እየሩሳሌም ርእሰ ከተማ እስራኤል'ያ፡ ዝብል ውሳነ ትራምፕ ተቓውሞ ገጢምዎ

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ
ናይ ምስሊ መግለጺ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኢዮሩሳለም ርእሰ ከተማ እሰራኤል ክተከውን ምቕባሉ ፍሉጣት መሻርኽቲ ኣመሪካ ሃገራት ከይተረፋ ተቓዊመንኦ።

ስዑድ ዓረብ እቲ ብዶናልድ ትራምፕ ዝተወሰነ 'ኢ-ፍትሓውን ሓላፍነት ዝጎደሎን' ክትብል ገሊጻቶ። ሃገራት ፈረንሳይን ዓባይ ብሪጣንያን እውን እንተኾነ ከምዘይድግፍኦ ኣፍሊጠን ኣለዋ።

ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ግን ታሪኻውን ብቐጻልነት ድማ ብዙሓት ሃገራት ከምዝድግፎኦን ገሊጹ ኣሎ።

ፕሬዚደንት ትራምፕ ሃገሩ ኣሜሪካ ንነዊሕ ዓመታት ትኽተሎ ዝነበረት መርገጺ ዓጺፉ እዩ ናብዚ ውሳነ በጺሑ ዘሎ።

ብሰንኪ ውሳነ ኣሜሪካ ሲዒቡ ፍልስጤማውያን ነቲ ሓሳብ ይቓወምዎ ስለዘለዉ እስራኤል ብኣሚኢት ዝቑጸሩ ወተሃደራታ ኣብ ዌስት ባንክ ክተስፍር ተገዲዳ ኣላ።

ፕሬዚደንት ፍልስጤም ሙሓመድ ዓባስ ብወገኑ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሊግ ዓረብን ኣብ ቀረባ እዋናት ኣብ ዘካይድዎ ጉባኤታቶም ምስ ፍልስጤማውያን ደው ክብሉ ጸዊዑ።

ንብርክት ዝበሉ ዓመታት ዝነበረ ፖሊሲ ኣሜሪካ ብምኽላስ፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣሜሪካ ንእየሩሳሌም ርእሰ ከተማ እስራኤል ገይራ ከምትወስዳ ኣፍሊጡ።

እዚ ዉሳነ፡ ከይዲ ሰላም ማእኸላይ ምብራቕ ንምጥንኻር ዝሕግዝ " ካብ ነዊሕ ግዜ ዝበለጸ ስጉምቲ" ክብል ድማ ገሊፅዎ።

ዕጫ እዛ ጥንታዊት ከተማ ምዉሳን፡ ኣብ ሞንጎ እስራኤልን ፍልስጤምን ካብ ዘለዉ ኣጸገምቲ ጉዳያት ሓደ'ዩ።

ትራምፕ ዝወሰዶ ስጉምቲ ምሃብ ኣፍልጦ "ታሪኻዊ" ኢሉ'ኳ እንተገለጾ ዓለምለኻዊ ነቐፌታ ግና በጺሑዎ'ዩ።

ኣሜሪካ ንነዊሕ ዓመታት ዝዘለቐ ጎንጺ ክልቲኤን ሃገራት ንምፍታሕ ትገብሮ ሓገዝ ቐጻሊ'ዩ ዝበለ ትራምፕ፡ ክልቲኤን እንተድኣ ተሰማሚዐን፡ ናጻ ፍልስጤም ተፈጢራ ምርኣይ ከምዝከኣል ገሊጹ።

ፕረዚደንት ፍልስጤም መሓመድ ዓባስ፡ ንኣጸዋዉዓ ትራምፕ "መሕዘኒ" ክብሉ ዝገለጹዎ እንትኾኑ፡ ኣሜሪካ ሰላም ኣብ ምምጻእ ሓጋዚት ኣይትኸዉንን ኢሎም።

ካብተን 15 ኣባል ሃገራት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት እተን 8፡ ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ኣሜሪካ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ዝምልከት ንምዝታይ ህጹጽ ኣኼባ ጸዊዐን።

ንምንታይ ወሳኒ ጉዳይ ኾይኑ?

እየሩሳሌም ርእሰ ከተማ እስራኤል ገይርካ ምዉሳድ ዝብል ዉሳነ፡ ኣሜሪካ ምቲ ዝተረፈ ዓለም ዘለዋ ኣረኣእያ ቐይሩ'ዩ።

ብመሰረት ስምምዕነት ሰላም እስራኤልን ፍልስጤምን 1993 ፍልስጤም፡ መጻኢ ርእሰ ከተማይ ኢላ ንእየሩሳሌም እንተጸዉዐታ'ዉን ዕጫ እዛ ከተማ ኣብ ቐጻሊ ኣብ ዝካየዱ መድረኻት ዘተ ክዝተየሉ'ዩ።

እስራኤል ኣብ ልዕሊ እየሩሳሌም ኣለኒ ትብሎ ሉኣላዉነት ማሕበረሰብ ዓለም ኣፍልጦ ስለዘይሃቦ፡ ኩለን ሃገራት ኤምባሲአን ኣብ ቴልኣቪቭ ኣስፊረን ይርከባ።

እታ ጥንታዊት ከተማ ዝሓቖፈ ምብራቕ እየሩሳሌም፡ ኣብ 1967 ን6ተ መዓልታት ድሕሪ ዝተኻየደ ኲናት፡ እስራኤል ዝተቖጻጸረቶ'ኳ እንተኾነ ዓለም ኣፍልጦ ኣይሃቦን።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ምኽንያት ዉጥጥ ፍልስጤምን እስራኤልን ዝኾነት ከተማ እየሩሳሌም

ትራምፕ ንምንታይ ከምዚ ኢሉ?

"እዚ ዉሳነ ኣብ ፍሉይ ድሌት ኣሜሪካን ምእንተ ሰላም ክልቲኤን ሃገራትን ኢልካ ዝተወሰደ'ዩ ኢልኩም ዉሰዱዎ" ክብል ዘረባ ኣስሚዑ ትራምፕ ኣብ ቤተ መንግስቲ ኣሜሪካ።

ምምሕዳር ኣሜሪካ ኣብ ቴልኣቪቭ ዝርከብ ኤምባሲ እታ ሃገር ናብ እየሩሳሌም ከዛዉርዉ ድማ ነጊሩ'ዩ።

እዚ ዞባዊ ዘይምርግጋዕ ከምጽእ ይኽእል'ዩ ተባሂሉ ተሰጊእሉ ዘሎ ዉሳነ ትራምፕ ኣብ እዋን ጎስጓስ መረጻ ዝኣተዎ ቃል ንምትግባር ዕላማ ዝገበረ'ዩ።

እየሩሳሌም ርእሰ ከተማ እስራኤል ምዃና ኣፍልጦ ምሃብ፡ ካልእ ዘይኮነ "ንሓቂ ኣፍልጦ ምሃብ'ዩ" ዝበለ እንትኾን፡ "እዚ ድማ ትኽክል'ዩ" ኢሉ።

ፍልስጤምን እስራኤልን እንታይ በላ?

ኣብ ማሕበራዊ ድረ ገጽ ትዊተር ድማ፡ "እየሩሳሌም ን3ተ ሚለንየም ተስፋና፣ ሕልምናን ጸሎትናን ነይራ" ክብል ጽሒፉ።

መራሒ ፍልስጤም መሓመድ ዓባስ ድማ፡ እታ ከተማ "ዘለኣለማዊት ርእሰ ከተማ ፍልስጤም ነይራ" ኢሉ።

ቅድም ክብል ብወሃቢ ቃል መንግስቱ ኣቢሉ፡ እዚ ዉሳነ ዝኸፍአ ሓደጋ ሒዙ ክመጽእ'ዩ ኢሉ ነይሩ።

ምንቅስቓስ ሓማስ ድማ ውሳነ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣሜሪካ ኣብቲ ዞባ ተረእዮ ዘላ ድሌት "በሪ ሲኦል ዝኸፍት"'ኡ ክብል ገሊጹዎ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ተቓዉሞ ትራምፕ

እዚ ነቲ ዝተረፈ ክፋል ዓለም እንታይ'ዩ?

ውሳነ ኣሜሪካ ካብ ሃገራት ዓረብን መሻርኽታ ዝኾና ሃገራትን ዝበጽሓ ተቓዉሞ ስዒቡ ዝመጸ'ዩ።

ዝሓለሰ ሰሉስ ንጉስ ስዑዲ ዓረብ ሳልማን፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ እስላም ተቓዉሞ ከልዕሉ ዝዕድም'ዩ ክብል ገሊጹዎ'ዩ።

ኣብ ጋዛን ኢስታንቡልን ሰልፍታት ተቓዉም ዝተኻየዱ እንትኾን ዋና ጸሓፊ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተሬስ "ናይ ጭንቂ ግዜ" ክብሉ ገሊጸሞ።

"ጸገም ክልቲኤን ሃገራት ንምፍታሕ ዝሕግዝ መማረጺ ዝኸዉን ካልኣይ ትልሚ የለን" ድማ ኢሎም።

ብኻልእ መዳይ፡

  • ቐዳመይቲ ሚኒስትር ኢንግሊዝ ትሬሳ መይ፡ ምስ ዉሳነ ኣሜሪካ ዘይተሰማምዓ እንትኾን ኣብቲ ዞባ ሰላም ንምምጻእ ኣብ ዝግበር ከይዲ ሓጋዛይ ከምዘይኾነ ገሊጸን።
  • ፕረዚደንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን፡ ፈረንሳይ ኣይትቕበሎን ኢሎም።
  • ዲፕሎማት ሕብረት ኣዉሮጳ ፈደሪካ ሞግሀረኒ "ከቢድን ዘተሓሳስብን ጉዳይ" ኢለንኦ።