ህልዊ ኩነታት ህዝቢ ሞያሌ እንታይ ይመስል?

ኣብ ሞያሌ ን 74 ዓመት ዝነበሩ ሰብኣይ
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣይተ ቦሩ ሮባ

ነበርቲ ሞያሌ ኣብ ፍርሕን ራዕድን ጥሒሎም ምንባር ካብ ዝጅምሩ ነዊሕ እዋን ኮይኑዎም።

ቑጠባ እዛ ወደባዊት ከተማ፡ ነታ ሃገር ከዕብያ ዝኽእል'ኳ እንተኾነ፡ ምሒር ተሃስዩን ኣብ ጸገም ጥሒሉን'ዩ ዝርከብ።

21 ሕዳር፡ ጸሓይ ኣብ ሞያሌ ካብ ትበርቕ ብዙሕ ኣይገበረትን።

እታ ሃገር ምስ ኬኒያ ኣብ ዘራኽባ ወሳኒ መገዲ ኣብዝሓ መናእሰይ ዝርከቡዎ ጎንጺ ኣብ ሞንጎ ሶማሊያን ኦሮሚያን ተላዒሉ ኣሎ።

ሓደ ነቲ ካልእ ዕንጸይቲ፣ እምንን ተጠቒሙ ይላተሞ። ኣብቲ ከባቢ ዝተቐመጡ ኣባል ሓይልታት ጸጥታ ምክልኻል ኢትዮጵያ ድማ ኣብታ ከተማ ምንቅስቓስ ሞተር ሳይክል ኣጊዶም።

ድሕሪ ዝተወሰነ ደቓይቕ፡ እታ ከተማ ናብ ዝነበራ ሃዋህዉ ተመሊሳ ትካላት ንግዲ ምንቅስቓስ ጀሚረን።

እዚ ብተደጋጋሚ ኣብታ ከተማ ዘጋጥም ጉዳይ'ዩ።

ቅድም ክብል፡ ብሳዕሪ ጋህጽን ማይን ኣብ ሞንጎ ኣርባሕቲ እንስሳት ክልቲኡ ክልል ጎንጺ ይለዓል ነይሩ'ዩ።

እዞም ጎንጽታት ግና ብባህላዊ መገዲ ዕርቂ ስርዓት ገዳን ዓበይቲ ዓድን ኣቢሎም እናተፈትሑ መጺኦም፤ ንዝጠፍአ ንብረት ድማ ካሕሳ ይኽፈል ነይሩ።

ኣብ ሞያሌ ዝርከቡ ዓበይቲ ዓዲ ግና፡ እቶም ሕዚ የጓንፉ ዘለዎ ጎንጽታት ካብቶም ቅድም ኢሎም ኣብ 1990ታት ይለዓሉ ዝነበሩ ፍልይ ዝበለ መልክዕ ኣለዎም በሃልቲ'ዮም፤ ዓሌታዊ ጎንጺ ከምዝኾነ ብምግላጽ።

ኣብ ሞያሌ ተወሊዶም ዝዓበዩ ኣይተ ተጬ ኣደኖ ንቢቢሲ ከምዝበሉዎ፡ እታ ከተማ ዘመሓድር ስርዓት ምኽንያት እቲ ሕዚ ብተደጋጋሚ ይለዓል ዘሎ ጸገም ደሕንነትን ጎንጽን'ዩ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ጎንፂ ዶብ ስዒቡ ብዙሓት ነበርቲ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎመ።

ኣብ ሞያሌ ዘሎ ናብራ ሓንቲ ሰበይቲ ንክልተ ሰብኡት ኣልዒሎም እንትዛረቡ፡ "ሓንቲ ሰበይቲ ምስ ክልተ ሰብኣይ ክትነብር ንቡር ኣይኮነን፡ ኣብ ሞያሌ ዘሎ ግና እዚ'ዩ" ይብሉ።

ካብ ምስረታ ናብ ህዝበ ዉሳነ

ቦሩ ሮባ፡ ኣብ ከተማ ሞያሌ ን74 ዓመታት ነቢሮም። ኣብታ ከተማ ብርክት ዝበሉ ነገራት ብነጸላ ኣይኮነን፤ ደሪብካ ኢኻ ትረክብ።

ኣብያተ ጽሕፈት ምምሕዳር ዞባታት፣ ፖሊስን ጥዕናን ካልኦት ኣብያተ ጽሕፈት መንግስትን ድርብ'ዮም።

ብየማነ ጸጋም መገዲ ክልቲኦም ክልላት ኣብ ጎኒ እቲ ሃገራዊ ሰንደቕ ክልላዊ ሰንደቕ ተሰቒሉ ትረክብ።

ነታ ከተማ ኣብ ክልተ ኸፊሉ ዘዋስና ዓብዪ መገዲ፡ ብኽልቲኡ ክልል ተወሲዱ'ዩ።

ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ ሶማሌ ኢትዮጵያ ኦሮሚያን ኣብ ሓደ ኣለዉ።

ክልል ሶማሌ'ዉን እንተኾነ ገለ ኣብያተ ጽሕፈቱ ኣብ ኦሮሚያ ኣትዮም ይርከቡ።

"ከተማ ሞያሌ ብኽልተ ክልላት'ያ ትመሓደር። እቲ ሓደ እንትሰርሕ፡ እቲ ሓደ ኣይሰርሕን። እዚ ጸገም ንዝሓለፉ 27 ዓመታት ሓቢሩ ነቢሩ።

ብዙሕ ግዘ ክእለየልና ጥርዓን እንተቕረብና'ዉን ኣይተፈትሐልናን" ይብሉ ወዲ 74 ዓመት ቦሩ ሮባ።

ካብ ኣዲስ ኣበባ 775 ኪሎ ሜትሮ ርሒቓ ትርከብ ሞያሌ፡ ኣብ 1909'ያ ሕጋዊ ኣፍልጦ ዝረኸበት።

ናይ ንግዲ ከተማን ወሰንን ስለዝኾነት፡ ብርክት ዝበሉ ብሄር ብሄረ ሰባትን ህዝብታትን ኣስፊራ'ያ።

እዞም ብሄረሰባት፡ እታ ሃገር ካብ ናይ ደገ ጸላኢ እናሓለዉ ብሓባር ይነብሩ።

ፌደራላዊ ስርዓት ዝፈቐዶ ዋንነት መሬት ስዒቡ፡ ኣብ ዙርያ ሞያሌ ኣብ ሞንጎ ዝርከቡ ብሄራት ጎንጺ ክለዓል ጀሚሩ።

እቲ ኣብ መሬት ዋንነት ዘሎ ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ፡ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ስግግር መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ 11 ቀበሌታት ንሶማሊያ ክወሃባ፡ 17 ድማ ንኦሮሚያ ክወሃባ ወሲኑ'ዩ።

ይኹን'ምበር እዚ ዉሳነ፡ ኣብ ሞያሌ ንዝለዓል ጎንጺ መሊኡ ኣይፈትሐን። ኣብ ቀበሌ ቻሙክ ብዝተወለዐ ጎንጺ ብርክት ዝበሉ መንበሪ ኣባይቲ ነዲዶም።

ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ቀበሌ ቻሙክ ብምኽንያት ጎንጺ ብርክት ዝበለ ንብረት ዓንዩ

ጉዳይ ወሰን ንምፍታሕ ዓሊሙ ኣብ 2004 ዝተኻየደ ድምጺ ህዝበ ዉሳነ ምስቲ ናይ ስግግር መንግስቲ ዝተዛተየሉ ኣይነበረን።

እቲ ህዝበ ዉሳነ፡ ዕጫ ክልላት ሶማሌን ኦሮሚያን ዘዋስኑ 463 ቀበሌታት ንምውሳን ዝዓለመ ነይሩ።

ኣብ ሞያሌ እንትበጽሕ ግና ምኽንያት ዘይምቅድዳዉ ክልቲአን ክልላት ኾይኑ።

ብወገን ኦሮሚያ፡ ሶማሊያዉያንን ጋሬን እቲ ድምጺ ህዝበ ዉሳነ ንምስዓር ካብ ሶማሊያን ኬኒያን ሰባት ኣምጺኦም ዝብል እምነት ኣሎ።

ብሸነኽ ሶማሌ ድማ፡ እቲ ህዝበ ዉሳነ ንምቕልባስ ፈቲኖም ዝብል ኽሲ ኣሎ።

ካብዚ ብዝብገስ 8 ቀበሌታት ሞያሌ ሰላም ሓሪሙወን ዓዉደ ዉግእ ኾይነን።

ምምዝባል፣ ታሪክን መፍትሕን

ናይ ምስሊ መግለጺ ካብ ፕላስቲክ ኣብ ዝተሰርሑ ገዛዉቲ ሰባት ይነብሩ

ካብ ቀበሌ ጫሙክ ዝተመዛበሉ ሰባት ካብ ፕላስቲክ መንበሪ ሰሪሖም'ዮም ዝናበሩ።

እዚ ናይ ጎንጺ ወሰን ኮይኑ ዘሎ ከባቢ ሞያሌ ህይወት ብዙሓት ተኸፊሉዎ።

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ተመዛቢሎም፡ ንብረት ዓንዩ።

ብምኽንያት እቲ ኣብ ቀረባ ዝተልዓለ ዘይምቅድዳዉ፡ ብወገን ኦሮሚያ ኣስታት 54 ሽሕ ሰባት ካብ ዝነብርሉ ተመዛቢሎም።

ብወገን ሶማሊያ ዘሎ ቑጽሪ ንምፍላጥ ቢቢሲ ተደጋጋሚ ፈተነ'ኳ እንተካየደ ክሰምረሉ ግና ኣይከኣለን።

ኣስሊ ሃዲሮ ንብረተን ዝተቓጸላ ወላዲት እያ።

ኣርባዕተ ደቃ ሒዛ ካብቲ ቀበሌ ዝተመዛበለት እንትኾን፡ ኣብ ሕሉፍ 3ተ ኣዋርሕ 20 ኪሎ ግራም ስርናይ ካብ መንግስቲ ሓገዝ ከምዝተቐበለት ትዛረብ።

ብምኽንያት እቶም ዝለዓሉ ጎንጽታት፡ ቑጠባ እታ ከተማ ደቒቑ።

ካብ ከተማ መግብን ማይን ክተመላልስ ጸገም መጓዓዝያ ኣሎ፡ ናህሪ ዋጋ'ዉን ከምኡ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት