ቅልውላው የመን ኣበይ ኮን ይውዳእ ይኸውን?

ደብዳብ ነፈርቲ Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ደብዳብ ነፈርቲ ስዑድ ዓረብ ኣብ ጥቓ ሰንዓ

ቅልዉላዉ የመን ከመይ ኢሉ እዩ ማዕቢሉ

ሃገረ የመን ኣብ ታሪኻ ሓያሎ ኩናት ሓድሕድ ኣካይዳ ኣላ። ኣብ ሓደ እዋን ደቡብን ሰሜንን ተባሂላ ብኽልተ መንግስትን ስርዓትን ትመሓደር ነይራ። ኣብ 1990 ብውህደት ክልተ የመን ሪፖብሊክ የመን ተመስሪታ፡ እቲ ትማሊ ብዕጡቓት ምሊሻ ሖቲ ዝተቐትለ ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ከኣ ፕሬዝደንት ሪፐብሊክ የመን ኮይኑ። ብ2011 ብጸቕጢ ህዝባዊ ተቓውሞ ንምክትሉ ነበር ፕረዚደንት ዓብዱሮቦ መንሱር ሓዲ ስልጣን ኣረኪቡ ተኣልዩ።

ይኹን እምበር ፖለቲካዊ ኩነታት የመን ኣይሃደአን በንጻሩ ምትእትታው ግዳም ከይተረፈ ተሓዊሱዎ ጠንኪሩን ከሪሩን።

ኣብዚ እዋን እዚ መን ምስ መን'ዩ ዝዋጋእ ዘሎ?

እታ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዋ ድኻታት ሃገራት ዓረብ ዝደኸየት የመን፡ ኣብ ሞንጎ እሙናት ደገፍቲ ዓለምለኻዊ ተቐባልነት ዘለዎ መንግሰቲ ዓብዱሮቦ መንሱር ሓዲን፡ ምንቅስቓስ ልፍንታዊ ዕጡቓት ሖቲን ብዝተወለዐ ኲናት ኣብ ከቢድ ቅልውላው ትርከብ።

ካብ ወርሒ መጋቢት 2015 ጀሚሩ፡ ኣብታ ሃገር ልዕሊ 8600 ሰባት ክሞቱ እንከለው ካልኦት 49 ሽሕ ሰባት ቖሲሎም። መብዛሕትኦም ብደብዳብ ነፈርቲ ስዑዲ ዓረብ እትመርሖ ልፍንታዊ ኪዳን እዮም ተጎዲኦም።

ብሰንኪ እቲ ኩናት ከኣ ኣስታት 20 ሚሊዮን የመናውያን ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ የድልዮም ኣሎ።

እቲ ኲናት ከመይ ኢሉ እዩ ጀሚሩ?

ኣብ 2011 ብቀውዒ ሰውራ ዝፍለጥ ህዝባዊ ኣብያ፡ እቲ ንነዊሕ እዋን ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ስልጣኑ ንዓብዱ ሮቦ መንሱር ኣብ ምርኽኻብ ብዘጋጠመ ዉድቀት ፖለቲካዊ ምስግጋር ዝሰዓበ ዘይምርግጋእ ንየመን ናብ ኲናት ኣጥሒሉዋ።

ዓብዱሮቦ መንሱር ሓዲ፡ ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ዝንቀሳቐስ ኣልቃዒዳ ዘውረዶ መጥቃዕታትን ብልሽውናን ስእነት ስራሕን ሕጽረት ምግብን እታ ሃገር ንምቅላስ ጻዕሪ ገይሩ።

ንዝሓለፉ ዓሰርታት ዓመታት፡ ኣንጻር መንግስቲ ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ክካየድ ዝጸንሐ ምንቅስቓስ ሖቲ፡ ነቲ ዝነበረ ድኽመት መንግስቲ ተጠቒሙ ወሰንቲ ዞባታት ሒዙ።

