ምክህዌባኔ ናይ ህዝቢ ገንዘብ ብዘይ ኣግባብ ምጥፋእ ኣዝዩ ዘፍርሕን ዘደንግጽን'ዩ ክብላ ገሊጸንኦ።

"ቐብሪ፡ ንኸምዚ ዝበለ ተግባር ምብላፅ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ'ዩ" ክብላ ኣብ ዝሃብኦ መግለጺ ተዛሪበን። "ንዘየማላእካዮ ነገራት ከመይ ኣቢልካ ክፍሊት ትፍፅም"? ክብላ ድማ ሓቲተን።

ዘይተወደበ ኣሰራርሓ ዝደለኻዮ ክትፍፅም ከምዝዕድም ገሊፀን።

"ነቲ ተግባር ዝፈጸመ ዝኾነ ይኹን ኣካል ከምዝሕተት ሙሉእ እምነት ኣለና" ብምባል ድማ ተዛሪበን።

ከምዚኦም ዝበሉ ተግባራት እንትፍፀሙ ንፈለማ እዋን ከምዘይኮኑ ይግለፅ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት