ፑቲን ዳግማይ ንፕሬዚደንትነት ሩስያ ክወዳደር ምዃኑ ገሊጹ

ፑቲን Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ፑቲን ኣብ ምርጫ ክሳተፍ እየ ይብል

ፕሬዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብቲ ንዓመታ ዝካየድ ምርጫ ንፕሬዚደንትነት ክወዳደር ምዃኑ፡ ኣብ ከተማ ቮልጋ ንሰራሕተኛታት ፋብሪካ መኪና መደረ ኣብ ዘስምዓሉ እዋን ሓቢሩ።

"ስመይ ከም ሕጹይ ፕሬዚደንታዊ ተወዳዳራይ ንናይ ሩስያ ፈደረሽን ከቕርብ እየ" ኢሉ ፑቲን።

ፑቲን ካብ 2000 ጀሚሩ ከም ፕሬዚደንት ወይ'ውን ከም ቀዳማይ ምኒስተር ኣብ ስልጣን ጸኒሑ። እንተድኣ ኣብቲ ናይ መጋቢት 2018 ምርጫ ተዓዊቱ ድማ ስጋብ 2024 ከም ፕሬዚደንት ከገልግል እዩ።

ጋዜጠኛ ተሌቪዥን ሩስያ ከሰኒያ ሶብቻክ ኣብቲ ኣብ መጋቢት ዝካየድ ፕሬዚደንታዊ ምርጫ ክትወዳደር ምዃና እኳ እንተገለጸት ናይ ህዝቢ ርእይቶ ግን ፑቲን ብቐሊሉ ከምዝስዕር እዩ ዘርኢ።

ኣሌክሲ ናቫልኚ፡ ቀንዲ መራሒ ተቓዋሚ ሩስያ፡ ብምጥፍፋእ ገበነኛ ኮይኑ ብምርካቡ ብወግዒ ካብ ምውድዳር ተኣጊዱ። ንሱ ግና ነቲ ክሲ ፖለቲካዊ'ዩ ኢሉ ነጺጉዎ።

ፑቲን ብመብዛሕትኦም ሩሳውያን ኣዝዩ ህቡብ ኢዩ፡ ኣብ ኲናት ሓድሕድ ሶርያ ወሳኒ ወተሃደራዊ ምትእትታው ብምግባሩን ንክረሚያ ናብ ሩስያ ብምጽንባሩን፡ ተቐባልነት ሩስያ ብዓለም ደረጃ ናብቲ ዝነበረቶ ብምምላሱን ድማ እቲ ህዝቢ ከም ሓያል መራሒ ይሪኦ።

እቶም ተቓወምቱ ግና ብብልሽውናን ብዘይሕጊ ንክሪሚያ ናብ ሩስያ ብምጽንባሩን ይውንጅልዎ።

Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ፑቲን

ድሕረባይታ

ቭላድሚር ፑቲን ካብ ሰላይ ናብ ፕሬዚደንት ሃገር

ፑቲን ብ7 ጥቅምቲ 1952 ኣብ ለኒንግራድ [ሕጂ ቅዱስ ፒተርስበርግ] ተወሊዱ።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ብሕጊ ድሕሪ ምምራቑ ድማ ኣብ ስለያዊ ትካል ሕብረት ሶቭየት ተጸንቢሩ።

ሰላይ ሩስያ ኮይኑ ኣብ ምብራቕ ጀርመን ኣገልጊሉ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት