ኣብያተ ትምህርቲ ሩስያን ሲንጋፖርን ንባህሊ ንባብ ዓለም ይመርሓ

ተምሃሮ ኣብ ፈተና Image copyright Alamy
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣስታት 320,000 ተምሃሮ ፈተና ወሲዶም፤ ዳርጋ ኣብ ኩለን ሃገራት ደቀኣንስትዮ ፀብለልታ ሒዘን

ሩስያን ሲንጋፖርን፡ ኣብ ዓለምና ዝበለፀ ባህሊ ንባብ ዘማዕበሉ ተምሃሮ ቀዳማይ ብርኪ ትምህርቲ ንዘለወን 10 ሃገራት መሪሐን።

ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ መፅናዕቲ ዘካይድ ዓለም-ለኻዊ ትካል መፅናዕቲ ትምህርቲ 'PIRLS' ከምዘፍለጦ፡ ሰሜን ኣየርላንድ ሻድሸይቲ እንግሊዝ ድማ ሻምነይቲ ተሰሪዐን።

ሩስያ ነዚ መሰርዕ ንፈለማ እዋን ክትመርሕ ኪኢላ ኣላ።

ሓላፊ ሕብረት ኣመራርሓ ኣብያተ ትምህርትን ኮሌጃትን ጄፍ ባርተን፡ እቲ ውፅኢት ባህሊ ንባብ ንምጉልባት ብዝገበርኦ ፅዕሪ ዝተመዝገበ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ዓለማዊ ውድድር

ኣብቲ ምርመራ ካብ መላእ ዓለም ዝተዋፅኡ ኣስታት 320,000 10 ዓመት ዝዕድሚኦም ህፃናት ተሳቲፎም።

እንግሊዝ ምስ ኖርወይን ታይዋንን ብተመሳሳሊ ውፅኢት ኣብ ሻምናይ ተሰሪዓ።

ሚንስትር ፅርየት ትምህርቲ እንግሊዝ ኒኪ ጋቢ፡ ትሑት ውፅኢት ኣብ ዘመዝግቡ ተምሃሮኦም'ውን ባህሊ ንባብ ይጥጥዕ ምህላዉ ገሊፆም።

ኣብ ሞንጎ ትምህርቲ ሕሳብ ብዝለዓለ ደረጃ ዘንብቡ ተምሃሮ ዘለውወን 20 ሃገራት ግን ኣይተሰርዐትን።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ሩስያውያን ተምሃሮ ኣብዚ ዓለማዊ ፈተና ብሉፅ ውፅኢት ኣመዝጊቦም

ኣንበብቲ ተምሃሮ ቀዳማይ ብርኪ ብምሓዝ ዝመርሓ ሃገራት

1. ሩስያ

2. ሲንጋፖር

3. ሆንግ ኮንግ

4. ሪፓብሊክ ኣየርላንድ

5. ፊንላንድ

6. ፖላንድ

= ሰሜን ኣየርላንድ

8. ኖርወይ

= ታይዋን

= እንግሊዝ

ንፅፅር ደቀኣንስትዮን ተባዕትዮን

ዋና ዳይሬክተር ምዘና ብቕዓት ትምህርቲ ዲርክ ሃስቴድ፡ ምስጢር ዓወት ሩስያ ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ ዝተገበረ ዳግም ምትዕርራያት ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ደቀኣንስትዮ ድማ ዳርጋ ኣብ ኩለን ሃገራት ክመርሓ ኪኢለን ኣለዋ።

ናብ ቅድመ ትምህርቲ ዝኣትዉ ተምሃሮ ቁፅሮም ምውሳኹ'ውን ካልእ ምኽንያት ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ንሶም ከምዝበልዎ፡ ወለዲ፡ ደቆም ንክመሃሩ ኣድላዪ ሓገዛት ኣብ ምግባር ፅቡቕ ለውጥታት ከርእዩ ኪኢሎም ኣለው።

ዳይሬክተር ዓለም-ለኻዊ መፅናዕቲ ትምህርቲ ሚካኤል ማርቲን "ደቆም ንክመሃሩሎም ዝተፈላለዩ ሓገዛት ዝገብሩ ወለዲ፤ ንኣብነት ንደቆም መፃሕፍቲ ዘንብቡን ትምህርታዊ ቃላት ዘፃውቱን እንተድኣኮይኖም፡ ህፃናት ብኣጋ ንትምህርቲ ክትግደሱ ይሕግዝ" ኢሎም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት