"ፈተናታት ዝበዝሕዎ ግዜ እንተሃለወ ሐዚ'ዩ"

ኣከባብራ መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ኢትዯጵያ ኣብ ሰመራ Image copyright Alex solomon
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣከባብራ መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ኢትዯጵያ ኣብ ሰመራ

"ብሕገ መንግስትና ዝደመቐ ሕብረ ብሄራዊነትና ንሕዳሰና" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ርእሰ ከተማ ክልል ዓፋር፡ ሰመራ፡ ንመበል 12 ግዜ ይኽበር ዘሎ መዓልቲ ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ፡ ካብ ሕሉፍ ብዝዛየደ፡ ብዙሓት፡ ሕቶ ከልዕሉ ምኽንያት ኾይኑ ኣሎ።

እቶም ሕቶታት ካብ ረብሓ እቲ በዓል ጀሚሩ ክሳብ ሕገ መንግስቲ፣ ብሄርን ቋንቋን ተኮር ፌደራላዊ ስርዓትን ዘዘንበሉ ኾይኖም ኣለዉ።

ኣብቶም ዝሓለፉ ኣዋርሕ፡ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያ ዝተልዓሉ ብሄር ትኹረት ዝገበሩ ጎንጽታትን፡ ኣብ መንነት ዘነጻጸሩ መጥቃዕቲታትን ቑጽሮም ዉሑድ ኣይኾነን።

ምኽንያት ሞትን ምምዝባልን ብርክት ዝበሉ ዜጋታትን፡ ድማ ኾይኖም። ብዙሕ ንብረት'ውን ዓንዩ።

ነዚ ስዒቡ፡ ኣብዚ ዕለት ይኽበር ዘሎ መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ትርጉም የብሉን ዝብሉ ወገናት ኣይተስኣኑን።

Image copyright Alex solomon

"ፕሮፖጋንዳ"

ኣብ ኮሌጅ ኢንዲኮት፡ መምህር ዓለምለኸ ሕግን ሰብኣዊ መሰላትን ዶክተር ሰማሀኝ ጋሹ፡ ናይ ኣረኣእያ፣ ድሌትን ፖለቲካዊ ቅዋምን ሓድነት ኣብ ዝነገሰለን ሃገራት መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባት ዝኣምሰሉ በዓላት፡ ዕርቅን ሰላምን ንምዉራድ ኢሉ'ዉን ሃገራዊ ሓድነት ንምጥንኻር ከገልግሉ ከምዝኽእሉ ብምግላጽ፡ ኣብዛ ሃገር ይኸዉን ዘሎ ግና ካብዚ ዝተፈለየ'ዩ ይብሉ።

"ኣብ ኢትዮጵያ፡ መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባት ንፕሮፖጋንዳን እቲ ስርዓት ተቐባልነት ክህልዎ ንምግባርን ዝዓለመ'ዩ"።

እቲ በዓል ዝዉክሎ ስርዓት፡ ከም ስርዓት መሰረታዊ ጸገማት ዘለዉዎ ኾይኑ፡ ሰብኣዉን ዲሞክራሲያዉን መሰላት ዘይምኽባሮም ስዒቡ ፖለቲካዊ ምህዳር እታ ሃገር ይምንምን ኣሎ ይብሉ ዶክተር ሰማሀኝ ሓሳቦም እንተጠናኽሩ።

እቲ በዓል ንምኽባርን ኣጋይሽ ንምትእንጋድን ክትለፍዕ ዝኸረመት ከተማ ሰመራ፡ ምስቲ በዓል ተዛሚዱ ብኣማኢት ሚሊዮን ዝቑጸር ገንዘብ ወጻኢ ገይራ ክትኸዉን ይግመት።

ቅድሚ ክልተ ዓመት እዚ በዓል ዘተኣናገደት ከተማ ጋምቤላ ልዕሊ 340 ሚሊዮን ቅርሺ ነቲ በዓል ከምዝወጸ ይዝከር።

ብሓደ ገጽ፡ ኣብዚ ሐዚ እዋን ካብ ቤት ንብረቶም ዝተመዛበሉ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት እግሪ ንምትካል ዝለዓለ ገንዘብ ከምዘድሊ ብምግላጽ፡ ንዉሑዳት መዓልታት ዝካየዱ ምርኢታት ጎደናን ዝቐርቡ ዓዉደ መጽናዕትን ኣብ ሞንጎ ብሄራት ምክብባር፣ ማዕረ ፖለቲካዊ ተሳትፎን ምጣነ ሃብታዊ ተጠቃምነትን ንምምጻእ ዘለዎም ረብሓ ኣብዚ እቶ ዝበሃል ኣይኮነን ብምባል ኣብቲ በዓል ካብ ምስታፍ ከምዝቑጠቡ፡ ገለ ተጣበቕቲ መሰል ኦሮሚያ እናገለጹ ጸኒሖም'ዮም።

Image copyright Getty Images

"ብዙሕነት ኣብ ሓደጋ ወዲቑ"

"እታ ሃገር ዘላቶ ነባራዊ ፖለቲካዊ ሓቂ እቲ መዓልቲ ወይ ድማ ነቲ ዝዉክሎ ስርዓት ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ክኽበር ኣብ ዘድልየሉ ብርኪ ከምዝተበጽሐ ዝሕብር'ዩ" ይብሉ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ፡ መምህር ፌደራሊዝም ኣይተ ናሁሰናይ በላይ።

"ኣብቲ ዕለት፡ ኣብ ሕገ መንግስቲ ዘሎ መትከል ኢና ነኽብር። እዚ፡ እቲ ፖለቲካዊ ኸባቢ እንትትኸፍእ ወይ ናዕቢ እንትለዓል ነኽብሮ፣ ሕማቕ ኩነታት እንትፍጠር ድማ ንሓድጎ ክኸዉን የብሉን" ይብሉ ኣይተ ናሁ ሰናይ።

ካብዚ ብዝሰገረ ኢሎም፡ "መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባት እንትበሃል ብዙሕነት ምቕባል ማለት'ዩ። ኣብ ዉሽጢ ብዙሕነት ዝፍጠር ሓድነት ምሕሳብ ማለት'ዩ። ስለዝኾነ፡ ካብዚ ግዜ ንላዕሊ ደኣሞ መዓዝ ክነኽብሮ? ፈተናታት ዝበዝሑዎ ግዜ እንተሃለወ ሐዚ'ዩ። ብዙሕነትና ኣብ ፈተና ዝወደቐሉ ሰዓት ኢና ዘለና"።

እዚ'ዉን ኾይኑ ግና፡ በብቦትኡ ዝተልዓሉ ሕቶታት መሰል፣ ተቓዉሞታት፣ ጎንጽታትን ጥቕዓታትን በብዓመቱ 29 ሕዳር ካብ ዝሕሰብ ሕገ መንግስትን እቲ ሕገ መንግስቲ ዘረጋግጾ ስርዓት ፌደራሊዝምን ከምዘይራኸቡ ድማ ይገልጹ እቶም ሙሁር።

"ዜጋታት ዘልዓሉዎም ዝተፈላለዩ ሕቶታት ዲሞክራስን ምጣነ ሃብታዊ ተጠቃምነትን'ዮም። መሰለይ ይወሃበኒ ዝበል ሕቶ ዲሞክራሲ'ዩ። 'ፌደራሊዝም ዝሃበኒ መሰል ስለዝበዝሓኒ ይነከየለይ' ኢሉ ዝመጸ ኣካል ግና የለን።

'ብናይ ባዕለይ ቋንቋ ምንባር፣ ብናይ ባዕለይ ኣመሓደርቲ ምምሕዳር ኣጽሊኡኒ'ዩ' ዝበለ ህዝቢ የለን። ነዚ'ዩ ፌደራሊዝም ኣብ ሕቶ ኣይወደቐን ንብል። ዘለዉ ሕቶታት ኣኪብኻ ናብቲ ስርዓት ምልጣፍ ግጉይ ኣተሓሳስባ'ዩ" ብምባል የስምርሉ።

ሕገ መንግስቲ. . . .

