ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ፡ ገደባት መገሻ ናብ ተግባር ክሰጋገሩ ወሲኑ

ባንዴራ ኣሜሪካ ኣብ ርእሳ ገይራ ብሓፈሻ ሙስሊም ክእገዱ የብሎምን ኣብ ዝብል ሰልፊ ተቓውሞ እናተሳተፈት Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ባንዴራ ኣሜሪካ ኣብ ርእሳ ገይራ ብሓፈሻ ሙስሊም ክእገዱ የብሎምን ኣብ ዝብል ሰልፊ ተቓውሞ እናተሳተፈት

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ እቲ ዜጋታት ሽድሽተ እስላማውያን ሃገራት ናብታ ሃገር ንኸይኣትዉ ዝእግድ ውጥን ናይ ፕረሲደንት ትራምፕ ካልእ ሕጋዊ ግድል እንተዘይገጢምዎ ምሉእ ብምሉእ ክትግበር ኣፍቂዱ።

እቲ ውሳነ ነቲ ፕረሲደንት ትራምፕ ካብ ዘውጸኦም ትእዛዛት ሓደ ዝኾነ ሳልሳይ ገጽ ይሽፍን።

ሸውዓተ ካብቶም ትሽዓተ ዳያኙ ነቲ ትእዛዝ ከይትግበር ዓንቂጾም ንዝጸንሑ ናይ ታሕተዎት ኣብያተ-ፍርዲ መኣገዲታት ክልዓሉ ብሰኑይ ወሲኖም።

ቀጺሉ'ኸ እንታይ'ዩ ክኸውን?

ፈደራል ናይ ይግባይ ኣብያተ-ፍርዲ ሳንፍራንቸስኮ፣ ካሊፎርኒያን ሪችሞንድ ናይ ቪርጂንያን እዚ ሓድሽ ውሳነ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ሕጋዊ ድዩ ሕጋዊ ኣይኮነን ዝብል ክትዕ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ክሰምዑ'ዮም።

እቲ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ እዘን ኣብያተ-ፍርዲ "ቅኑዕ ፍርዲ" ክህባ ትጽቢት ከምዝገብረለን ሓቢሩ'ሎ። መወዳእታ ናይቲ ጉዳይ ድማ ኣብቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርድ'ዩ ክኸውን።

እቲ ሓድሽ ውሳነ፡ ላዕለዋይ ኣካል ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ ኣቢሉ ኣቢሉ ነቲ ምምሕዳር (መንግስቲ) ዘሕጉስ ውሳነ ከምዝህብ ናይ ሕጊ ምሁራት ይእምቱ።

"ከም ርድኢቶም (ርድኢት ዳያኑ)፡ ካብ ዝገመትናዮ ወጻኢ፡ እዚ ውሳነ'ዚ፡ እቲ መንግስቲ ኣብ ብልጫ ተመርዂሱ ከምዝዕወት'ዩ ዘርእየካ" ኢሉ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሕጊ ሃስቲንግ ካሊፎርኒያ ዩኒቨርሲቲ ፕሮፌሰር ሕጊ ዝኾነ ዴቪድ ለቪን።

እቲ መልሰ-ግብሪ'ኸ እንታይ'ዩ?

ዋይት ሃውስ (ቤተ-መንግስቲ ኣሜሪካ) ብውሳነ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ "ኣይተገረመን" ኢሉ ዋሃብ ቃል ዋይት ሃውስ ሆጋን ጊድሊ። ጠቕላሊ ዓቃብ ሕጊ ሜሪካ ጀፍ ሰሽንስ ድማ እቲ ውሳን "ንድሕነትን ውሕስነትን ህዝቢ ኣሜሪካ ዓቢ ዓወት'ዩ" ኢሉ።

ሕብረት ናጽነት በርጌሳት ኣሜሪካ (ኤ ሲ ኤል ዩ) ግን እቲ ፕረሲደንት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብናይ እንግሊዛውያን የማናውያን ኣብ መርበብ ሓበሬታ ትዊተር ዝሰፈረ ቪድዮ ደጊሙ ምስፋሩ (ሪትዊት ምግባሩ)፡ ኣድልዎኡ ኣንጻር ሃይማኖት ምስልምና'ዩ ዘርእየካ ኢሎም።

"ኣድልዎ ፕረሲደንት ትራምፕ ኣንጻር ኣስላም ማስጢር ኣይኮነን። ባዕሉ ብተደጋግሚ ኣረጋጊጽዎ'ዩ፡ ብሓጺሩ ዝሓለፈ ሰሙን ብመንገዲ ትዊተር" ኢሉ ጠበቓ ናይ ኤ ሲ ኤል ዩ ዝኾነ ዑመር ጃድዋት። "እቲ (ናይ ቪዛ) እገዳ ምትግባሩ ናይ ብሓቂ ሕማቕ ዕድል'ዩ፡ እዚ ውሳነ'ዚ ነቲ ናትና ክትዕ ኣብ ግምት ኣየእተወን" ኢሉ።

እቲ ኣብ መወዳእታ ናይ ዝሓለፈ መስከረም ዝወጸ ሳልሳይ ኣዋጅ እገዳ ቪዛ ናይ ፕረሲደንት ትራምፕ እስላማውያን ሃገራት ንዘይኮና ሰሜን ኮርያን ቬንዙዌላን የጠቓልል፡ እቲ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ድማ ክትግበር ወሲኑ'ሎ።

ታሕተዎት ኣብያተ-ፍርዲ'ኸ እንታይ ይብላ?

ነቶም ኣብ ፓሪስ፣ ለንደን፣ ብራስለስን በርሊንን ንዘጋጠሙ ግብረ-ሽበራውያን መጥቃዕትታት ከም መርትዖ ብምጥቃስ፡ ፕረሲደንት ትራምፕ እቲ እገዳ ቪዛ ንሃገራዊ ድሕነት ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚርሉ'ዩ። እንተኾነ ግን ፈደራል ዳያኑ ነቲ "እገዳ ኣስላም"ን "ኣስላም ናብ ኣሜሪካ ከይኣትዉ ሓፈሻዊ ክልከላ" ዝብል ናይ ፕረሲደንት ትራምፖ ናይ እዋን ምርጫ ጎስጓስን ብምጥቃስ፡ ነቲ እግዳ ውዱቕ ገይሮሞ ነይሮም።

ኣብ መላእ ኣሜሪካ ዝርካ ታሕተዎት ኣብያተ-ፍርዲ ድማ እቲ ፖሊሲ ናይ'ቲ ፕረሲደንት ናይ እምነት ናጽነት ንዝህብ ሕገ-መንግስቲ ኣሜሪካ ጥሒሱ'ዩ ኢለን ነይረን።

ሓደ ናይ ፈደራል ዳኛ ኣብ ሃዋይ ድማ እቲ ፖሊሲ "ኣብ ዜግነት ዝተምርኮሰ ውጹእ ኣድልዎ'ዩ"፡ ነቲ "መሰረታዊ ሕግታት ናይዛ ሃገር" ዝግህስ'ዩ" ድማ ኢሉ።

ተወሳኺ ዛንታ