ኩሉ ግዜ ኣብ ሕቶ ዝኣቱ ዘሎ ዓንቀጻት ሕገ መንግስቲ እንተዝመሓየሹ ጽቡቕ እዩ

ሰንደቕ ዓላማ ፌደራላዊት ዲሞክራሲያዊት ኢትዮጵያ Image copyright Ethiopian Foreign Affairs
ናይ ምስሊ መግለጺ ሰንደቕ ዓላማ ፌደራላዊት ዲሞክራሲያዊት ኢትዮጵያ

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት 29 ሕዳር መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጰያ ተባሂሉ ምኽባር ካብ ዝጅመር 12 ዓመታት ተቖጺሮም። ኣብቲ ሕገ መንግስቲ ዝሰፈረ "ንሕና ብሄር ብሄረሰባት ኢትዮጰያ" ዝብል ዓንቀጽ ግን ሕቶ የልዕል'ዩ።

"ብሄር ብሄረሰብን ህዝብን" ዝብል ሓረግ ይብሉ በዓል ሙያ ሕጊ ኣይተ ዉብሸት ሙላት ዉሁድ ሰለስተ ቃላት እምበር ሓደ ትርጉም ዘለዎ ሓረግ ኣይመስልን።

እቶም በዓል ሙያ ከምዝብልዎ እዚ ኣዐሪኻ ንምርዳእ በቶም ሕገ መንግስቲ ዘርቀቑ ሰባት ዝተቐመጠ መብርሂ ምርኣይ ኣገዳሲ'ዩ።

"ኣብ ሞንጎ 'ብሄር' 'ብሄረሰብን' 'ህዝብን' ኣፈላላይ ስፍሓትን መጠን'ኳ እንተሃለወ…" ይብል፡፡

ኣፈላላዮም ብግልጺ ዝተቐመጠ'ኳ እንተዘይኾነ ኣፈላላይ ከምዘሎ ግና ኣቐሚጡ'ዩ ክብሉ የረድኡ።

Image copyright JOSE CENDON

ነዚ ሓሳቦም ንምጥንኻር ድማ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝነብሩ፡ ኣምሓራ ብሄር፣ ኣገዉ ብሄረሰብ፣ ኦሮሞ ድማ ህዝቢ ብምባል ብመሰረት እቲ ዓንቀጽ መብርሂ ኣብ ሞንጎ ሰለስቲኦም ኣፈላላይ ስፍሓትን መጠንን ከምዘሎ የመልክቱ።

ካብዚ ብዝሰገረ፡ ኣብ ዉሽጢ ኢትዮጵያ ዘለዉ ኦሮሞ "ብሄር"፣ ዓፋር 'ብሄረሰብ'፣ እንተላይ 'ህዝቢ' ከምዝኾነ ይገልጹ።

ሙሁር ታሪኽ ኣይተ ኣበባዉ ኣያለዉ ነዚ ሓሳብ ይድግፉ። ብሄር ሓደ ትርጉም ዘለዎ እንትኾን፤ ብሄረሰብን ህዝብን ዝሓዙዎ ትርጉም ድማ ከምዝፈላለየ ይዛረቡ።

እቲ ሕገ መንግስቲ ግና ሰለስተ ቃላት ኣብ ሓደ ጠሚሩ ጉዳይ ኢትዮጵያ ዘንጊዑ'ዩ ክብሉ ይገልጹ።

ኣብቲ ሕገ መንግስቲ፡ ንሰለስቲኦም ሓደ ትርጉም ተዋሂቡዎም ይርከብ። እዚ ድማ፥

"ሓባራዊ ልምድን ባህልን ዘለዎም፣ ክረዳድእሉ ዝኽእል ቋንቋ ዘለዎም፣ ሓበራዊ ወይ ዝተዛመደ ህልዉና ኣለና ኢሎም ዝኣምኑን ስነ ልቦናዊ ሓድነት ዘለዎምን ኣብዝሓ ኣብ ዝተትሓሓዘ መልክኣ ምድሪ ዝነብሩ'ዮም" ይብል።

