ዉቁባት ስእልታት ኣፍሪቃ እዚ ሰሙን

ካብ መላእ ኣፍሪቃ ብዘተኣኻኸብናዮም ዉቁባት ስእልታት ኣፍሪቃ እነሆ ኣእሙሮኹም ኣሕዱስልና

ሰለማዊ ሰልፊ ደቂ ኣንስትዮ ናይጀርያ Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ደቂ ኣንስትዮ ናይጀርያ ቁጠባዊ ማዕርነትና ይረጋገጸልና ክብላ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ኣቡጃ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይደን ኣለዋ።
ውድድር ምልዓል ክብደት ጉድኣት ኣካል Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ኮንጎ ብራዛቪሊያዊ ፊፊ ሎኳላ፡ ሜክሲኮ ይካየድ ኣብ ዘሎ ውድድር ሻምፒዮና ፓራሎምፒክ( ስፖርት ጉድኣት ኣካል) ኣብ ምልዓል ክብደት እናተሳተፈ።
ካሜሮናዊት ቨኔሳ ጂፕሙ መዲቤ ምስ መጋጥምታ ክሳድ ንኽሳድ ገጢማ Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ካሜሮናዊት ቨኔሳ ጂፕሙ መዲቤ ኣብ ጀርመን ይካየድ ኣብ ዘሎ ውድድር ሻምፕዮና ኩዕሶ ኢድ( ሃንድ ቦል) ዓለም ሸቶ ክተቑጽር ምስ መጋጥምታ ክሳድ ንኽሳድ።
ወሩይ ሳዕሳዒ ኣብ እዋን ስነ ስርዓት ምረቓ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ዳካር Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ሰኔጋላዊ ሳዕሳዒ ኣብ እዋን ምረቓ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ዳካር ተረኺቡ ትልሂቱ ንተመልከቲ እናርኣየ።
ወዲ ሰራልዮን ፍሉጥ ስነ ጥበባዊ ባህሊ 'ባቡ' ኣብ ዝሓለፈ ሮብዕ ኣብ ፌስቲቫል ከተማ ረኒስ ፈረንሳይ Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ወዲ ሰራልዮን ፍሉጥ ስነ ጥበባዊ ባህሊ 'ባቡ' ኣብ ዝሓለፈ ሮብዕ ኣብ ፌስቲቫል ከተማ ረኒስ ፈረንሳይ ድሕሪ መድረኽ
ንፕሬዚደንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ብመስኮት ተቐልቂሎም ዘማዕደዉ ኣልጀራውያን። Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ዝሓለፈ ሮብዕ ፕሬዚደንት ፈረንሳይ ኣብ ኣልጀርስ እንትኣቱ ኣልጀራውያን ብመሳኹቲ ተቐልቂሎም እንተርእይዎ።
ዑደት ፕሬዚደንት ፈረንሳይ ኣብ ኣልጀርያ Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ፈላማይ ዑደት ፕሬዚደንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ርእሰ ከተማ ኣልጀርያ፡ ኣልጀርስ። ኣልጀርያ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ፈረንሳይ ሓራ ክትወጽእ ከቢድ ተጋድሎ ኣካይዳ እያ።
ቱኒዛውያን ባንዴራ ኣሜሪካ እንተቃጸሉ Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ፕሬዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ እዮርሳሌም ዋና ከተማ እስራኤል ምዃና ኣፍልጦ ኣብ ዝሃብሉ ጽባሕ ቱኒዛውያን ሓሳብ ትራምፕ ብምቅዋም ባንዴራ ኣሜሪካ ኣብ ኣደባባይ ኣቓጺሎም።
ስደተኛ ኣንጻር ንግዲ ባርያ ሊብያ ተቓውሞ ኣስሚዑ። Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ግሪክ ዝቕመጥ ስደተኛ ኣፍሪቃ፡ ኣንጻር ኣብ ሊብያ ንግዲ ባርያ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ዘካይዱ ዘለዉ ሰባት ብምቅዋም ተቓውምኡ ኣስሚዑ።
ናይጀርያዊት ምስ ጓላ ናብ ዓዳ ምስ ተመልሰት Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ናይጀርያዊት ምስ ጓላ ብሊብያ ኣቢላ ናብ ኣውሮጳ ክትኣቱ ፈቲና ግን ድማ እንከይሰመረላ ናብ ዓዳ ምስተመልሰት ዘርኣየቶ ታሕጓስ
ፍሬም ስእሊ ሓዱሽ ፕሬዚደንት ዚምባብወ ምናንጋግዋ ኣብ ቤተ መንግስቲ እታ ሃገር እንትስቀል Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ፍሬም ስእሊ ሓዱሽ ፕሬዚደንት ዚምባብወ ኤመርሰን ምናንጋግዋ ኣብ ቤተ መንግስቲ እታ ሃገር እናተስቐለ። እዚ ስእሊ እዚ ዝስቀል ዘሎ ምናንጋግዋ ፕሬዚደንት ኮይኖም ምስተመርፁ ድሕሪ 10 መዓልቲ ኣብ ዘሎ ግዜ እዩ።
ህጻን ቆልዓ ኣብ ኣዳራሽ ዝዓነወ ቤተ መንግስቲ መራሒ ነበር ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ሰሴ ስኮ ታተ እናበለ Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ህጻን ቆልዓ ኣብ ኣዳራሽ ዝዓነወ ቤተ መንግስቲ መራሒ ነበር ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ሰሴ ስኮ ታተ እናበለ
ዓርሓ ኩለን ኣዋርሕ ኣብ ጎበታት ኬፕታውን ደቡብ ኣፍሪቃ ተኾሊዓ። Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ዓርሓ ኩለን ኣዋርሕ ኣብ ጎበታት ኬፕታውን ደቡብ ኣፍሪቃ ተኾሊዓ።
ዓውደ ምርኢት ውፅኢት ኣፍሪቃውያን ስራሕቲ Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ኣፍሪቃ ዝተሰርሑ ኣቑሑት ማሕበረሰብ ዓለም ለኸ ንምልላይ ዓሊሙ በብዓመቱ ዝኻየድ ዓውደ ምርኢት ማእኸላይን ምብራቕ ኣፍሪቃ። ኣብዚ ፌስቲቫል ተዛረብቲ ቋንቋ ስዋሂሊ ዝኾና ሃገራት እየን ዝሳተፋ።
ውድድር ጽባቐ ኣወዳት ዛንዚባር Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ እዞም ተወዳደርቲ ጽባቐ ኣወዳት ብዛንዚባራዊ ክኢላ ቅዲ ፋሩንኬ ዓብደላ ዝተሰረሐሎም ናይ ኣፍንጫ መጋየጺ ገይሮም ምርኢት ሞዴሌንግ እንተርእዩ።
ቤተ መንግስቲ ባኪንግሃም Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ንኣምባሳደር ናይጀርያ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ጆርጅ ኣደሶላ ምስ ሰበይቱ ኣብ ቤተ መንግስቲ ባኪንግሃም እንትቕበላ።

መሰል ፍልፍላት ስእሊ ሕልው እዩ።