Image copyright Alex solomon
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣከባብራ መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ኢትዯጵያ ኣብ ሰመራ፡ ዓፋር

እቲ ክመጽእ ዝኽእል ማዕበል ንምዕጋት ክዉሰድ ኣለዎ ዝብልዎ ፈላማይ ስጉምቲ እንትገልጹ፡ መበገሲ እቶም ጸገማት፡ ብዙሕነትን ፌደራሊዝምን ዝቕበል እንግድዓ ፖለቲካዊ ኣመራርሓ እታ ሃገር ኣይደልደለን ምስ ዝብል የጣምሩዎ ኣይተ ናሁሰናይ።

እቲ ፖለቲካ ነቲ ሕገ መንግስቲ ክመስል ዘኽእል መሓዉራዊ መፍትሒ ክመጽእ ከምዘለዎ ብምግላጽ፡ "ሰባት ምትኽኻእ ኣይኮነን እቲ ቁም ነገር፤ ሉኣላዉነት ህዝቢ ዝረጋገጸሎም ስርዓት መረጻን ዉክልናን ብመሰረት እቲ ሕገ መንግስቲ ክኾኑ ኣለዎም። ኢትዮጵያዉነት ዝብል ትርጉም ዝህሉ፡ ዜጋታት ብመሰረት እቲ ሕገ መንግስቲ መሰሎም እንትኽበረሎም ጥራሕ'ዩ" ይብሉ።

መምህር ሕጊ፡ ዩኒቨርሲቲ ኪል ዶክተር ኣወል ኣሎ ድማ፡ መንነት ማእኸል ዝገበረ ፌደራላዊ ስርዓት እንትህሉ፡ ብፍላይ ድማ ፖለቲካዊ በደል፣ ምጣነ ሃብትን ባህላዉን ወጽዓ ኣብ ዘለዋ ሃገር እንትኾን ጎንጺ ናይ ምፍጣር ዕድሉ ሰፊሕ'ዩ ይብሉ።

"ይኹን'ምበር" ይብሉ ኣይተ ኣወል፡ "ኣብቲ ሕገ መንግስቲ ጸኒዑ ዝተቐመጠ ብሄር ማእኸል ዝገበረ ስርዓት ፌደራሊዝም፡ ኣብታ ሃገር ንዝርኣዩ ናዕብታት መበገሲ ኾይኑ'ዩ ዘብል እኹል መረዳእታ የለን፤ ምኽንያቱ እቲ ሕገ-መንግስቲ ብኣግባቡ ኣብ ስራሕ ኣይዉዓለን"።

ዶክተር ሰማሀኝ ብወገኖም፡ እቲ ሕገ መንግስቲ ዝረቐቐሉ ከይዲ ዘተሓትት'ዩ፤ ብቲ ናይ ስግግር መንግስትን ሕገ መንግስቲ ዝተጽሓፈሉ ከይድን ዝተሳተፉ ፖለቲካዊ ዉድባት ተመሪጾም ምስታፎም፡ እቲ ኸይዲ ኣሳታፊ ዘይምንባሩ የርኢ ይብሉ።

"ብርክት ዝበሉ ሕብረ ብሄራዊ ፖለቲካዊ ዉድባትን ሙሁራት ኣምሓራን ኣብ ከይዲ ምርቃቕ እቲ ሕገ መንግስቲ ኣይተሳተፉን። እዚ ማለት ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዙርያ እቲ ሕገ መንግስቲ ኮነ በዓላት ጥርጣረ ክህሉ ምኽንያት ኮይኑ'ዩ። እቶም ጸገማት ኣፈጻጽማ መሓዉር ዝወለዶም'ዮም" ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