እየሩሳሌም: ኣሜሪካ ብሓድሽ ኣጸዋዉዓ ከተማ እየሩሳሌም መጠንቀቕታ ይበጽሓ ኣሎ

ሰንደቕ እስራኤል Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ እስራኤል ናይ ብሕታ ገይራ ትወስዳ ከተማ እየሩሳሌም

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን፡ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኢዮሩሳሌም ርእሰ ከተማ እስራኤል ገይሩ ምውሳዱ ከምዘተሓሳስቦም ተዛሪቦም።

"እታ ከተማ ክወሃባ ብዛዕባ ዝግባእ ኣጸዋዉዓ፡ ኣብ ሞንጎ ፍልስጤምን እስራኤልን ዝህሉ ስምምዕ መሰረት ዝገበረ ክኸዉን ኣለዎ" ኢሉ ማክሮን።

ቅድም ክብል 'ዉን ካብ ብርክት ዝበላ ሃገራት ዓረብ ተመሳሳሊ መጠንቀቕታ ክወሃብ ጸኒሑ።

ኣብዚ ሰሙን'ዚ፡ ፕረዚደንት ኣሜሪካ፤ ንኢዮሩሳሌም ርእሰ ከተማ እስራኤል ኢለ ክጽዉዓ'ዩ ኢሉ ይብሉ ጸብጻባት።

ሃገራት እስራኤልን ፍልስጤምን ንእየሩሳሌም ከም ርእሰ ከተምአን ገይረን ይጽዉዓኣ።

Image copyright AFP/Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ፕረዚደንት ማክሮን ንኣሜሪካዊ መዘንኡ ቴሌፎን ብምድዋል እቲ ጉዳይ ከምዘተሓሳሰቦ ገሊጹ

ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ኤምባሲ ኣሜሪካ፡ ካብ ቴልኣቪቭ ናብ እየሩሳሌም ከይዛወር ንምድንጓይ መጻኢ ሰኑይ ክፍርምሉ ትጽቢት ይግበር።

ይኹን'ምበር ወሃቢ ቃል ቤተ መንግስቲ ኣሜሪካ ሆጋን ጊድለይ ግና፡ "እቲ ፕረዝደንት ክዛወር ኣለዎ ዝብል ፍቓድ ሂቡ'ዩ፡ እቲ ጉዳይ መዓዝ'ዩ ዝብል ጥራሕ'ዩ" ክብል ይሙግት።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ሓዊሱ ኩሎም ፕረዚደንታት፡ ድሕሪ እቲ ኮንግረንስ ኣሜሪካ ዘሕለፎ ዉሳነ 1995 እቲ ኤምባሲ ክዛወር ፈሪሞም'ዮም።

እዚ ናይ እየሩሳሌም ጉዳይ፡ ኣብ ሞንጎ እስራኤልን ብሃገራት ዓረብን እስላምን ትሕገዝ ፍልስጤምን ንዘሎ ጎንጺ ክጉሃሃር ገይሩ'ዩ።

እታ ከተማ፡ ማእከል ብርክት ዝበሉ ሃይማኖታት ጁዳይዝም፣ ምስልምናን ክርስትናን'ያ።

እስራኤል፡ እታ ከተማ ኣብ 1967 ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ማእኸላይ ምብራቕ ዝተቖጻጸረታ እንትኾን ናይ ብሕታ ርእሰ ከተማ ገይራ'ዉን ክትወስዳ ጸኒሓ'ያ።

ፍልስጤም ብወገና፡ ምብራቓዊ እየሩሳሌም መጻኢ ርእሰ ከተምኣ ገይራ ትወስዳ። ኣብ 1993 ብመሰረት ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም እስራኤልን ፍልስጤምን ድማ ኣብ ቀጻሊ አብ ዝካየዱ መድረኻት ዘተ ሰላም ክዝተየሉ ትጽቢት ይግበር።

እስራኤል ኣብ ልዕሊ እየሩሳሌም ኣለኒ ትብሎ ሉኣላዉነት፡ ናይ ቀረባ ብመሓዛ ኣሜሪካ ሓዊሱ ብብርኪ ዓለም ተቐባልንት ረኺቡ ኣይፈልጥን።

ካብ 1967 ጀሚሩ፡ እስራኤል ኣብ ምብራቓዊ እየሩሳሌም ኣሰታት 200 ሽሕ ኣይሁዳዉያን ዘስፈሩ ኣባይቲ ሃኒጻ'ያ። ብመሰረት ዓለምለኸ ሕጊ፡ ሕጋዉነት ዝጎደሎም ተባሂሎም ትንቀፈሉ።

ኣሜሪካ፡ እየሩሳሌም ርእሰ ከተማ እስራኤል ገይራ እንተድኣ ተቐቢላታ፡ ምስ ማሕበረሰብ ዓለም ዘጋጭዋን፡ እስራኤል ኣብ ህንጸት እቶም ኣባይቲ ዘለዋ ቅዋም ትኽክል ከምዝኾነ ዘመላኽትን ክኸዉን ይኽእል'ዩ።

ዓለምለኻዊ ምላሽ እንታይ ይመስል?

ትማሊ ሰኑይ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ኣብ ሞንጎ እስራኤልን ፍልስጤምን ዘሎ ጎንጺ ከይሃድአ ዝዉሰዱ ስጉምታት ነቲ ዝተጀመረ ከይዲ ሰላም ክሃስዮ ይኽእል'ዩ ኢላ።

ፕረዚደንት ፍልስጤም፡ መሓመድ ዓባስ፡ ዉሳነ ኣሜሪካ ከይዲ ሰላም ክልቲኤን ሃገራት ዝጸሉ ስለዝኸዉን መራሕቲ ሃገራት ዓለም ድምጾም ከስምዑ ይግባእ ኢሉ።

ዮርዳኖስ'ዉን እንተኾነት፡ "ሳዕቤኑ ኸቢድ'ዩ" ኢላ እንትተጠንቅቕ፡ መራሒ ሊግ ዓረብ ኣቡል ጊት ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ጎንጽን ፋሽሽታዉነትን ከኸትል ይኽእል'ዩ ኢሉ።