ናይ ምስሊ መግለጺ ሕገ መንግስቲ ፌደራላዊት ዲሞክራሲያዊት ኢትዮጵያ መዓርነት ቋንቋ፣ ባህሊ፣ታሪክን ሃይማኖትን ብሄረሰባትን ህዝብታትን እታ ሃገር ይድንግግ።

ኣይተ ኣበባዉ፡ ሓበራዊ ጸባይ ንዉልቀ ሰብ እምበር ንብሄር ኣይንጥቀመሉን ክብሉ'ዮም ዝሙግቱ፤ ናይ ሓደ ብሄረሰብ ጸባይ እንታይ'ዩ? ኢሎም እውን ይሓቱ።

ከም ሓሳብ ኣይተ ዉብሸት እንተኾይኑ ድማ፡ ክልላት ኣብ ዘጽደቐኦም ሕገ መንግስታት ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ብዝብል ዘይኾነ፡ ሽም እቲ ብሄር ብምጽራሕ ከምዝተቐመጠ'ዩ። ካብዚ ወጻእ ናይ ኣተረጓጉማ ኣፈላላይ የብሎምን።

ኣይተ ኣበባዉ ብወገኖም፡ ብሄረሰብ ዝብል ኣብ ኣብ ሓደ ኸባቢ ዝሰፈረ ዝብል ወሲድና ንምግንዛብ፡ ህዝቢ ኣይሁድ ምርኣይ እኹል'ዩ።

ኣብ ዝተፈላለየ ዓለም እናነበረ ዝተፈላለየ ቋንቋ ምዝራቡ፡ ሓደ ዓይነት ባህሊ ምክፋሉ ጥራሕ ብሄር ተባሂሉ ክጽዋዕ ኣይገብሮን። ኣብ ሓደ ኸባቢ ክሰፍር ትጽቢት ኣይግበሮን።

ኣብ ዝተፈላላየ ኸባቢ እናነበረ ሓደ ዓይነት ባህልን ቋንቋን ክካፈል ይኽእል። ብሄር ግና ክንብሎ ኣይንኽእልን።

ህዝቢ ዝብል እንተወሲድና ድማ፡ ካብ ሕብርን ቋንቋን ሓሊፉ፡ ሓደ ህዝቢ ዝገብሮ ሓደ ሉኣላዊ ሃገር ምህላው እዩ። እቲ ሕገ መንግስቲ እዚኦም ፈላልዩ ኣየቐመጠን ይብሉ።

ድሕረ ባይታ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ

ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ነበር ዶ/ር ነጋሶ ጊዳዳ እቲ ሕገ-መንግሥቲ እንትረቅቕ ዝነበረ ሃዋህዉ ዘኪሮም እንትዛረቡ፡ "ኣብቲ ሕገ መንግስቲ ክካተቱ ኣለዎም ዝበልናዮም 73 ሕቶታት ኣዳሊና፡ እቶም ሕቶታት ብመልክዕ ምርጫ ተዳልዮም ናብ ህዝቢ ወሪዶም።

ህዝቢ ምስ ዘተየሎም፡ ዝተዉሃቡ ሓሳባት ተኣኪቦም እቶም ሕቶታት ብዓንቀጻት ከምዝከፋፈሉ ተገይሩ። እቶም ዝተኸፋፈሉ ዓንቀጻት ድማ 106 ኾይኖም" ይብሉ።

