"ኢትዮጵያ ኤምባሲኣ ካብ ቴልኣቪቭ ናብ እየሩሳሌም ንምቕያር ትልሚ የብላን"

የውጭ ጉዳይ ሚኒስትር መሥሪያ ቤት

ኣብ ወቕታዊ ጉዳያት፡ ንመራኸብቲ ሓፋሽ መግለፂ ዝሃበ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ፡ ብዛዕባ ኣብ ሊቢያ ዝርከቡ ስደኛታት፣ ርክብ ኢትዮጵያን ግብፅን ጉዳይ እየሩሳሌምን ቀንዲ ትኹረቱ ሂቡ ተዛሪቡ።

ብዛዕባ ኣብ ሊቢያ ዝካየድ ዘሎ ንግዲ ባሮት ዝተሓተቱ ወሃቢ ቃል ሚንስትር ጉዳያት ኢትዮጵያ ኣይተ መለስ ኣለም፡ "ሕብረት ኣፍሪቃን ሕብረት ኣውሮጳን ብመሰረት ዝበፀሕዎ ስምምዕነት፡ መንግስቲ ሊቢያ ኣብታ ሃገር ዝፍፀም ዘሎ ንግዲ ባሮት (ገላዩ) ደው ከብል ግቡኡ እዩ" ኢሎም።

እዚ ዘይኸውን እንተኾይኑ ድማ፡ ኢትዮጵያ ሓዊሱ፡ ካልኦት ሃገራት ብውልቀን ብሓባርን፡ ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ንድሕሪት ከምዘይብላ ኣተሓሳሲቦም።

"ኣብ ሊቢያ ብንግዲ ባሮት ካብ ሞንጎ ዝሽየጡ ኢትዮጵያውያን ከምዘለዉ በፂሕናሉ ኢና" ዝበሉ እቶም ወሃቢ ቃል፡ ኣብ ሊቢያ ናይ ዘለዉ ኢትዮጵያውን፡ ናይ ምፍላይ ስራሕቲ ብምውዳእ፤ ፍቓደኛታት ንዝኾኑ ናብ ሃገሮም ንምምላስ ከምዝተዳለዉ ገሊፆም።

ኣብ ንግዲ ባራዩ ካብ ሞንጎ ዝተዋፈሩ ዘይሕጋውያን ኣስገርቲ፡ ኢትዮጳውያን ደለልቲ እውን ከምዝርከቡዎም ሓቢሮም።

ኣይተ መለስ፡ ቐዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ ቀረባ ናብ ካይሮ ከምዘምርሑን ኣብ ዙርያ ክልትኣዊ ርክብ እተን ሃገራት ከምዝዝትዩን ሓቢሮም።

ኣይተ ሃይለማርያም፡ ኣብ ካይሮ ዘረባ ከየስምዑ 19 ኣባላት ባይቶ ፓርላማ ግብጺ ፌርማ የተኣኻኽቡ ምህላዮም'ዉን ዘልዓሉ እቶም ወሃቢ ቃል፡ "ልዕሊ 600 ኣባላት ኣብ ዘለዉዎ ፓርላማ 19 ሰባት ከምዚ ዓይነት ከይዲ ምጅማሮም ዘተሓሳስብ ኣይኮነን" ኢሎም።

ብኻልእ ወገን ካብ 6 ሕዳር 2010 ጀሚሩ ስዑዲ ዓረብ ሕጋዊ ፍቓድ ዘይብሎም ዜጋታት ካብ ሃገራ ተዉጽእ ዘላ ምህላያ ብምግላጽ ክሳብ 26 ሕዳር ኣብ ዘሎ ግዘ ልዕሊ 10 ሽሕ ኢትዮጵያዉያን ከምዝተመለሱ ገሊጾም።

Image copyright The Ministry of Foreign Affairs of Ethiopia

ኣብ ዝሓለፈ ናይ ምሕረት ግዜ ዝተመለሱ እግሪ ክተኽሉ ድማ ይስራሕ ኣሎ።

ኣብዚ ቅነ ዛዕባ ዓለም ኮይኑ ኣብ ዘሎ ጉዳይ እየሩሳሌም ርኢቶኦም ዝሃቡ አይተ መለስ፡ "ዉሳነ ፕሬዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ናይ ኣሜሪካ'ዩ፤ ንዓና ዝምልከት ጉዳይ ኣይኮነን" ኢሎም።

"ኣብ ጉዳይ ፍልስጤምን እስራኤልን ኢትዮጵያ ክልቲኤን ሉኣላዉ ሃገር ኾይነን ብሰላም ክነብራ ኣለወን" ዝብል ከምእትድግፍ ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ኤምባሲኣ ካብ ቴል-አቪቭ ናብ እየሩሳሌም ክተዛዉር ትልሚ ከምዘይብላ ዝገለጹ እቶም ወሃቢ ቃል "ኢትዮጵያን ህብረት ኣፍሪቃን ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ ሰላም ብሕታዊ መማረጺ ገይሮም'ዮም ዝወስዱ" ኢሎም።