ምርጫ ቦርድ ላይቤሪያ፡ ቤት ፍርዲ እቲ መረጻ ክካየድ ወሲኑ

ስእሊ ጆርጅ ዌህ ን ጆሴፍ ቦከያን Image copyright Reuters/ EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ጆርጅ ዊሃ ን ጆሴፍ ቦከያን ኣብቲ ፕረዝደንታዊ መረፋ ክሳተፉ'ዮም

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ላይቤሪያ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ዝተኻየደ ፕረዝደንታዊ መረጻ ዳግም ክካየድ ዘግብር መረዳእታ ምድንጋር ኣይረኸብኩን ኢሉ።

እዚ ማለት ኣብ ሞንጎ እቶም ክልተ ናብ ናይ መወዳእታ ዙርያ መረጻ ዝቐረቡ ሕጹያት፡ ተጻዋቲ ኩዕሶ እግሪ ነበር ጆርጅ ዊሃን ምክትል ፕሬዝደንት ጆሴፍ ቦከያን ክካየድ'ዩ።

ኮሚሽን መረጻ እታ ሃገር ድማ እቲ ዝዘንግዐ መረጻ እታ ሃገር ዝካየደሉ ግዜ ሰሌዳ ከቐምጥ'ዩ።

ኣብቲ ፈላማይ ዙርያ ሳልሳይ ዝወጸ ወካሊ ፓርቲ ሊበራል ቻርለስ ብሩምስኪን፡ ነቲ ዉጽኢት ተቓዊሙዎ'ዩ።