ኣብ መስከረም 2014 ከኣ መንገድታት ብምዕጻዉ ንርእሰ ከተማ የመን ሰንዓ ድማ ተቖጻጺሩ፡ ኣብ ጥሪ 2015 ከኣ ንሚስተር ሓዲን ካቢኔ ሚኒስትራቱን እሱራት ገዛ ገይሩዎም።

ድሕሪ ወርሒ ከኣ ፕረዚደንት ሃዲ፡ ናብ ወደባዊት ከተማ ደቡብ ዓደን ሃዲሙ። ሖቲን እሙናት ሓይልታት ጸጥታ ዓሊ ዓብደላ ሳልሕን ነታ ሃገር ሙሉእ ንሙሉእ ብምቁጽጻር ንሃዲ ሃገር ለቒቑ ከምዝወጽእ ገይሮሞ።

ኣብ 2015 ስዑዲ ዓረብ እትመርሖ ልፍንታዊ ኪዳን ንፕረዚደንት ዓብዱሮቦ መንሱር ሃዲ ንምምላስን፡ ብኢራን ይድገፉ እዮም ንዝብሎም ምሊሻ ሖቲን ንምድኻም መጥቃዕቲ ነፈርቲ ኸፊቶም።

እዚ ልፍንታዊ ኪዳን ካብ ሃገራት ኣሜሪካ፡ ብሪጣኒያን ፈረንሳይን ንዋታዊ ሓገዝን ስለያዊ ሓበሬታን ይረክብ እዩ።

ብድሕሪ'ኸ እንታይ ኮነ?

ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ስዑዲ ዓረብ ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ቦንባ 140 ሰባት ሞይቶም። ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ሓይልታት ንክልተ ዓመትን መንፈቕን ዝተኻየደ ጎንጺ ጠጠዉ ከብል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝመርሖ ዉዕሊ ሰላም እውን ኣይተዓወተን።

ብዙሓት ድሕሪ ምሟቶም፡ ደገፍቲ መንግስቲ ዓብዱሮቦ መንሱር ሃዲ ዝኾኑ ሓይልታት፡ ኣብ ዓደን ዝካየድ ዝነበረ ተቓውሞ ጠጠዉ ከምዝብል ገይሮም።

እንተኾነ ኣብ የመን ዝነጥፍ ኣልቃዒዳን ዕጡቓት ጂሃድን ጉጅለ ዳዕሽን፡ ነቲ ዘሎ ዘይምርግጋእ ተበሊጾም ብርክት ዝበላ ከባቢታት ብምቁጽጻር መንግስቲ ተቖጻጺሩዋ ኣብ ትበሃል ከተማ ኤደን መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ጸኒሖም።

ሕዳር 2017 ተቓወምቲ ሖቲ ናብ ሪያድ ሚሳይል ወንጪፎም። ብድሕሪኡ ስዑዲ ዓረብ እትመርሖ ልፍንታዊ ኪዳን ንመስመር ባሕርን ኣየርን የመን ዓጽዩዎ።

ልፍንትን ምፍልላይን ዓሊ ዓብደላ ሳልሕን ዕጡቓት ሖቲን

Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ደቡብን ሰሜንን ክፋላት የመን ክወሃሃዳ ወሲነን

እቲ ኣብ ሞንጎ ዕጡቓት ሖቲን ደገፍቲ ዓሊ ዓብደላ ሳልሕን ዝነበረ ልፍንቲ ብዙሕ ግዜ ምውጣጥ ዝዓብለሎ ስልታዊ እዩ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምትን መጀመርታ ሕዳርን ከኣ ብዝያዳ ተጋዲዱ።

ብ29 ሕዳር ኣብ ሰንዓን ካልኦት ከባቢታትን ኣብ ሓድሕዶም ግጭት ተላዒሉ። ብ 2 ሕዳር ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ኣብ ሃገራዊ ተሌቪዥን ቀሪቡ፡ ልፍንታዊ ኪዳን ስዑዲ ዓረብ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ጠጠዉ እንተቢሉ ምስ ስዑዲ ሓድሽ ምዕራፍ ርክባት ክፈጥር ከምዝኽእል ሓቢሩ።

ኣይደንጎየን ግን ትማሊ 04 ታሐሳስ ብምሊሻ ሖቲ ተቐቲሉ።

ንዓለም ጉዳይ የመን እንታይ የገድሳ?

አብ የመን ዘጓንፍ ነገር ወትሩ ዞባዊ ወጥሪ ምልዓሉ ኣይተርፍን እዩ። እቲ ወጥሪ ንምርግጋእ እታ ሃገር ስለዝሃስዮ ንምዕራባዊ ክፋል ዓለም'ዉን ዘጨንቕ'ዩ።

ትካላት ስለያ ሃገራት ምዕራብ፡ ኣብ ዞባታት ዓረብ ዝንቀሳቐስ ክንፊ ኣል ቃዒዳ፡ ዘለዎ ቴክኒካዊ ዓቕሚ ሞያን እንተዓብዩ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም ናይ ምጥቃዕ ተኽእሎኡ ክዓቢ ስለዝኽእል ኣዝዩ ሓደገኛ ምዃኑ ይገልጹ።

ጉጅለ ዳዕሽ ኣብ የመን እግሪ ምትካሉ እውን ብቐሊሉ ከምዘይርእዩዎ ይሕብሩ።

እቲ ኣብ ሞንጎ ዕጡቓት ሖቲን ንመንግስቲ ዓብደሮቦ ሃዲ ንምምላስ ዝካየድ ጎንጺ ከኣ ምልክት ኣብ ሞንጎ ብኢራን ዝድገፉ ሺዓውያን ሖቲን፡ ብስዑዲ ዓረብ ዝደገፉ ሱኒን እዩ።

ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ፡ ኢራን ንጉጅለታት ሖቲ ፋይናንሳዉን ወተሃደራዉን ሓገዝ ትገብር'ያ ዝብል ኽሲ እኳ እንተቕረባላ፡ ኢራን ግን ኣይትቕበሎን እያ።

የመን፡ ንጋልፍ ዓደንን ቀይሕ ባሕርን ዘራኽብ ማያዊ ክፋል መጻብቦ ባብ ኣል-ማንዳብ ትዉንን። እቲ ቦታ ብርክት ዝበለ ነዳዲ ዓለም ዝመሓላለፈሉ ስትራቴጂካዊ መስመር ብምዃኑ፡ የመን ኣገዳሲት ሃገር ይገብራ።

ታሪኻዊ ድሕረ ባይታ የመን

የመን ርእሰ ከተማኣ ሰንዓ

1839- ዓደን ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ብሪጣንያ ኣትያ። ስዊዝ ከናል ኣብ 1869 ተኸፊቱ

1849- ኦቶማን ናብ ሰሜን ተመሊሶም'ኳ እንተሓዙ ተቓውሞ ገጢሙዎም

1918- ኦቶማን ኢምፓየር ፈሪሱ። ሰሜን የመን ነፃነታ ኣዊጃ፡ ኢማም ያህያ ብዝተብሃሉ ድማ ተመሪሓ

1948- ያሕያ ተቐቲሎም፥ ይኹን 'ምበር ወዶም ኣሕመድ ነቶም መሳፍንቲ ደቚሱ ስልጣን ወሪሱ

1962- ድሕሪ ሞት ኢማም ኣሕመድ ወዶም ስልጣን እንተወረሰ'ኳ ወተሃደራዊ መኮንናት እቲ ስልጣን ኣሕዲጎም ሪፓብሊክ የመን ዓረብ መስሪቶም።

ኣብ መንጎ ብሳውዲ ዝድገፉ ንጉሳዊ ቤተሰብን ብግብፂ ዝድገፉ ሪፐብሊካንን ኲናት ሕድሕድ ስዒቡ።

ምስረታ ደቡብ የመን

1967- ዓደንን ካልእ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ደቡብ ዓረብን ዝነበረ ከባቢን ሓዊሱ ህዝባዊ ሪፓብሊክ የመን ተመስሪቱ

1969 - ናይ ህዝባዊ ሪፐብሊክ የመንን ፓርቲ ሶቭየት ማሕበራዉን ፖሊሲ ጉዳይ ወጻእን ዳግም ከዐሪ'ዩ ዝተብሃለ ማርክሲስት ኣብ ደቡብ እታ ሃገር ስልጣን ሒዙ።

1971 - ብርክት ዝበሉ ሰላማዉያን ተቓወምቲ እንተድሐርሕሩ፡ ዕጡቓት ጉጅለታት መንግስቲ ንምዉዳቕ ጥምረት መስሪቶም

1972 - ብዓረብ ሊግ ዝፈረሰ ዉዕል ምቁራጽ ተኩሲ ስዒቡ ኣብ ሞንጎ የመናዉያን ጎንጺ ተላዒሉ

1978 - ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ፕረዚደንት ሰሜን የመን ኮይኑ

1979 -ክልቲአን ዞባታት ንምጥማር ሓዱሽ ጎንጺ ኣብ ሞንጎ የመናዉያን ተላዒሉ

1982 - ኣብዚ ግዜ ዘጋጠመ ምንቅጥቀጥ መሬት 3000 ሰባት ቐቲሉ

Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ድሕሪ ናይ ግብጽን ቱኒዝያን ሕብራዊ ዓመጻት ህዝቢ ናብ ኣደባባያት ሰንዓ ዝወጹ የመነዋያን ተቓወምቲ መንግስቲ

1986 - ብዝተላዕለ ፖለቲካዊ ጎንጺ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ደቡብ የመን ሞይቶም። ፕረዚደንት ዓሊ ናስር ሙሓመድ ካብታ ሃገር ወጺኡ፡ ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ናይ ሞት ፍርዲ ተፈሪዱዎ። ሓዱሽ መንግስቲ ድማ ተጣይሹ።

ጥምረት ሰሜንን ደቡብን

1990 - ሳላሕ ፕሬዝደንት ድሕሪ ምዃኑ የመን ሪፐብሊክ ኮይና ናብ ሓደ መጺኣ። ኣብ ሞንጎ ክልተ ሃገራት ዝነበረ ዉጥጥ ድማ ምህዳእ ተኻኢሉ።

1992 - ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ዋጋ ምግቢ ንሂሩ

ሚያዝያ1993 - ዉድባት ሰሜንን ደቡብን ዝሓዘ ልፍንታዊ መንግስቲ ተጣይሹ

ነሓሰ 1993 - ምኽትል ፕረዚደንት ዓሊ ሳሊም ኣል-ባይድ ደቡብ ኣይተረብሐትን፣ ደቡብ ብሰሜናዉያን ይጥቅዑ ኣለዉ ብዝብል ናብ ዓደን ከይዱ

ምክፍፋል

ግንቦት 1994 - ድሕሪ እቲ ዘጋጠመ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ፡ ሳላሕ፡ ኣል-ባይድን ካልኦት ኣባላት መንግስቲ ደቡብን ብምስጓግ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣዊጁ።

ግንቦት ክሳብ ሓምለ 1994 -ኣል-ባይድ ናጽነት ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ የመን ኣዊጁ። ሓይልታት ሰሜን ዓደን ተቖጻጺሮም፡ መራሕቲ ደቡብ ናብ ወጻእ ሃገራት ተሰዲዶም፡ ኣብ ዘየለዉሉ ብሞት ክቕጽዑ ድማ ተፈሪዱዎም።

1995 - የመንን ኤርትራን ኣብ ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ናብ ጎንጺ ኣትየን

ማሕበረሰብ ሙስሊም የመን ዛይድ ሺዓ ሻምፒዮና ክገብር ዝኸኣለ ምንቅስቓስ ሖቲ፡ ቅድም ክብል ኣብ ዝነበሩ ዓመታት ኣንጻር ሳላሕ ዝተኻየዱ ዓመጻት ዓብለልቲ ኾይኖም፡ ድኽመት እቲ ፕረዚደንት ተበሊጾም ዞባ ሳዳን ጎረባብቲ ኸባቢታትን ክቆጻጸሩ ክኢሎም።

