ብ450 ሚልየን ዶላር ዝተሸጠ ጥበብ ዳ ቬንቺ ናብ ኣቡ-ዳቢ ኣምሪሑ

ውልዶ ጥበብ ሊዮናርዶ ዳ ቬንቺ Image copyright Getty Images

500 ዓመታት ዝገበረ ምስሊ እየሱስ ክርሰቶስ፡ ውልዶ ጥበብ ሊዮናርዶ ዳቪንቺ፡ ኣብ ኣቡ-ዳቢ ናብ ዝርከብ ሙዝየም 'ሉቭረ' ተወሲዱ።

እዚ ሓድሽ ዝተኸፈተ ሙዝየም ኣብ ናይ ትዊተር ገፁ ከምዝሓበሮ፡ እዚ ቅብኣ ኣብቲ ሙዝየም ከምዝርከብ ብምግላፅ፡ ብጨረታ ድዩ ገዚእዎ ካብ ጨረታ ወፃኢ ዝብል ካብ ምግላፅ ተቖጢቡ ኣሎ።

ፀብፃባት ዝተፈላለዩ መራኸብቲ ሓፋሽ ግና፡ ስእሊ "ሳልቫቶር ሙንዲ" ብልኡል ስዑድ ዓረብ ከምዝተገዝአ እናፀብፀባ እየን።

ውልዶ ጥብብ ዳ ቬንቺ ዝኾነ "ሳልቫቶር ሙንዲ" (መድሕን ዓለም)፡ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ፡ ክብረ-ወሰን ዓለም ብምሓዝ ብ450 ሚልዮን ዶላር ተሸይጡ ምንባሩ ይዝከር።

ክሳብ ሕዚ ኣብ ዓለም ብጨረታ ካብ ዝተሸጡ ስራሕቲ ጥበብ ብቐዳምነት ተሰሪዑ ነይሩ።

እዞም መንነቶም ዘይተገለፁ ዓደግቲ እዚ ቅብኣ፡ ኣብ ናይ መወዳእታ 20 ደቓይቕ ስልኪ ብምድዋል እዮም ተሳቲፎም።

ፀብፃብ ኒውዮርክ ታይምስ ድማ፡ ብልኡል ስዑድ ዓረብ፡ ልኡል ባደር ቢን ዓብዱላህ ቢን መሓመድ ፋርሃን ኣል-ሳዑድ ተዓዲጉ ከምዝነበረ ይገልፅ።

ብ1519 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ዝሞተ ሊዮናርዶ ዳቬንቺ፡ ካብ መንጎ ዝፈጠሮም ቅብኣታቱ እቶም ብጣዕሚ ውሑዳት፡ ልዕሊ 20 ዝኾኑ ፍርያት፡ ጥበቡ ክሳብ ሕዚ ኣለዉ።

ድሕሪ 1505 ከም ዝተስኣለ ዝግለፅ ሳልቫቶር ሙንዲ፡ ምስ ውልቀ ሰብ ከም ዘሎ ዝሕሰብ ብሕታዊ ስእሊ እዩ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ኣቡ-ዳቢ ዝርከብ ሓድሸ ሙዝየም 'ሉቭረ'

ኣብ ኣቡ-ዳቢ ዝርከብ ሓድሽ ሙዝየም ሉቭረ፡ ኣብ መፈለምታ እዚ ወርሒ እዩ ተኸፊቱ።

ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ነዚ ሙዝየም ንምህናፅ 1 ቢልየን ዶላር ወዲኡ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብቲ ሙዝየም፡ 600 ስራሕቲ ጥበብ ዘለዉ እንትኾኑ፡ እቶም 300 ካብ ሃገረ ፈረንሳይ እዮም መፂኦም።

እዚ ሙዝየም ነዞም ውልዶታት ጥበብ ካብ ፈረንሳይ ንምምፃእን፡ ኣብ ሃገረ ፈረንሳይ ዝርከብ ሽም ሙዝየም 'ሉቭረ' ንምጥቃምን፡ ኣማኢት ሚልየን ዶላር ንፈረንሳይ ከፊሉ እዩ።