ናይ ምስሊ መግለጺ መእተዊ ዓንቀጽ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ

ይኹን'ምበር ኣገላልጻ እቲ ሕገ መንግስቲ ክትንተን ኣለዎ ዝብል ሕቶ ምልዓሉ ዉን ዝብሎም ነገር የለን።

"እቲ ሕገ መንግስቲ ኣብ ዝረቀሉ እዋን፡ ሰፊሕ ተቓውሞ ካብ ዝበጽሖም ክፍልታት እቲ መእተዊ'ዩ ነይሩ" ዝብሉ በዓል ሙያ ሕጊ ኣይተ ዉብሸት፡ ጉባኤ ኣርቃቒ ሕገ መንግስቲ ብኣቦ መንበርነት ዝመርሑ ዝነበሩ ኣይተ ክፍሌ ወዳጆ ዝሓዝዎ ጉጅለ በዚ መንገዲ ከይጸሓፍ ተቓዊሙ ምንባሩ ይገልጹ።

ብሄር፣ ብሄረሰብን ህዝብን

ኣብ ዉሽጢ ሓደ መልክአ-ምድራዊ ክልል ምንባር ዝፈጥሮ ቑጠባዉን ባህላዉን ምትእስሳር፡ ኢሉ'ዉን ስነ ልቦናዊ ዝምድና ብሄር ዝብል ነገር ክፍጠር ምኽንያት'ዩ በሃሊ'ዮም ኣይተ ዉብሸት።

ማእኸል ምርምርን መጽናዕትን ቋንቋታት ኢትዮጰያ ዘሕተሞ መዝገብ ቃላት ኣምሓርኛ ብዛዕባ ብሄር ኣብ ዝሃቦ ትርጉም "ካብ ሓድነት ደም ብዝሰገረ፡ ዉጽኢት ብዙሓት ነገዳት" ከምዝኾነ 'ዩ።

ኣይተ ውብሸት ድማ ኣብ ሞንጎ ብሄርን ብሄረሰብን ዘሎ ኣፈላላይ ረቂቕ'ኳ እንተኾነ፡ ፖለቲካዊ መትከልካ ኣብ ምውሳንን ምንባርን ዘሎ ድሌት ከምዘፈልዮም ግና ይዛረቡ።

Image copyright Ethiopian communication Affairs
ናይ ምስሊ መግለጺ ፖስተር መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ እዚ ዓመት

ምምሕያሽ ሕገ-መንግስቲ

እቲ ሕገ መንግስቲ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጰያ ኢሉ ምቕማጡ ዶ/ር ነጋሶ ጊዳዳ ጸገም ኣይኾነን።

እኳ ድኣስ ኩሉ ግዜ ሕቶ ዘልዕል ዓንቀጽ 39፣ ጉዳይ ሰንደቕ ዕላማን ፌደራሊዝምን፣ ቦርድ መረጻ፣ ከምኡ'ዉን ስልጣን ምትርጓምን ምርኣይን ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን መጻኢ ዕጫ እታ ሃገር የተሓሳስበኒ'ዩ ዝብሉ ኣካላት ትኹረት እንተዝህቡሎም'ሞ እንተዝመሓየሽ ይብሉ።

ኣይተ ኣበባዉን ኣይተ ዉብሸትን ግና እቲ ሕገ መንግስቲ ዝመሓየሸሉ ባይታ እንተዝህሉ ጽቡቕ'ኳ እንተኾነ ሕገ መንግስቲ ምቕያር ግና ክኸዉን'ዩ ኣብ ዝብል ይሰማምዑ።

መእተዊ እቲ ሕገ መንግስቲ፣ ዓንቀጽ 8፣ ዓንቀጽ 39፣ ኣወዳድባ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ብኣብነት የልዕሉ።

"እቲ ሕገ-መንግሥቲ ሉአላዊነት ዝብል እንትዳኒ፡ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ በዓል ዋና ሉኣላዉነት'ዮም ይብል። እንተኾነ ህዝብታት ኢትዮጵያ ኢልካ ምግላጽ እኹል'ዩ። ኣብዚ ዘሎ ኣጠቓቕማ ቋንቋ'ዉን ኣካል እቲ ምምሕያሽ ክኸዉን ኣለዎ በሃልቲ'ዮም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት