ስዊዘርላንድ ብጀነራል ሳኒ ኣባቻ 'ተዘሚቱ' ነይሩ ዝበሃል ገንዘብ ክመልስ'የ ትብል

ጀነራል ሳኒ ኣባቻ
ናይ ምስሊ መግለጺ ካብ 1993-1998 ኣብ ዝነበረ ሳኒ ኣባቻ ኣብ ስልጣን ዝነበረሉ እዋን ቢቢልዮና ዶላራት ዝቑጸር ገንዘብ ከም ዝተዘምተ ይንገር

ኣስታት $320 ሚልዮን (£240m) ዝበጽሕ፡ ናይ ናይጀርያ ብወተሃደራዊ መራሒ ነበር ሳኒ ኣባቻ ከም ዝተሰርቀ ዝንገረሉ ገንዘብ ናብ ናይጀርያ ከም ዝምለስ መንግስቲ ስዊዘርላንድ ኣፍሊጡ።

ድሕሪ'ቲ ኣንጻር ወዱ ነቲ ወተሃደራዊ መራሒ፡ ኣባ ኣባቻ ዝተወስደ ሕጋዊ ቅጥዒ፡ ኣብ 2014 ቤት ፍርዲ ስዊዘርላንድ እቲ ገንዘብ ክድስክል ኣዚዙ ከም ዝነበረ ይፍለጥ።

እቲ ፈለማ ኣብ ሃገረ ሉክዘምበርግ ዝርከብ ባንክታት ተቐሚጡ ዝነበረ ገንዘብ፡ ቁንጣሮ ናይቲ ቢልዮናት ዶላራት ዝኸውን ኣብቲ ካብ 1993 ክሳብ 1998 ዝቐጸለ ዘመነ ስልጣን ሳኒ ኣባቻ ከም ዝተሰርቀ ዝዝረበሉ ገንዘብ'ዩ።

ነቲ 'ብኣባቻ ዝተዘምተ' ገንዘብ ምምላስ ናይ ናይጀርያ ቀንዲ ቀዳምነት ኮይኑ'ዩ ጸኒሑ።

ፕሪዚደንት ናይጀርያ፡ ሙሃማዱ ቡሃሪ፡ ምምላስ ናይ ዝተሰርቀ ሃብቲ እታ ሃገር ቀንዲ ኣካል ናይቲ ኣብ 2015 ዘካየዶ ናይ ፕረዚደንታዊ ጎስጓስ ጌርዎ ከም ዝነበረን፡ እዚ ድማ እቲ ዝዓበየ ምምላስ ከም ዝኸውን ይንገረሉ።

ዋላኳ ምምላስ ናይቲ ገንዘብ ኣብ መጋቢት ስምምዕ ዝተበጽሓሉ እንተኾነ፡ ኣብ መንጎ ሚኒስትሪ ፍትሒ ናይጀርያ፡ ዓለማዊ ባንክ፡ በቓታት ስዊዘርላንድን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ዝተፈጥረ ሕጋዊ ሕልኽላኻት ከም ዝጸንሐ፡ ወኪል ቢቢሲ ኣብ ኣቡጃ ስተፋኒ ሃጋርቲ ሓቢራ።

እንተኾነ ግና፡ ትማሊ ሰኑይ ስዊዘርላንድ እቲ ሕጋዊ ቅልስ ከም ዘብቅዐን፡ ስለዚ ኣብ መወዳእታ እቲ ገንዘብ ከም ዝምለስን ኣፍሊጣ።

እቲ መግለጺ መዓስ ከም ዝምለስ እኳ እንተ ዘይገለጸ፡ እቲ ገንዘብ "ንረብሓ ህዝቢ ናይጀርያ" ከም ዝውዕል ንምርግጋጽ ዓለማዊ ባንክ ናይ ምክትታል ሓላፍነት ከም ዝተሰከመ ሓቢሩ።

"ኣንጻር ብልሽውና ምቅላስ ሓደ ካብ ናይ ስዊዘርላንድ ቀዳምነታት'ዩ" ክብል ድሕሪ ምግላጽ እቲ ስጉምቲ "ሰባዊ ድሕነት ድኻታት ናይጀርያውያን ዘሐይል" ከም ዝኾነ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ስዊዘርላንድ ዲድየር ቡርካትለር ገሊጹ ክብል ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ሓቢሩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት