ብ'ዘይእሩም' አከዳድና ስረ ገበን ዝተኸሳሳ ደቂ ኣንስትዮ ሱዳን ነፃ ተባሂለን

ደቂ ኣንስትዮ ሱዳን Image copyright Getty Images

ኣብ ርእሰ ከተማ ሱዳን፥ ካርቱም ስረ ብምኽዳነን "ዘይእሩም አከዳድና" ብዝብል ገበን ክሕተታ ክሲ ዝቐረበለን 24 ደቂ ኣንስትዮ እቲ ክሲ ውድቂ ኮይኑ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ዝነበረ ህዝባዊ ምድላው ብፖሊስ እዩ ተበቲኑ።

እተን ክሲ ዝቐረበለን ደቂ ኣንስትዮ ገበነኛታት ኮይነን እንተዝርከባ ነይረን፥ 40 ኩርማጅ ምተገርፋ ከምኡ'ውን "ዕርቃነን ወፂአን" ብምርካበን ብገንዘብ ምተቐጽዓ ነይረን።

ሓደ ሓደ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ከምዝብልዎ፥ ኣብታ ሃገር፡ ዓመት ዓመት ብዓሰርተታት ኣሻሓት ዝቑፀራ ደቂ ኣንስትዮ አከዳድና ፆታዊ ሕጊ ጥሒሰን ተባሂለን ግቡእ ዘይኮነ ማእሰርትን መግረፍትን ፍርድን ክቃለዓ ፀኒሐን እየን።

እታ ኣብዝሓ ህዝባ ተኸታሊ ሃይማኖት ምስልምና ዝኾነት ሱዳን፡ ደቂ ኣንስትዮ ስረን ምስ ሰውነት ጥብቕ ዝበለ ፀቢብ ክዳንን (ታይትን) ንዕኡ ዝመስል ርቕቕ ዝበለ ክዳን ንኸይክደና ዝኽልክል ሕጊ ኣሎ። እዚ ከኣ ብፍላይ ንመሰላት ደቂ ኣንስትዮ ተኸተልቲ ክርስትና ዝግሃስ እዩ ተባሂሉ ይንቀፍ።

ብልሙድ፡ ደቂ ኣንስትዮ ሱዳን ግፍሕ ዝበለ ክዳውንቲ እየን ዝኽደና።

ካብ መንጎ እተን ተጣበቕቲ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ዝኾነት፥ ኣሚራ ዖስማን፡ እቲ ሕጊ መሰላት ደቂኣንስትዮ ዝጥሕስ እዩ ክትብል ንሬድዮ ኔዘርላንድስ ዳባንጋ ሓቢራ።

"እቲ ምድላው ኢልማሙራ ኣብ ዝተብሃለ ዕፁው ገዛ እዩ ተኻይዱ" ትብል።

እተን ደቂ ኣንስትዮ ድማ ካብ ዝምልከቶም ሓለፍቲ ፍቓድ እኳ እንተነበረን ተኣሲረን ኢላ።

ገበን መቕፅዒ ሕጊ 152፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ዕርቃነን ዘርኢ ክዳን ከይክደና ይኽልክል።