ጎንፂ ዲሞክራሲያዊት ኮንጎ፡ ካብ ሰብኣዊ ቅልዉላዉ ማእኸላይ ምብራቕ ከፊኡ

ስደተኛታት Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ልዕሊ 7 ሚሊዮን ሰባት ዓርሶም ብምግቢ ንምኽኣል ይጽዕሩ ኣለዉ ይብሉ፡ ሰራሕተኛታት ሓገዝ

ኣብ ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ዘሎ ጎንጺ ኣብዚ ዓመት ጥራሕ 1.7 ሚሊዮን ሰባት ካብ መንበሪ ገዝኦም ከምዘመዛበለን ካብዚ ዝኸፍአ ቅልውላዉ ከስዕብ ከምዝኽእል ትካላት ረድኤት ገሊጾም።

እዚ ንተኸታተልቲ ክልተ ዓመታት ኣብ ዶባት እታ ሃገር ብዝዋግኡ ምሊሻታት ዝሰዓበ ምምዛባል ንሃገረ ኮንጎ ኣብ ዓለም ኣብ ዝኸፍአ ደረጃ ሰሪዑዋ ኣሎ። ምኽንያት ምንዋሕ ፕረዚደንታዊ ምርጫ እዩ ኣብታ ሃገር ንዘሎ ጎንጺ ዝያዳ ኣጋዲዱዎ።

"ኣብዚ ዘሎ ምምዝባል ዝኸፍአ'ዩ፡ ፈሪሖም ዓዶም ራሕሪሖም ዝወጽኡ ዘለዉ ሰባት፡ ካብ ኣብ የመን፣ ሶርያን ዒራቕን ዝመዛበሉ ንላዕሊ ይኸፍእ" ክትብል ዳይሬክተር፡ ካዉንስል ስደኛታት ኖርወይ ኣብ ዲሞክራሲያዊት ኮንጎ ኡልሪካ ብሎም ተዛሪባ።

ጸብጻብ ማእኸል ምቁጽጻር ዓለምለኸ ምምዝባል ከምዝሕብሮ፡ ኣብዚ ዓመት ብማእኸላይ ገምጋም መዓልታዊ 5500 ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ይመዛበሉ ኣለዉ።

ኣብ ዉሽጢ ሃገር 4 ሚሊዮን ሰባት ተመዛቢሎም፡ ልዕሊ 7 ሚሊዮን ድማ ነብሶም ብመግቢ ንምኽኣል ይጽዕሩ ኣለዉ።

"ነዚ ዘሎ ኩነታት ሕጂ ክነዐርዮ እንተዘይኽኢልና፡ ሰባት ብጥሜት ክሃልቁ'ዮም" ክትብል ተጠንቅቕ እታ ዳይሬክተር።

ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ዕቑር ቁጠባዊ ሃብቲ'ኳ እንተለዋ፡ ንዓመታት ብዝቐጸለ ጎንጺ፡ ብዙሓት ዜጋታታ ብድኽነት እዮም ዝነብሩ።

ኣብ 2001 ሞት ወላዲኡ ስዒቡ ናብ ስልጣን ዝመጽአ ፕረዚደንት ጆሴፍ ካቤላ፡ ክልተ ግዜ ኣብ መረጻ ተዓዊቱ'ዩ።

ሳልሳይ ግዜ ክወዳደር ግና ሕገ-መንግስቲ እታ ሃገር ኣይፈቕደሉን።

እቲ ክካየድ ዝግበኦ መረጻ ድማ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ስልጣን መታን ክጸንሕ እዩ ኣደናጊኡዎ እናተብሃለ እዩ ዝዉቀስ።