  • ታሕሳስ 1992- ዕጡቓት፡ ባሕረኛታት ኣሜሪካ ይጥቀምሉ ዝነበሩ ሆቴል ኣቃጺሎም። እዚ ኣብ ታሪኽ የመን ብኣልቃዒዳ ዝተፈጸመ ፈለማይ መጥቃዕቲ'ዩ።
  • ጥቅምቲ 2000- ኣጥፊኦም ጠፋእቲ ኤደን ኣብ ዝርከብ ናቁጣ ኣጽዋር ኵናት ኣሜሪካ ራዕዳዊ መጥቃዕቲ ፈጺሞም።
  • ጥቅምቲ 2002- ዋንነቱ ናይ ፈረንሳይ ዝኾነ ቦጥ ብነተጉቲ ዝጸፃነት ጀልባ ተቓጺሉ።
  • ሓምለ 2007- 8 ስፔናውያን ምስ 2 ዘወርቲ ሚኪና ኣብ መኪና ብዝተጻወደ ነታጕ ተቐቲሎም።
  • መስከረም 2008- 16 ሰባት ኣብ ደገ በሪ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ መኪና ብዝተጻወደ ነታጕ ሞይቶም።
  • ሓምለ 2009- ኣልቃዒዳ ኣብ ስዑድ ዓረብን የመንን ዝነበሮ ጨናፍር ናብ ሓደ ጸምቢሩ ኣብ ሓደ ማእኸል ክጣየሽ ገበረ።
  • ነሓሰ 2009- ሓደ ኣባል ኣልቃዒዳ ጨንፈር ስዑዲ ንምክትል ሚኒስትር ድሕንነት ውሽጢ ዓዲ የመን ክቐትል ሃቂኑ እንተይሰመረሉ ንባዕሉ ሞይቱ
  • ታሕሳስ 2009- ኣብ ውሽጢ ክዳዉንቱ ስውር መሳርሒ ኵናት ዝተዓጠቐ ዑመር ፋሩክ ዓቡደልሙጣሊብ ንፓይለት ኣሜሪካ ኣፈራሪሑ ክጨዊ ፈቲኑ። ኣልቃዒዳ ድማ ሓላፍነት ወሲዱ።
  • ጥቅምቲ 2010- ብኣልቃዒዳ ከምዝተሰርሐ ዝተዘርበሉ ነታጕ ኣብ ናይ ጽዕነት ኣቁሑ ነፋሪት ኣሜሪካ ተረኺቡ።
  • ግንቦት 2011- ዕጡቓት ኣልቃዒዳ ደቡባዊት ከተማ ዚንጂባር ተቖጻጺሮም።
  • መስከረም 2011- ምስ ኣልቃዒዳ ረኽቢ ዝነበሮን ትውለደ ኣሜሪካዊ ሸኽ ኣንዋር ኣል ኣውላኪ ዋንነታ ናይ ኣሜሪካ ኣብ ዝኾነት ነፋሪት ተቐቲሉ።
  • ለካቲት 2012- ፕሬዚደንት ነበር የመን ሃዲ ቃለ መሓላ ይፍጽምሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ሓደ ኣጥፊኡ ጠፋኢ ብዘካየዶ መጥቃዕቲ 26 ኣባላት ሓይሊ ሓለዋ ጸጥታ ቤቴ መንግስቲ እታ ሃገር ሞይቶም። ኣልቃዒዳ ሓላፍነት ወሲዱ።
  • ግንቦት 2012- ብመጥቃዕቲ ኣጥፊኢኻ ምጥፋእ ኣብ ሰንዓ የመን 96 ሰባት ሞይቶም። ኣልቃዒዳ ሓላፍነት ወሲዱ።
  • ሰነ 2012- ሰራዊት የመን ንከተማ ዚንጂባር ካብ ቁጽጽር ኣልቃይዳ ሓራ ኣውጺኡ።
  • ካብ መጋቢት ክሳብ ማዝያ 2008- ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ጸጥታ፣ ሰብ ስልጣንን ሰብ ሃብቲ ወጻእጠኛታትን ዘነጻጸረ ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ፈጺሙ። ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ የመን ኣብዝሓ ሰራሕተኛታቱ ካብ የመን ከውጽእ ተገዲዱ።
  • መስከረም 2008- 18 ሰባት ዝቐዘፈ መጥቃዕቲ ሰንዓ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ተፈጺሙ። 6 ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ዊዒሎም።
  • ናይቲ ሽዑ እዋን ፕሬዚደንት የመን ዓብደላ ሳላሕ ምስ ናይ እስራኤል ስለያ ረኽቢ ነይርዎም ኣብ ልዕሊ ዝበልዎም ተጠርጠርቲ ኣሲሮም።
Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ኢድ ኣታውነት ብሪጣንያ ኣብ የመን

ጻዊዒት ንለውጢ

  • ሕዳር 2008- ሓይልታት ጸጥታ የመን፡ ተቓወምቲ ውድባት ፖለቲካ(ሰልፍታት) ኣብ ዘካየድዎ ሓበራዊ መድረኽ መፈራርሒ ተዅሲ ከፊቱ። ሰልፈኛታት ሓድሽ ሕጊ መረጻ ንኽካድ ጻዊዒት ኣቕሪቦም።ብሰንኪ እዚ ድማ 5 ሰልፈኛታትን 2 ኣባላት ሓይልታት ጸጥታን ሞይቶም።
  • ለካቲት 2009- መንግስቲ የመን ጸባዮም ኣመሓይሾም እዮም ዝበሎም 176 ተጠርጠርቲ ኣባላት ኣልቃዒዳ ካብ ቤት ማእሰርቲ ፈቲሑ።
  • ነሓሰ 2009- ሰራዊት የመን ኣብ ልዕሊ ዓመጽቲ ሺዓ ሓድሽ መጥቃዕቲ ከፊቱ። በሰንኪ እቲ ተዅሲ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ የመናውያን ተመዛቢሎም።
  • ሕዳር 2009- መንግስቲ ስዑድ ዓረብ ምስ የመን ኣብ ዝዳወበሉ ከባቢታት ብዓመጽቲ ጉጅለ የመን ተታሒዞም ዝነበሩ ከባቢታት መሊሱ ኣብ ምቁጽጻሩ ኣፍሊጡ።
  • ታሕሳስ 2009- ኣብ የመን ዝዓረደ ኣካል ኣልቃዒዳ ኣብ ድሕሪ ዝፈሸለ መጥቃዕቲ ነፋሪት ኣሜሪካ ከምዝነበረ ኣፍሊጡ። መንግስቲ የመን ድማ ኣልቃዒዳ ንምቅባጽ ሓገዝ ክግበረሉ ጸዊዑ።
  • ጥቅምቲ 2010- ኣብ ነፋሪት ኣቑሑ ኣሜሪካ መጥቃዕቲ ክፍጸም ይኽእል እዩ ዝብል ዓለም ለኻዊ መጠንቀቕታ ተዋሂቡ።
  • መስከረም 2011- ትውልደ ኣሜሪካዊ መራሒ ኣልቃይዳ ኣንዋር ኣውላኪ ብወተሃደራት ኣሜሪካ ተቐቲሉ።

ሓድነት መንግስትን እናዓበዩ ዝመጹ ዓመጻትን

  • ሕዳር 2011- ፕሬዚደንት ሳላሕ መዝነቶም ንምክትሎም ዓብዲራቡሕ መንሱር ሃዲ ከረክቡ ተሰማሚዖም። ካብ ተቓወምቲ ውድባት ፖለቲካ እንከይተረፈ ዝተሓወስዎ ናይ ሓባር መንግስቲ ተጣይሹ።
  • ለካቲት 2012- ዓብዲራቡሕ መንሱር ሃዲ ፕሬዚደንት የመን ኮይኑ ቃለ መሓላ ፈጺሙ።
  • ሕዳር 2012- ዲፕሎማሰኛ ስዑድ ዓረብ ምስ ዓጃቢኡ ኣብ ርእሰ ከተማ የመን ሰንዓ ተቐቲሉ። እቲ መጥቃዕቲ ብሓይልታት መንግስቲ የመን ከምዝተፈጸመ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ኣፍሊጦም።

ሃገራዊ ዘተ

  • ጥሪ 2014- ድሕሪ መዓት ልዝባት ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር እንታይ ክመስል ኣለዎ ኣብ ዝብል ዛዕባ ሃገራዊ ኣኼባ ተኻይዱ።

ዕጡቓት ሑቲ

  • ኣብ ሰሜናዊ ክፋል የመን ዝዓረዱን ሑቲ ብዝብል መጸውዒ ዝፍለጡን ዓመጸኛታት ምንቅስቓስ ዛዲዝም ጀሚሮም። ስርወ ንግስና ዛዲስ ሴሜናዊ ክፋል የመን ንኣስታት 1 ሽሕ ዓመታት ዘመሓደሩ ዓሌት እዮም። ኣብ 2014 ድማ ንሰንዓ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ኣእትዮም።
Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ፕሬዚደንት መን ነበር ሳላሕ ምስ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ናይቲ ሽዑ እዋን ጆርጅ ቡሽ

ንምዃኑ ሑታውያን እንታዎት እዮም?

  • ለካቲት 2014- ፕሬዚደንታዊ ልዝብ እታ ሃገር፡ የመን ብ6 ክልላት ዝቷዋቐረት ፈደሬሽን ንኽትከውን ወሲኑ። ከም ሓደ ነጥቢ ፖለቲካዊ መሰጋገሪ ተጜዕሩ እውን ተወሲዱ።
  • መስከረም 2014- ዕጡቓት ሑቲ ንሰንዓ ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ትሕቲ ቀይዶም ኣውዒሎማ።
  • ጥሪ 2015- መራሕቲ ምንቅስቓስ ሑቲ ብመንግስቲ ዝረቐቐ ሕገ መንግስቲ ነጺጎም።
  • መስከረም 2015- ፕሬዚደንት መንሱር ሃዲ፡ ብስዑድ ዓረብ ዝሕገዙ ሓይልታት ብዕጡቓት ሑቲ ተታሒዞም ዝነበሩ ወደባት ምስ ኣምለሱ ናብ ኤደን ተመሊሶም።
  • ማዝያ 2016- ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘሰናድኦ መድረኽ ልዝብ መንግስቲ በቲ ሓደ ገጽ በቲ ካሊእ ገጽ ድማ ዕጡቓት ሑቲን ብፕሬዚደንት ነበር የመን ዝምራሕ ውድብን ተሳቲፎም።
  • ጥቅምቲ 2016- ብስዑድ ዓረብ ዝምራሕ ኪዳን ኣብ ልዕሊ ኣብ ቀብሪ ዝነበሩ ሓዘንተኛታት ብዝፈጾሞ ደብዳብ ነፈርቲ 140 ሰባት ሞይቶም፣ 500 ድማ ግዳያት መቑሰልቲ ኮይኖም። ብድሕሪኡ ውድብ ሕቡራት ሃፈራት ዘሰላስሎ ዝነበረ ዘተ ሰላም መኺኑ ተሪፉ።
  • ጥቅምቲ 2017- ዶናልድ ትራምፕ ፕሬዚደንት ሃገረ ኣሜሪካ ኮይኑ ድሕሪ ምምራጹ፡ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ዝጠርጠረቶም ኣባላት ኣልቃዒዳ መጥቃዕቲ ፈንያ።
  • ግንቦት 2017- ዕጡቓት ሑቲ ናብ ስዑድ ዓረብ መቛረጺ ዘይብሉ ተኹሳ ሚሳኤላት ፈጺሞም።
  • ካብ ሰነ ክሳብ ሕዳር 2017- ኣብ የመን ዝጋጠመ ሕማም ኮሌራ ልዕሊ 2100 ቀቲሉን ን9 ሚኢቲ ሽሕ ድማ ከምዘጥቕዐ ማእኸላት ሕክምና ኣፍሊጠን።

ተወሳኺ ዛንታ