ተቓወምቲ ሓይልታት ቬንዙዌላ ካብ ምርጫ 2018 ተኣጊዶም

Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ቬንዝዋላውያን ዝመርጽሉ ኣሽማቶም ኣብ ናይ ምርጫ ቦርድ እናርኣዩ

ፕረሲደንት ኒኮላስ ማዱሮ ናይ ቬንዙዌላ ቀንዲ ተቓወምቲ ውድባት (ሰልፍታት) ናይታ ሃገር ንዓመታ ኣብ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ንከይሳተፋ ከምዝተኣገዳ ኣፍሊጡ። እተን ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ከንቲባታት ዝተሳተፋ ሰልፍታት ጥራይ ከም ዝሳተፋ ድማ ገሊጹ።

መራሕቲ ሰልፍታት ጃስቲስ ፊርስት፣ ፖፑላር ዊልን ደሞክራቲክ ኣክሽንን እቲ ናይ ሰንበት ምርጫ ኣድልዎ ነይርዎ ብምባል ኣይተሳተፉን። እንተኾነ መስርሕ ምርጫ ቬንዙዌላ እሙን'ዩ ክብል ፕረሲደንት ማዱሮ ኣስሚሩሉ።

ብሰንበት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ፕረሲደንት ማዱሮ ተቓወምቲ ሰልፍታት'ታ ሃገር "ካብ ፖለቲካዊ ካርታ ናይ'ታ ሃገር ጠፊኤን ኣለዋ" ኢሉ። "ኣብቲ ናይ ሎሚ ምርጫ ዘይተሳተፈትን ኣብያ ናይ ምርጫ ዘጠለበትስ ሰልፊ ኣብ ቀጻሊ ምርጫ ኣይክትሳተፍን'ያ" ኢሉ።

እተን ሰልስተ ተቓወምቲ ሰልፍታት ኣብቲ ከንቲባታት ናይ ልዕሊ 300 ከተማታት ንምምራጽ ዝተገብረ ናይ ሰንበት ምርጫ ከምዘይሳተፋ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣፍሊጠን ነይረን። እቲ ምርጫ ውልቀ-መላኺ ንዝበልኦ ስርዓት ማዱሮ ጥራይ ከምዘገልግል ድማ ገሊጸን ነይረን።

ኣብታ ሀገር እናኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላውን ንሱ ዘስዓቦ ሕጽረታት መሰረታዊ ሃለኽትን ዝቕባበን ብዘየገድስ፡ ኣብ ስልጣን ዘሎ ዴሳዊ ሰልፊ ናይ ፕረሲደንት ማዱሮ ኣብቲ ናይ ሰንበት ምርጫ ብገፊሕ ክዕወት ትጽቢት ይግበረሉ።

ማዱሮ ይኸፋፍልን ይስዕርን

ልኡኽ ቢቢሲ ኣብ ላቲን ኣሜሪካ ካቲ ዎትሰን ካብ ባርኲሲመቶ ነዚ ዝስዕብ ትጽብጽብ

መግለጺ ፕረሲደንት ማዱሮ ንተቓወምቲ ሰልፍታት ንምትኹታኽ ዝዐለመ'ዩ። ነቲ ስጉምቲ ድማ ኣብቲ ሃገራዊ ባይቶ ዘውጽኦ ቅድመ-ኹነት ዝተመርኮሰ'ዩ ክብል ምኽኑይ ገይርዎ። እትን ተቓወምቲ ሰልፍታት ግን ነቲ ባይቶ ደሞክራስያዊ ኣይኮነን ብምባል ኣፍልጦ ኣይሃብኦን።

ፕረሲደንት ማዱሮ ብምኽንያት'ቲ እናኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላ'ታ ሃገር ህቡብነቱ ኣጥፊኡ'ዩ። ስልቱ (ስትራቴጂኡ) ድማ "ከፋፊልካ ስዓር" ዝብል'ዩ ኮይኑ ዘሎ። እዚ ማለት ድማ ነተን ተቓወምቲ ሰልፍታት እተዳኽመሉ ስልትታት ሃሰስ ኢልካ ሓደጋ ከውድቓ ከምዘይክእላ ምግባር ማለትር'ዩ። ተዓዊትሉ'ኸኣ። ከም ሌዮፖልዶ ሎፐዝ ንዝኣመሰሉ ህቡባት መራሕቲ ሰልፊ ተቓውሞ ኣሲሩ። ከም ሄንሪከ ካፕሪለስ ዝኣመሰሉ ካልኦት ድማ ኣብ ምርጫ ከምዘይሳተፉ ገይሩ። ሕጂ ድማ ነተን ኣዝየን ደረኽቲ ዝኾና ተቓወምቲ ሰክልፍታት ካብ ምርጫ ምእጋድ ኣስዒቡ። ሰልፍታት ተቓውሞ ኣብ ቅልውላው ይርከባ፡ ፕረሲደንት ማዱሮ ድማ ይጃሃር ኣሎ።

ፕረዚደንት ኒኮላስ ማዱሮ Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ተቓወምቲ ሰልፍታት ንፕረዚደንት ኒኮላስ ማዱሮ ይወቕሱ

ፕረሲደንት ማዱሮ፡ ነቲ ሃገራዊ ባይቶ ዘውጽኦ መምዘኒታት ምርኩስ ገይሩ ነተን ሰልፍታት ኣብቲ ንዓመታ ዝካየድ ምርጫ ከይሳተፋ ከምዝኣገደን ይገልጽ። እንተኾነ ግን እቲ ነቲ ሕገ-መንግስቲ ክቕይር ስልታን ዘለዎ ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ዝተመስረተ ባይቶ ብእሙናት ናይ መንግስቲ ዝተዓብለለ'ዩ። ተቓውምቲ ሰልፍታት ድማ ከም ናይ'ቲ ፕረሲደንት ኣብ ስልጣን ናይ ምጽናህ ስልቲ ገይረን ይርእይኦ።

ኣብ ደቡብ ኣሜሪካ እትርከብ ቬንዙዌላ ልዕሊ 30 ሚሊዮን ህዝቢ ኣለዋ። ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለም ዝዓበየ ክዙን ነዳዲን ገዚፍ ዕቐን ዘለዎም ማዕድናት ከሰልን ሓጺንን ዝውንና ሃገራት ድማ'ያ። ምስ'ዚ ኹሉ ሃብታ ግን፡ ብዙሓት ቬንዙዌላውያን ኣብ ድኽነት ይነብሩ። እዚ ድማ ነቲ ነቲ ፕረሲስደንት ማዱሮ ዝተክኦ ናይ ቀደም ፕረሲደንት ሁጎ ቻቬዝ ኣብቲ ናይ 14 ዓመት ፕረሲደንትነቱ ተጣባቒ ድሓታት ንኸኸውን ደሪኽዎ ነይሩ።

ሕጂ ግን፡ እታ ሃገር ኣብ መንጎ ደገፍቲ ፕረሲደንት ማዱሮን እቶም ናይ 14 ዓመት ስልጣን መራሒ ሰልፊ ዲሞክራሲ ከብቅዕ ዝደልዩን ተኸፋፊላ ትርከብ።

ደገፍቲ ፕረሲደንት ማዱሮ፡ እቲ ሰልፊ ናቱ ንብዙሓት ካብ ድኽነት ከምዘውጽአ ክገልጹ እንከለዉ፡ ተቓወምቱ ግና እቲ ሰልፊ ንደሞክራሲያውያን ትካላት ናይ ቬንዙዌላ ጉሕጒሑን ንቑጠባ'ታ ሃገር ኣበላሽዩን'ዩ ይብሉ።