ክባር ጫማ፣ ክዳንን ዘይንስኻ ምምሳልን፡ መለለይ ኣንስቲ ውልቀ-መለኽቲ እዩ

ግሬስ ሙጋቤ ካብ በዓል ገዝአን ንላዕሊ ከምስግኣት ይቑፀራ ነይረን Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ግሬስ ሙጋቤ ካብ በዓል ገዝአን ንላዕሊ ከምስግኣት ይቑፀራ ነይረን

ሓደ ዓፋኒ መራሒ እትምርዖ ሰበይቲ ክልተ ነገራት ክገጥማ ግድን እዩ። ፅቡቕ መነባብሮን ሕማቕ ስምን።

ኣብ ሕብረተሰብ ውሽጢ ከምዚ ዓይነት ኣንስቲ ብዙሕ ነቐፌታ ይበፅሐን።

ምስ ዘይጭበጥ ባህሪአን ብተወሳኺ፥ ጨና ዲሞክራሲ ምስ ዝሓረሞም፥ ቁጠባ ሃገሮም ምስ ዘዳኽሙን ተነሓናሕቶም ምስ ዝቐትሉን ጎኒ ጠጠው ዝበላ እየን።

ከምዚ ዓይነት ሰብ ዝፎቱ ድማ ኣይህሉን።

ይኹን 'ምበር ክንድዚ ዝኣክል ዝፅልኣ ደቁ ኣንስትዮ ስለዝኾና 'ዶ ይኸውን?

"ስሑት ዝወዓላ"

በዓልቲ እንዳ ኣብ ቀረባ ካብ ስልጣኖም ዝወረዱ ፕረዚደንት ሮበርት ሙጋቤ፡ ወይዘሮ ግሬስ ሙጋቤ፡ ምናልባት ኣብ ኣፍሪካ ካብ ዝፅለኣ ቀዳሞት እመቤታት ቀዳመይቲ ክኾና ይኽእላ እየን።

ኣብ ስልጣን ን37 ዓመታት ዝፀንሑ በዓል ገዘአን ንምትካእ እንተሃቀና 'ኳ፥ ጥንኩር ሚኒስቴር ምክልኻል ሃገር ኣየሕልፍን ኢሉወን።

ብዙሕ ሰብ ኣብ ልዕሊ ሮበርት ሙጋቤ ቅርሕንቲ ዋላ እኳ እንተሓደሮ ፥ ንነፃነት ሃገሮም ብዝኸፈሉዎ መስዋእትነት የኽብሮም።

ግሬስ ድማ ናብዚ መንገዲ ዝመርሓ፡ ስሑት ዝወዓላ ተባሂለን ይሕመያ፡ በዚ ድማ ይንቀፋ።

Image copyright Hulton Archive/Getty Images/Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ በዓልቲ ቤት ሙጋቤ ዝነበራ ሳሊ (ፀጋም) ብፅቡቕ ስም እንትለዓላ፡ ግሬስ ግን ነገር ዝፅሕራ ተገይረን ይቑፀራ

ኣብ ኪንግስ ኮሌጅ ለንደን መምህር ዝኾኑ ዶ/ር ኣሊስ ኤቫንስ፡ እቲ ጉዳይ ምድላው ከምዘለዎ ገሊፆም፥ ሰባት ንዘድልዩዎ ሓሳብ ዘረጋጋግፀሎም ሓበሬታ ጥራሕ ስለዝእክቡ እዩ ይብሉ።

"እቲ ዝሓዝናዮ ርእዮተ-ዓለም እነፅንሓሉ መንገዲ እዩ። ንኣብነት ሙጋቤ ከም ጅግና እንተተቖፂሮም፡ እቶም ሓበሬታት ኩሎም ነዚ ዝድግፉ ክኾኑ ኣለዎም።

ብዛዕበኦም ዝኾነ ሕማቅ ነገር እንተሃለወ ድማ፡ እቲ ፍፃመ ብካልእ ሰብ ዝተፈፀመ ተገይሩ ይውሰድ" ኢሎም።

ግሬስ ሙጋቤ ግና፡ ሕማቕ ሰብ እየን። በዓልቲ እንዳ ሙጋቤ ዝነበራ ሳሊ ሃይፍሮን እኳ ሕማመን ተፃዊረን፥ ምስ ሙጋቤ ርክብ ነይሩወን።

ዓበይቲ ናይ ፖሊቲካ ሰባት ካብ ምንእኣስ ብዝሰገረ፡ ኣብ ሆንግ ኮንግን ደቡብ አፍሪካን ኣካላዊ መጥቃዕቲ ኣብፂሐን ተባሂለን ብገበን ተኸሲሰን።

ሙጋቤ ቀዳማይ ሚንስትር እንትኾኑን ዚምባብዌ ነጻነታ እንትትእውጅን ጓል 15 ዓመት እየን ነይረን።

ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ፀጥታ ሓይልታት እታ ሃገር፡ ማታቤላንድ ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ እንትቐትሉን እንትዕምፁን፡ ግሬስ ገና ዕድሜአን ንምምራፅ'ኳ ኣይበፅሐን ነይሩ።

ብርግፅ ግሬስ ምስ ቀዳማዊት እመቤት ነበር አይቮሪ ኮስት፥ ሲሞኔ ባግቦ 'ኳ ኣይነፃፀራን።

ሲሞኔ፡ በዓል ገዘአን ኣብ መረፃ ምስዓሮም ስዒቡ፥ ዝተልዓለ ዓመፅ ንምፍሻል ሓደ ቀንፃሊ ጉጅለ ኣዕጢቐን።

ዜጋታት ዚምባብዌ እቲ ቀንዲ ሰብ ምንቃፍ እንትስእኑ፡ እተን ቀዳማዊት እመቤት ምንቃፍ ቀኒዑዎም።

ክቡራት ጃኬታትን ዲዛይናት ጫማን

ቅጽል ስም ግሬስ ሙጋቤ "ጉቺ ሙጋቤ" እዩ። እዚ ሳጓ ሽም ዝሕብሮ ብዙሕ ከምዘውፅኣ እዩ።

ኮይኑ ግና ናይተን ቀዳማዊት እመቤት ተግባር 'ምበር፡ ነዚ ዘብፅሑወን ደቂ ተባዕትዮ ስሞም ኣይለዓልን።

ቅድሚ 20 ዓመታት ቀዳማዊ በዓልቲ ቤት ፊሊፒንስ ዝነበራ ኢሜልዳ ማርኮስ፡ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ፅምዲ ጫማታት ከምዝነበረን ዝዝከር እዩ።

ብ1986 ፈርዲናንድ ማርኮስ፡ ብህዝባዊ ተቓውሞ ካብ ስልጣን እንትወርዱ፡ ብዙሓት ፊሊፒንሳዊያን ጥራሕ እግሮም ይኸዱ ነይሮም።

Image copyright TED ALJIBE/AFP/Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ኢሜልዳ ማርኮስ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ፊሊፒንስ ኣባል እየን

ሮማንያ ንዕስራን ኣርባዕተን ዓመታት ማለት'ውን፡ ካብ 1965 ክሳብ 1989 ዝመርሑ ኒኮል ሶሴስኩ፡ በዓልቲ እንደኦም ኤሌና ሶሴስኩ ድማ፡ ካብ ዝገብረኦ ጫማ ዝያዳ ብዓይነታት ጃኬተን ይፍለጣ።

ካብ ቆርበት ቡኻርያ፥ ኣድጊ በረኻ፥ ኣቦ ሸመኔን ነብርን ዝተሰርሑ ጃኬታት ይኽደና።

ናይተን ውልቀ-መለኽቲ በዓልቲ-እንዳታት መጋየፂ፡ ብፍሉይ ቀልቢ መራኸብቲ ሓፋሽ ዝስሕበሉ ምኽንያት፥ እቲ ካልእ ክፋል ማሕበረሰብ ብፀገም ስለዝሳቐ እዩ።

ካብ ኣባለት ውድብን ድሕንነትን ብዝበለፀ ድማ ንሳተን ስለዝፍለጣ።

"ይሕጨጨን"

ኣንስቲ ዘይፍተዉ መራሕቲ፥ ሕማቓት ተገይረን ይሰኣላ።

ዓምደኛታትን ፀሓፍትን፡ ቀንዲ ሕማቕ ቀዳማዊት እመቤት ምስ ሌዲ ማካቤት የነፃፅሩወን።

ኣብ ኬንያ፥ ቀዳማዊት እመቤት ሉሲ ኪባኪ፡ ድሕሪ 2005 ኣየኽበሩንን ምስ ዝበለኦም ዲፕሎማሰኛታትን ጋዜጠኛታትን ኣብ ምትህልላኽ ኣትየን ነይረን።

ንኣብነት፡ ሓደ እዋን፥ ጎረቤተን ዝነበሩ ዳይሬክተር ነበር ባንኪ ዓለም ጨንፈር ኬንያ ማክታር ዲዮፕ፡ ኣብ ዘዳለዉዎ ድግስ ፍርቂ ለይቲ ተረኺበን ድምፂ ሙዚቃ ክንከይ ሓቲተን።

ተቓወምቲ እታ ሃገር ድማ "ንሰበይቱ ምእላይ ዘይከኣለ ከመይ ኢሉ ሃገር ይመርሕ?" ብዝብል ኣብ መዋጥር ፖሊቲካ ኣእቲዎሞም።

"ኣንስቲ ናይ ምውጋን ፀገም ኣሎ" ይብሉ፥ መምህር ስርዓተ-ጾታ ፕሮፌሰር ኢቫንስ ኤመሪቱስ፡ "ንዓኣተን ሓድሽ ስም ምሃብ ቀሊል እዩ"ብምባል፡ ግሬስ ሙጋቤ ከም ኣብነት የልዕላ።

ገሊኦም ይእዘዙለን ነይሮም፥ ገሊኦም ድማ ሕልመን ከየሳኽዓ ዕንቅፋት ዝኾኑወን፡ ተሪረን ስለ ዝቓለስኦም እዮም ዝብሉ'ውን ኣለዉ።

Image copyright STR/AFP/Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ቀዳማዊት እመቤት ኬንያ ነበር ሉሲ ኪባኪ ንጋዜጠኛታት እንትዛረባ

"ኣደ ሃገር"

ንቀዳሞት በዓልቲ ቤታት ውልቀ-መለኽቲ ንምንታይ እዩ ሓያል ፅልኢ ዝህልወና? ክልተ ምስሊ ስለዘለወን እዩ ዝኸውን።

"ኣብ ፖሊቲካ ኢደይ ኣየእትውን፥ ኣነ ጓል ህዝቢ እየ" ይብላ ቀዳማዊት እመቤት ነበር ቱኒዝያ ለይላ ቤን።

ለይላ፡ ብገበን ምትላል ማእሰርቲ 35 ዓመታት ተፈሪዱወን። "ማይ ትሩዝ" ዝብል መፅሓፍ ድማ ንሕትመት ኣብቂዐን።

ኤሌና ሶሴስኩ ድማ "ሓላይት ኣደ ሮማንያ" ተባሂለን ኣብቲ እዋን ብዝነበረ ኮምኒስት ውድብ እንተተሞጎሳ'ኳ "ዞም ሓሰኻታት ዝበልዑ እንተበልዑ ኣይፀግቡን" ዝብል ርኢቶአን ስዒቡ፡ ሞት ተፈሪዱወን።

ተመራማሪ ስነ-ልቦና የኒቨርስቲ ኤክስተር ዶክተር ቴክላ ሞርገንሮት ከምዝብሉዎ፡ ኣንስቲ ምስ ውልቀ መለኽቲ እንትትኣሳሰሩ ከምዘደንግፅ ይገልፁ።

"ዝያዳ ዘሕዝን ድማ፡ ደቂ ኣንስትዮ ዝበለፀ ባህሊ ከኽብራን ሕልና ክህልወንን ትፅቢት ምግባርና እዩ" ይብሉ።

Image copyright Keystone/Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ኤሌና ሶሴስኩ "ብልፅቲ ኣደ ሮማውያን" ተባሂለን ብበዓልገዝአን ይሙገሳ ነይረን

ብ2012 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ኣብ እንግሊዝ ዝተወለዱ በሽር አል ዓሳድ፡ በዓልቲ ቤቶም አስማ አል ዓሳድ ካብ ኣንስቲ ኣምባሳደራት ውድብ ሕቡራት መንግስታት፡ ኣብ ሶርያ ዘሎ ደም ምፍሳስ ጠጠው ክብል እጃመን ክፃወታ ተማሕፂነን ነይረን።

ኲናት ሕድሕድ ሶሪያ ብ2011 ካብ ዝጅመር ንነዘ፡ እንተነኣሰ 400 ሽሕ ሰባት ከምዝሞቱ ይግለፅ።

እተን ኣንስቲ ኣምባሳደራት፡ እዚ ምሕፅንታ ቅድሚ ምስመዐን ኣስማ ኣል ዓሳድ ኣብ ሓደ መርበብ ሓበሬታ፡ ሓሙሽተ ሽሕ ዶላር ዘውፅእ ጫማ ንምዕዳግ እንትዋገያ ዘርኢ ቪድዮ ሸሊኹ ወፂኡ ነይሩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት