ነታንያሁ፥ ፍልስጤማውያን ብዛዕባ እየሩሳሌም እቲ ሓቂ ብግድን ክፈልጥዎ ይግባእ

ነታንያሁ Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ነታንያሁ

ፍልስጤማውያን፡ ሰላም ክወርድ እንተደልዮም፡ እየሩሳሌም ርእሰ ከተማ እስራኤል ምዃና ብዘየወላውል መንገዲ ክቕበልዎ ይግባእ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል።

ቤንጃሚን ነታንያሁ "እየሩሳሌም ን3000 ዓመታት ርእሰ ከተማ እስራኤል እያ ነይራ፡ ናይ ካልኦት ኰይና ኣይትፈልጥን" ኢሎም።

ኣመሪካ ነቲ ኣፍልጦ ድሕሪ ምሃባ ሃገራት ዓረብ ተቓውሞ ኣብ ዘስምዓሉ ዘለዋ እዋን እዮም ነቲ መግለፂ ሂቦም።

ኣብ ሊባኖስ ኣብ ጥቓ ኤምባሲ ኣመሪካ ብሰንበት ሓያል ጐንፂ ተወሊዑ። ኣብ እየሩሳሌም፡ ሓደ ፍልስጤማዊ ኣብ ልዕሊ ሓደ እስራኤላዊ ዕጡቕ ሓደጋ ኣውሪዱ።

ነታንያሁ ምስ ፕሬዝዳንት ፈረንሳይ ኣማኒኤል ማርኮን ኣብ ዘካየድዎ ዘተ፥ እስራኤላውያን ምስ እየሩሳሌም ዘለዎም ርክብ ዝኽሕድ ኣቀራርባ ከምዘድንፅዎም ገሊፆምሎም።

"ፅፁይ መፅሓፍ ኣንብቡ፤ መፅሓፍ ቅዱስ ይበሃል። ድሕሪ መፅሓፍ ቅዱስ ዘሎ እውን ኣንብቡ፤ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ኣይሁዳዊ ማሕበረሰብ እውን ታሪኹ ስምዕዎ። ማእኸሉ ካብ እየሩሳሌም ወፃኢ ኣይኰነን" ክብሉ ተዛሪቦም።

"ፍልስጤማውያን እቲ ሓቂ ምስ ወሓጥዎ ሰላም ክወርድ እዩ" ድማ ኢሎም።

ብተመሳሳሊ ወሃቢ ቃል ምክትል ፕሬዚዳንት ኣመሪካ ማይክ ፔንስ፥ ፕሬዚዳንት ፍልስጤም መሓመድ ዓባስ ክረኽብዎም ዘይምድላዮም ምስ ሰምዑ ኣትሪሮም ነቒፎምዎም።

ኣብ ግብፂ ዝርከቡ ላዕለዎት መራሕቲ እስልምናን ክርስትያንን እውን ምስ ፔንስ ክካይድ ተሓሲቡ ዝነበረ ልዝብ ሰሪዞምዎ።

ንዘበናት ዝኣክል ማእከላይ ኣቕዋም ሒዛ ዝፀነሐት ኣመሪካ ሎምቕነ ቅሉዕ ኣቕዋም ዝሃቡ ፕሬዚዳንት ዶላንድ ትራምፕ ይኹነኑ ኣለዉ።

ብፍላይ ምብራቕ እየሩሳሌም ዳርጋ ደምበ እስልምና፣ ኣይሁድን ክርስትያንን ምዃና ይፍለጥ።

እስራኤል፥ እየሩሳሌም ርእሰ ከተማኣ ምዃና ወትሩ ትገልፅ። ፍልስጤማውያን ድማ ንቲ ብ1967 እስራኤላውያን ብኲናት ዝሓዝዎ ምብራቕ እየሩሳሌም ርእሰ ከተማኦም ክትከውን ይምነዩ።